መድረኽ ሰላም፡ መድረኽ ምሕያል ኣድህቦ!

እንኣትዎ ዘሎና ሓድሽ ምዕራፍ ፍረ ናይ ዝሓለፈ መሪር ማሕበረ-ፖለቲካዊ  ጥምጥም ከም ምዃኑ፡ ዝፈጥሮ ዕድላት በቲ ሓደ ወገን፡ ዘኽትቶ ትርፍራፍ ብድሆታት ድማ በቲ ካልእ ምግምጋም ኣገዳሲ እዩ። ዝሓለፈ መሪር ግን ከኣ መሃሪ ቃልሲ፡ ሕመረተ-ዕላምኡ ናብ መንእሰያት ዕላማ ዝገበረ ከም ምዃኑ፡ ምዝራግ ኣድህቦ ድማ እቲ ቀንድን ዋናን ዕላማኡ ከምዝነበረ ኩሉ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። እቲ ብፍልጠትን ምርምርን፡ ሃገራውነትን ሓርበኝነትን፡ ወለንታውነትን ተወፋይነትን ሰኸም ነብሱ ብዅርናዕ ሕብረተ-ሰብ እናጠመተ ሕድሪ ኣያታቱ ከተግብር ብንግሁኡ ዝተገሀ ናይ ድሕሪ ናጽነት መንእሰይ፡ ኩለንተናዊ ኣድህቦኡ ክፈጥሮ ዝኽእል ማሕበራዊ ፍልልይ ብሕስድና ስለዝተጠመተ፡ ውነኡ ንምስላብ ብንግሁኡ ዝዓጠቑ ውዲተኛታት ከምዝነበሩ ኩላትና እንዝክሮ ሓቂ እዩ። እዞም ውዲተኛታት ድማ ገለ ታሪኻዊ መወከሲ ክጥቀሙ ግድነት ነበረ።

ስለዚ፡ እቲ ቀዳማይ ኣብ ጠመተ ክኣቱ እንጽበዮ ታሪኽ ታሪኽ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ግዜ ቃልሲ እዩ። ታሪኽ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ካብ ምትእትታው መግዛእቲ ብሓፈሻ ካብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ድማ ብፍላይ ብኩርናዕ ሃገራውነት፡ ሰውራውነት፡ ወለንታውነትን ተጠሚቱ ኣብ ታሪኽ መንእሰያት ዓለም ውሱናት መዳግርቲ ጥራይ ዝህልውዎ ናይ ኣብነታውነት ጽሩራ ከምዝውንን ዋላ‘ውን እቲ ጸላኢ ዝበሃል ዘሎ ወገን ጽቡቕ ገይሩ ይሰማምዓሉ እዩ። ግን ከኣ ክርዕሞ ኣይደልን፡ ኣይንጽበዮን ውን። ብፍላይ ናይ ሰውራዊ ምንቅስቓስ ታሪኽ፡ ንወሰንቲ ክብርታት ኣማእኪሉ ንመግዛእቲ ኣብ ምሕግሓግ ዘካየዶ ዓቢ ኣበርክቶ፡ ንመበቆላውነትን ታሪኻውነትን ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ንኽዕቅብ ዘካየዶ ኩለንትናዊ ሰውራ፡ ነቲ ብገዛእቲ ዝተደወነ ባህላዊ ወዝ ንምምላስ ዘካይዶ ናይ ሓረስቶት፡ ሰራሕተኛታት፡ ምሁራት፡ መንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮን ሃገራዊ ወፈራ ንሓርነት ኣቃሊልካ ዝጥመት ኣይኮነን።

እቶም ብሰንኪ ንዅነታት ብዕቅኖም እናሰፈዩ ንህዝቢ ኣብ መቓን ብኽነትን ተጻበኦን ጥራይ ከምዘኹድድ ንምግባር ዝውጥኑ ውዲተኛታት ንጫውጫውታ ከም ዓቢ መሳርሒ ይጥቀመሉ። እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይ ‘ዚ ድማ ድምጺ ውጹዓት ንኸይስማዕን ኣድህቦ ህዝብታት ንምጥምዛዝን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እምበኣርከስ ነዚ ተሃሚልሉ ዝፈልጥ ኣይኮነን። ነቶም ዘይፍትሓውነትን ግዳያውነተን ዝላህጀኦም ዓመጽቲ ድምጽታት ጸጥ ዘበለሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ኣብቲ ናይ ጫውጫውታ ጸወታ ሓንቲ ማዓልቲ ከም ዝስማዕ ስለዝኣመነን ንእምነቱ ድማ ብግብሪ ዋጋ ስለዝኸፈለሉ ጥራይ ‘ዩ።

እቲ ካልእ ኩርናዕ ናይ ‘ዝሓለፈ ህዝባውን ሉኡላውን ጥምጥም ድማ ኣብ መንጎ ንሽግራት ምግጣምን ብሽግራት ተበሊልካ ሕብርኻን ክብርታትካን ምብሕጓግን ዝህሉ ስነመጎታዊ ኣመለኻኽታ እዩ። እቶም ብሓያላት ዝተወርወሩ ፍላጻታት፡ እቶም ብሰብ ቀላጽምን ብዙሕ ዝኣብትሮምን ሓንኮልቲ ዝተሰንደዉ መንፈሳውያንን ነገራውያንን መጻወድያታት ኣብ ሓደ ደርዲርና ከም መዝገብናን ድፋዓትናን እንተዘይንጥቀመሎም ኣብ ‘ዛ ጣልማይት ዓለም መን መዕቀለና? እቶም ካበየ ሩባታት ዘሎን ዘየሎን፡ ዝዕቀንን ዘይዕቀንን ኣኻኺቦም ካብ መቓን ማሕበረ-ሃገራዊን ልኡላውን ህላወ ንኽጸራርጉና ዝተበገሱ ሓደ ኣንፈት ዝመበገሲኦም ግን ከኣ ካብ ኩሉ ኣንፈታት መገብቲ ዝነበሮም ናይ ጥፍኣት ወሓይዝ ገዲብና ናብ ልምዓት መሬትናን ሰብና እንተዘይነውዕሎም ከም ሃገርን ህዝብን ምሰረርና ‘ዶ?

ተሞክሮ ብዙሓት ኣህዛብ ተሞክሮ ምብትታንን ውድቀትን እዩ። ተሞክረኦም ተሞክሮ ኣንፈትካ ምስሓት ስለዝኾነ። እቲ ብጫውጫውታን ደርጓዕጓዕን ከይተሃመልካ ኣብ ኣንፈትካ ናይ ምጽናዕ ተሞክሮ ግና፡ ንሕና ኣብ’ቲ ናይ ዓወት ሓወልቲ ካብቶም እምነ-መሰረት ከቐምጡ ዝግበኦም ኣህዛብ ንኽንከውን ግዜ‘ውን እንተኾነ ጽቡቕ ገይሩ መስኪሩልና እዩ። ምኽንያቱ፡ እቶም ንጥፍኣትና ዝተዓጥቁ ድምጽታቶም ክሃጥም፡ እቶም መጣቓዕቲ ድማ ኣብ ጎንና ክስለፉ ይዕዘብ ስለዘሎ።

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ‘ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ምስ’ዚ ኩሉ ተጻብኦታት ዝተማህርናዮ ዝዓበየ ትምህርቲ እንታይ እዩ?’ ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ “ኣብ ዝሓለፈ ናይ መኸተ ዓመታት ብዙሕ ተማሂርና ክንከውን ንኽእል ንኸውን፡ ግን ከኣ እቲ ዝዓበየ ዝተማሃርናዮ ነገር ‘ኣንፈትካ ዘይምጥፋእ እዩ’” ኢሉ ኣብ ዝመለሰሉ፡ ነቲ ዝነበረ ኣብ መንጎ ኣብ ከርሲ ጫውጫውታ ኮይንካ ምቅላስን ኣንፈትካ ምንጻርን ዝነበረ ሓያል ጥምጥም ዘገምግም ትርኑዕ ኣበሃህላ ምዃኑ‘ዩ። ስለዚ፡ እቲ ዝነበረ ኣብ መንጎ ኣብ ኣድህቦ ምድሃብን ካብ ኣድህቦና ንምጥምዛዝን ዝተኻየደ ረቂቕን ሓደገኛን ተንኮላት ሳላ ኣብ መበገሲታትና ዘድሃብና ተዓዊትናሉ’ስ ድሮ‘ኳ ኪኖ ምስራርን ምቕጻልን ናብ ምውዳንን ምምእካልን በቒዕና ንርከብ።

ኣድህቦ ናይ ዝሓለፈ ሃገራዊ ቃልሲ እምበኣርከስ፡ ብኽልተ ዝገጻቱ ሳንቲም ክግለጽ ዝከኣል እዩ። በቲ ሓደ መኸተ በቲ ሓደ ድማ ልምዓት። ነታ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ናይ ሃገር ባህሪኣ ኣጥፊኣ ዝነበረት ኤርትራ፡ ነቲ ክብሩን ባህሉን ንምብካል ገዚፍ መግዛእታዊ ጽዕነት ተለጢጡ ዘመናት ዘሕለፈ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ፡ ነቲ ብሰንኪ ኩናትን ጸቢብ ኣማላኻኽታ ገዛእቲ ንጣብ ምራቑ ዝቐበጸ ሩባታት ኤርትራን ዕራቐቱ ምሽፋን ሲኢኑ ዝነበረ ጎቦታትናን ጎላጉናን ነቲ ክብሩ ነቲ ድማ ወዙ ንምምላስ መንገዲ ልምዓት እቲ እንኮ ኣማራጺ እዩ ዝነበረ። ካብ ጽባሕ ናጽነት ድማ ብዙሕ ተሰሪሕሉ።

ምዕባለ ብባህሪኡ ተጻራሪ እንተዘይፈጢሩ፡ ምዕባለ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ከምቲ ዋጋ ጥዕና ብህላወ ሕማም፡ ዋጋ ሃብቲ ድማ ብህላወ ድኽነት ዝያዳ ዝኹላዕ፡ ልምዓታዊ ገስጋስ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ንምኹላፍ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ብሕስድና ዝተበገሰን ንምቝጻዩ ድማ ብኣገኡ መገሻታት ዝጀመረ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ከምዝነበረ ኩላትና እንዝክሮ ሓቂ እዩ። ሓሳቡ ተሳኺዕሉ ድማ ኣብ 1998 ብዶብ ኣሳቢቡ መጠነ ሰፊሕ ወራር ብምክያድ፡ እቲ ናይ ግንባር ኣብ ግንባር ምስኣርኣናዮ ብባርኾት ዓበይቲ ዓንደርቲ ንኣስታት 17 ዓመታት ኣብ ዘይመረጽናዮ ናይ ድሕረ ግንባር ቃልሲ ከምዝጸመደናን ኣድህቦና ክጥምዝዝ ብዙሓት ጎዳጉዲ ከምዝኾዓተልናን ታሪኽ ሰኒድዎ ዘሎ ሓቂ እዩ።

እቲ ንኣካል ወዲ-ሰብ ከጥቅዕ ዝወፍር ባክተርያ ምስ’ቲ ዝጥቀዖ ኣካል ከምዝመወት እንተዝፈልጥ ‘ሲ ክንደይ ጽቡቕ ነበረ። ባክተርያ ናይ ኵነታት ዝነበሩ ጸላእና ድማ ምስ’ቲ ዝፈጠርዎ እኩይ ኵነታት መሽሚሾም ናብ በድኒ ተቐይሮም ‘ሲ ብሰንኪ ጨና በድኖም ድማ ኩሎም ጎረባብቲ ኣፎም ዓቢሶም ክንቀሳቐሱ ንዕዘቦም ኣሎና።

ስለዚ፡ እቲ ናይ መኸተን ልምዓትን ቃልስና ‘ሰላም’ ዝብል ሓረግ ስለዝተወሰኾ፡ ኩለንተናዊ ምስግጋር ዘቀላጥፍ ምቹእ ኵነታት ተፈጢሩ‘ሎ።

ልክዕ‘ዩ፡ ኵናት ዘቋርጽ ኣይኮነን፡ ግን ከኣ ማእዝናቱ እዩ ዝለዋውጥ። እቲ ብግሁድ ዝነበረ ብስዉር ይቕጽል፡ እቲ ብእሳት ዝነበረ ናብ ቁጠባ ይሰጋገር፡ እቲ ኣብ ግንባርን ድፍዓትን ዝነበረ ድማ ንኣእምሮ ከም ግንባር ተጠቒሙ ብስነ-ኣእምሮ ይቕጽል … ወዘተ። ከም’ቲ ጁልየስ ቄሳር ኣብ 75 ቅ.ል.ክ ዝበሎ “እቲ ዝበርተዐ ጸላኢኻ ኣብ’ታ ንስኻ ትሑት ግምት ዝሃብካያ ናይ መጨረስታ ቆጥቛጥ ክጸንሕ ይኽእል እዩ” ዝበሎ ንማለት እዩ‘ሞ፡ መጻኢ ድማ ልክዕ ከም ሕሉፍ ዘዛኒ ዘይምዃኑ ምዝኽኻር የድሊ።

ኣብ ማሕበራውን ውልቃውን ክዉንነት፡ እቲ ዝያዳ ዘድሃብካሉ ዕማም ዕጽፊ ውጺኢት ትረኽበሉ። ግን ከኣ ነገራውን መንፈሳውን ጸጋታትካ ምሉእ ብምሉእ ናብ ተልእኾኻ ምስ እተቕንዕ እዩ። ስለዚ፡ ኣብዚ ዝእቶ ዘሎ ሓዲሽ መድረኽ፡ ጸብሊልናን ኮሪዕናን ንኽንሰርር፡ ዛንታ ሕሉፍና ብርግኣትን ቅሳነትን ንዝቕጽሉ ወለዶታት ንኽነግር ዝሕጉዝና ኣጀንዳታት ምዝርዛር ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ይገብሮ። እዞም ኣብ ስነ-ፍልጠት፡ ምዕቃብ ባህልን ኣከባብን ዘጠቓለሉ ኣጀንዳታት ካብ ውልቀ-ሰብ ምብጋሶም ንኣገዳስነቶም መታን ከየፉኩስ፡ ኣብ ዝበዝሐ ክፋሎም ጸሚድናሎም ዝጸናሕና ምዃኖም ምዝኽኻርን ንምውሳኽን ምጉዳልን ድማ ክፉታትን ምዃኖም ምሕባር ኣገዳሲ እዩ።

እቲ ብቐዳማይ ደረጃ ዝዓበየ ኣድህቦ ዝጠልበና ጉዳይ እምበኣርከስ ጉዳይ ስነ-ፍልጠታዊ ገስጋስ እዩ። እቲ ንነገራት ብቑጽሪ ንኽንልክዖም፡ ኣብ ኣጠማምታና ርትዒ ንኽንዓጥቕ፡ ካብ ከፋፋልን ዝንቡዕን መደምደምታታት ናጻ ኣውጺኡ ጽፈትን ኣገባብን ዝምህረና እንኮን ዝዓብየን ኣድማሳዊ ጸጋ ዓውዲ ስነ-ፍልጠት እዩ። ብሳላ ስነ-ፍልጠት ጠመተና ክሰፍሕ እዩ፡ ኣብ ዕላላትና መሬት ኤርትራ ዘፍረየቶም ዓበይቲ ፈላስፋታትና ክንዝክር ኢና፡ ጸጋታትና ብጽፈት ከነማሓድር ኢና፡ ብሳላ ስነ-ፍልጠት ነቶም ናይ ዘመናት ጸላእትና ንኽንስዕር ዝዓግተና ኣይክህሉን እዩ … ወዘተ።

ንሕና ከም ኣካል ሳልሳይ ዓለም፡ ድኽነት ሓደ ካብቶም ናይ ዘመናት ጸላእትና እዩ። ንሕና ከም ህዝቢ ድማ ሓደ ዓቢ ተሞክሮ ኣሎና። ጸላእትና ንመንነትና ንምጥፋእ ኣብ ዝወጠንሉ ብደምና በዲህናዮም። ግን ከኣ እቲ ቃልሲ ኣቡኡ ዘብቅዕ ኣይነበረን። ከብቅዕ ድማ ኣይክእልን። ምኽንያቱ፡ መንነት ብዘይ ዝብላዕን ዝስተን ኣየኹርዕን ኣየስርርን‘ውን። ስለዚ ነቶም ንመዋእላት ዕንክሊል ዘበሉና ጸላእትና እንስዕረሉን ነቶም ንስለ ቀጻልነትና ሂወቶም በጂዮም ናጻ መድረኽ ንኽንውንን ብሂወት ዝተዋሕሱ ሰማእታትና እንድብሰሉ መንገዲ፡ ንድኽነት ብኸብዲ እግርና ምስ እንርገጻን ኣብ ዝባን መቓብራ ድማ ናይ ትምህርቲ፡ ጥዕናን ኣገልግሎታዋያን መሰላት ዘውሕሱ ርሻናት ምስ እንሃንጽን ጥራይ እዩ። እዚ ድማ ንስነ ፍልጠት ከም ሰረተ-እምነት ኣብ ልብና ምስ እነስርጾን ከም ኣጋባብ ድማ ብዝግባእ ምስ እንርዕሞን ጥራይ እዩ ክውን ክኸውን ጽኽእል።

መንገዲ ስነ-ፍልጠት መጀመርታ እምበር መወዳእታ ዝህልዎ ኣይኮነን። ብሓደ ገጽ ኣብ ምምዕባል፡ ምቕርጣውን ምዝርጋሕን ስርዓተ ትምህርቲ፡ በቲ ካልእ ድማ ምውዳብ ንፍታሕ ዝእልሹ መጽናዕታዊ ተብግሶታት፡ ምስ ህልው ተክኖሎጂካዊ ስልጣነ ዓለምና ዘዋስቡ ናይ ፍልጠት ማእከላትን ናይ ሊሂቃን ማሕበራትን ኣብ ምኹስኳስ ኣብ እንጽመደሉ፡ ፍረ ስነ-ፍልጠት ንኽንቋደስ ርሑቕ ምጓዓዝ ኣይከድልየናን እዩ።

ፍልጠትን ጽምኣት ፍልጠትን ከም ባህሊ ተወሲዱ፡ መንእሰያት በቲ ሓደ ግብራዊ ኪነታዊ ትምህርቲን ኢደ ጥበባትን በቲ ካልእ ድማ ንዝተማህርዎ ናብ ግብራዊ ትምህርቲ ዘሰጋግርሉ ናይ ዕዮ መረኻት ምስፋሕን ምሕያልን ከድልየና እዩ። ኣብዚ ዛዕባ ብደረጃ ሕብረተ-ሰብ ብዙሕ ዝተጓዓጽናን ከም ምዃንና መጠን እዚ ሓሳብ መመላእታ እምበር መበገሲ ኣይኮነን። ግን ከኣ ንኽኢላዊ ዓቕሚ ሰብና ብዝግባእ ንምውዳን በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ኪኢላታት ብሳላ ዝተማህርዎ ንዝፈጥርዎ ናይ ፈጠራውነት ፍልልይ ንምዕቃብን ምቹእ ኣካባቢ ንምፍጣርን ቀጻሊ ስራሕ ክሓተና‘ዩ። ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ከም ምህዞን ሰንዓን ዝኣመሰሉ ዛዕባታት ጸቒጥካ ምስራሕ ከድሊ እዩ። ሕቶ ምህዞን ሰንዓን ኣብ ዝለዓለሉ ሓደ ሕቶ ይቕጀለካ። ንሱ ድማ፡ ንዝተማህዘ ልስሉስን ተሪርን ኣቕሓ ክሳብ ክንደይ ኣብ ፍረ በጺሑ’ስ ኣብ ኣገልግሎት ሕብረተ-ሰብ ይውዕል? ኣብ‘ዚ ዓውዲ‘ኸ ክንደይ ካብ መንእሰያትና ይሳተፉ? ነተባብዖምዶ’ኸ?

ስለዚ፡ እቶም ኣብ ፍልጠት ጠቀስ፡ መጽናዕትን ተክኖሎጅን ኣብ ምህዞን ሰንዓን እንገብሮም ኣድህቦታት፡ ከም ኣብ ስነ-ፍልጠት እንግብሮ ዓቢ ኣድህቦ ተቖጺሩ እቲ ከም መትከልና፡ ሂወትና፡ ጸዓትናን ግራትናን ዝረዓምናዮ ስነ-ፍልጠታዊ ሰረተ-እምነት ኣብ ሂወት ሕብረተ-ሰብና ዝጻወቶ ናይ ኣባራታዕነት ተራ ኣቃሊልካ ክጥመት የብሉን። ንሃገርና ኤርትራ ማእከል ፍልጠትን ፈጥራውነትን ከምኡ ድማ ማእከል ቴክኖለጅን ፍልስፍና ንምግባራ ድማ ብዙሕ ኣይክንሽገርን ኢና።

ብምቕጻል፡ እቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ልዑል ኣድህቦ ክንገብረሊ ዝጠልበና ጉዳይ ድማ ጉዳይ ባህላዊ ምብርብራር እዩ። ኣብ ዓለማዊ ኵናት እቲ ካብ ቀዳማይ ወለዶ ኵናት ማለት ካብ ዋልታን ጭማራን ናብ ራብዓይ ወለዶ ኵናት ተሰጋጊሩ ዘሎ ናይ ኣህዛብ ጥምጥም፡ ንመንፈሳዊ ንዋት ከም ገዚፍ መሳርሒ ውግእ ይቖጽሮ። እዚ ማለት ድማ፡ እቶም ንባህሊ ዝተቖጻጸሩ ንመንፈስ ናይ ጸላእቶም ‘ውን ስለዝቋጻጸሩ፡ ንነገራዊ ሓይሊ ናይ መጋጥምቶም ንምህማሽ ዝኽልክሎም ኣይህሉን ንማለት እዩ። ብመንገዲ‘ዚ ድማ ንኩርዓት፡ ኣንነትን መንነትን ጸላእቶም የብርሱ። እዚ ከም ተሞክሮ ኣብ’ቶም ብሰንኪ ኣብ ግዜ ምምጻእ ሃጸያዊ መግዛእቲ በቲ ሓደ ኢዶም ሴፍ በቲ ካልእ ድማ ሃያማኖታውያን ጽሑፋት ዓጢቖም ንሕብረተ-ሰብ ኣፍሪቃ ክሳብ ሕጂ ምትንሳእ ክሳብ ዝስእን ሕቑኡ ዝጎዘዝዎ ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ብዙሕ ዝተዘርበሉ ስለዝኾነ ኣብ‘ዚ ምድማቑ ጥራይ‘ዩ ከድሊ።

ንባህሊ ከም መሳርሒ ኵናት ተጠቒምካ ዝግበር ኣዝዩ ሓደገኛ ኵናት ከምዘሎ ንኽንርዳእ ናይ Paulo Freire፡ ‘Pedagoy of the oppressed’ እትብል ምጽሓፍ ከም መወከሲ ክንወስዳ ንኽእል። ፓብሎ ፈረ ካብ ዝገለጾ፡ ‘ባህላዊ ወራር ንኽዕወት እቶም ዝውረሩ ኣህዛብ ብኹለንተና ትሑታት ምዃኖም ክኣምኑን ነዚ ዓሊምካ ክትሰርሕን የድሊ’ ዝበሎ፡ ባህላዊ ወራር እቲ ቀንዲ መሳርያ ናይ ስርዓተ ዓብላልን ተዓብላልን ጎይታን ጊላን ምዃኑ ንምብራህ እዩ። ከምኡ ድማ፡ Andrew Korybko ኣብታ ‘Indirect approach Stratgey’ ዘርእስታ መጽሓፉ፡ ንብሄራውን ሃይማኖታውን ልዕሊ ቅርጺ ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ዓሊምካ ዝካየድ ረቂቕ ናይ ስነ-ኣእምሮ ኩናት ኣዝዩ ውጺኢታዊ ምዃኑ ይነግር።

ስለዚ፡ ንሕና ከም ሕብረተ-ሰብ ባህልናን መንነትናን ክንዕቅብ በቲ ሓደ ሸነኽ፡ መበቆላውነትናን ክብርታትናን ንኸይብረዝ ድማ በቲ ኻልእ ንባህልና ሰውራውነቱ ኣብ ምርግጋጽ ዓቲብካ ምስራሕ ከድሊ እዩ። ምኽንያቱ፡ ሕጂ‘ውን እንተኾነ፡ ባህላዊ ወራር እቲ ዝዓበየ ጸላኢና ኮይኑ እዩ ክቕጽል።

ምስ’ዚ ተዛሚዱ ዝለዓል ድማ ሕቶ ክብርታት እዩ። ዝኾነ ሕብረተ-ሰብ ንኽብርታቱ‘ዩ ዝነብር። ክብርታት ዘይብሉ ሕብረተ-ሰብ ድማ ኩርዓት ስለዘይብሉ ኣብ’ዛ ብናይ ክብርታት ቃልሲ እትልለ ዓለም እንዳደነነን እናተዋረደን ይነብር። ካብ ናይ ካልኦት ኣህዛብ ባህልታት ነቲ ጸጽብቑ ምርዓም ኣገዳሲ እዩ፡ ግን ከኣ ዘዝመጸካ እንቀዓ እንዳጎሰምካ ምንባር ሓደገኛነቱ ዓቢ ምዃኑ እዩ።

ንሕና ኤርትራውያን ድማ ብቁጽርና ውሑዳት ግን ከኣ ብሳላ ክብርታትና ኣብ ብዝሕና ክንዲ ሽሕ ዝወሰኽና ህዝቢ ኢና። እቶም ኣብ ጥንታዊ ሂወት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዝነበሩ ግን ከኣ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ምንቅስቓስን ድሕሪ ናጽነት ዝቐጸለ ናይ መኸተ ቃልስን ዝተኾልዑ ወርቃውያን ክብርታት ንኸይብረዙ ዓቲብካ ምስራሕ ከድሊ እዩ። ሕጂ‘ውን እንተኾነ፡ እቲ ተወፋዪ፡ ጅግና፡ ዓቃል፡ ጻዕረኛን ተሓጋጋዝን ምዃን መንጸፍ ናይ መጻኢ ጉዕዞና ኣብ እንገብረሉ ንክብርታት ዓሊሞም ኣብ መጻኢ ካብ ዝመጹና ኣሉታውያን ብድሆታት ንኽንስዕር ዝኽልክለና ኣይክህሉን እዩ። ምኹስኳስ ክብርታት ዕማም ዘንትእለት ደኣምበሪ ዕማም እለት ጥራይ ክኸውን‘ውን ስለዘይብሉ።

ባህላዊ ትንሳኤ እምበኣር፡ ነቲ ብባህሊ ተመኽንዩ ክመጸና ዝኽእል ብቋንቋታትና ንኸይንኾርዕ፡ ብሳዕስዒትና ንኸይንድሰት ብታሪኽና ድማ ንኸይንሕበን ዝኽልክል ሕሱም ወራር ንኽንብድህ ስለዘድልየና ከም ኣጀንዳ ምሕያሉ ኣገዳሲ እዩ። ፈጠርቲ ደኣ’ምበር ደገምቲ ባህልታት’ውን ክንከውን ስለዘይብልና።

ኣብ መዛዘሚ፡ እቲ ብሳልሳይ ደረጃ ካብ‘ዚ ሓድሽ ምዕራፍ ከም ዓቢ ኣጀንዳ ብዕቱብ ከነድህበሉ ዘድሊ ምዕቃብ ኣካባቢ እዩ። እቲ ቀዳማይ ጠንቂ ናይ ድኽነት ኣካባብያዊ ዕንወት ምዃኑ ብዙሓት ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ። ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከም ዛዕባ ኣብ ዝለዓለሉ እቲ ቀዳማይ ኣብ ኣእምሮኻ ዝቕልቀለካ ህዝቢ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ከም ኣካል ልምዓታዊ ዕላማ ኣብ ድሕሪ ናጽነት ዝዛለዮም ዛላታት፡ ዝገደቦም ኣማኢት ዲጋታት፡ ዝተኸሎም ኣግራብን ዝዓቀቦ ስነ-ሂወታዊ ብዙሕነትን ዝኾነ ኣብ’ዛ ሃገር ዘሎ ዜጋ ካብ’ታ ዘለዋ ቁሩብ ተንቀሳቒሱ ዝዕዘቦም ዘሎ ስለዝኾነ ምውርራቕ ዘድልዮ ኣይኮነን። ግን ከኣ ሕጂ’ውን እንተኾነ፡ ምዕቃብ ኣካባቢ ይጽንሓለይ እንከይበልካ ክስረሓሉ ዝግባእ ዕማም ምስ ምዃኑ ምዝኽኻር ኣገዳሲ እዩ።

ነቲ ብዕምቆት ክርድኦ ዘይፍትን ሰብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ብዙሕ ኣገዳስነት ዝህልዎ ኣይመስልን። ኣብ ልምዓታዊ ፖሊስታት መንግስታት እቲ ንቐጻልነት ማሕበራዊ-መስተርሆት ዝውፈ መንግስቲ እቲ ቀንዲ ዕላማኡ ምዕቃብ ኣካባብን ብኡ ጌርካ ድማ ምውዳንን ምስትኽኻልን ባህርያዊ ጸጋታትን ኣብ ዝኾነሉ፡ ዜጋታት ማሕበረ-ቁጠባዊ ብድሆታቶም እንዳጎደለ ይኸይድን ብደስታ ናይ ምንባር ዕድል ይህልዎምን። ስለዚ ድማ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ምውዳን ጸጋታት፡ ምዕቃብን ምትካልን ኣግራብን፡ ምስሳን ስነ-ሂወታዊ ብዙሕነትን ባህርያውያን ሕዛእትታትን፡ ምስራሕ ዛላታትን ምዕቃብ ጸጋታት ባሕርን እቶም ንኽትዛረበሎም ቀለልቲ ዝመስሉ ግን ከኣ መለለዪ ሓደ ንወለዶታት ዝሓስብ ሕብረተ-ሰብን ማእከልነቱን ኢልና ኣብ እንድምድመሉ ኪኖ ግዜውያን ብድሆታት ፍጹም ማሕበራዊ ውድቀት ንኸየጋጥመና ስለእንስገእ እዩ። ምኽንያቱ፡ ብሰንኪ ዝንቡዕ ኣጣቓቕማ ጸጋታቶምን ሸለልትነታዊ ኣካይዳኦምን ዝወደቁ ሕብረተ-ሰባት ከምዝነበሩን ብሕጂ ውን ክህልዉ ምዃኖምን ታሪኽ ደጋጊሙ እናኣዛኻኸረና‘ዩ።

ማሕበራዊ ውድቀት ስለምንታይ የጋጥም? ብዙሓት መበገሲታት ክህልዉ ይኽእሉ። ሓደ ካብኣቶም እምበኣርከስ ብሰንኪ ምስ ኣካባቢ እንፈጥሮ ረጽምን ሸለልትነት ዝመለለዩኡ ዝምድናታትን እዩ። ባህሪ ንዝሓብሓብዎ ይሕብሕብ፡ ንዘየተገደስሉ ድማ ካብ መስመር ቀጻልነት ይግልፍን በቶም ምስ ከባቢኦም ስልጡንን ጥበባውን ዝምድናታት ዘለዎም ሕብረተ-ሰባት ይትክእን። ነዚ ሓሳብ ብዝግባእ እተራጉድ መጽሓፍ ድማ ብJared Diamond ዝተጻሕፈት  “Collapse: How Societies Choose to Fail or Succeed’  እትብል ምጽሓፍ ምውካስ ይከኣል።

ምዕቃብ ኣካባቢ፡ መንጎ- ወለዶኣዊ ፍትሒ ወይ ድማ ንintergenerational justice ‘ውን እዩ። ሕጂ እንዕቅቦ ኣካባቢ ንመጻእቲ ወለዶታት ኣብ ግምት ዘእተወ ገዚፍ ወፍሪ ስለዝኾነ፡ ከም ገዚፍ ማሕበራዊ ዕላማ ምውቃሩ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሕጂ ውን እንተኾነ፡ ኣብ ሕቶ ቀጻልነት እቲ ዘዓበየ ዕላማ ኣካባቢ እዩ ክኸውን ዘለዎ። እቲ ምንታይ ሕብረተ-ሰብ ደኣምበሪ ኣካባቢ ኣይኮነን ንስለቀጻልነቱ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ክጽጋዕ ዘድልዮ።

ኣማኑኤል ዘካርያስ

677 total views, 6 views today

(Visited 203 times, 1 visits today)

Eri-Youth

The owner of this website is the Eritrean union of youth and students.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *