መገዲ ዓድና!

ጉዕዞ ማሕበራዊ ለውጢ መገዲ መዋእላት ‘ዩ። ውፉያት የበግስዎ፣ ህዝባውያን የንቀሳቕስዎ፣ ሓላፍነታውያን ድማ ናብ መፈጸምታ የብቅዕዎ። እዚ ማለትና ግና ማሕበራዊ ለውጢ መፈጸምታ ‘ለዎ ናብ ዝብል መደምደምታ ክወስደና የብሉን። ጉዕዞ ናብ ኩለንተናዊ  ማሕበራዊ መስተርሆት መጀመርታ ‘ምብሪ ፈጽሚ ዝህልዎ ኣይኮነን። ማሕበራውያን ሕቶታት እሊፍተ-ኣእላፋት ምዃኖም ‘ዩ። እቲ ሎሚ ብኢድ ዝጭበጥ ሓደ ንጽል መስመር ናይ ‘ቲ መወዳእታ ዘይብሉ ንትኹል ዝሰፍለለ ናይ ሕልምታት መሳልል፣ ኣብ ጉዕዞ እግሪ ‘ውን ተርክበሉ ‘ሞ ኢድ ድማ ካልእ መስመር ክትዕትዕት ትመጣጠር። ልክዕ ከም ምድያብ ኣስካላ ኢድን እግርን ኣብ ሓንቲ መስመር ንምዕራፈን ዝከኣል ስለዘይኮነ።

ብኻልእ ወገን፣ መገዲ ማሕበራዊ ለውጢ ከም ምድያብ ሓደ ንዓኻ ነዊሕ ኮይኑ ዝስመዓካ በሪኽ ጎቦ ኢዩ ዝቑጸር። እንተኾነ ግና፣ ኣብ’ቲ ንኹትሓኹሮ ዝወጠንካዮ ጎቦ ምስ ደየብካ፣ ኣብ ፊትካ ድማ ሓደ ካብኡ ዝብርኽ ጎቦ ተገቲሩ ይጸንሓካ ‘ሞ እቲ ዘለኻዮ ብራኸ እቲ ዝተሓተ ልዕለት ምዃኑ ይስወጠካ። ዕላማ ማለት ደረጃ ንማለት ‘ውን ስለዝኾነ።

ኣብ ‘ዚ ብፈተነታትን ብሕልኻልኽን ዝዘቕበበ ጉዕዞ ‘ምብኣር ብዙሓት ዝዕንቅፉ ከጓንፉ ይኽእሉ፣ ገለ ድማ ደኺምካ፡ መሽሚሽካ፡ ኣይተለወጥካን ዝደርፎም ዋይጦት ክዋራዘዩልካ ይኽእሉ . . . ወዘተ። እዞም ኣካላት ‘ምበኣር ወይ ፍልጠት ዝወሓዶም ‘ሞ ንዕምቆት ወይ ለጠቕታ ናይ ‘ቲ ዝነቐልካሉ መስመር ብዝግባእ  ዘይፈልጡ ወይ ድማ ጸላእቲ ‘ዮም።

ክዋመ ንኩርማህ እቲ ውሩይ ጋናዊ መራሒ ንኣብነት፣ “እዞም ብህልዊ ደረጃና ዝፈርዱና ሰባት ‘ሲ ነቲ ዝነቐልናሉ ለጠቕታ ‘ውን እንተዝዝክሩ ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ” ክብል ይገልጽ ንንውሓትን ዕምቆትን ኣፍሪቃዊ ቃልሲ ንኣፍሪቃዊ ብልጽግና በቲ ሓደ ወገን፡ ንዕዉር መደምደምታታትን ምስ ህልው ደረጃ ጥራይ ዝተኣሳሰር ዝንቡዕ መረዳኣታታን ተንተንቲ ንምብዳህ።

እቶም ኣብ ዝኾነ ህልው ማሕበራዊ ደረጃ ሪኢተኦም ፈይ ከብሉ ዝፍትኑ ኣካላት እምበኣር፣ እቶም ዕምቆት ናይ’ቲ መበገሲ ብዝግባእ ዝፈልጡ ጥራይ  ንክኾኑ ዘየወላውል ባህርያዊ ግዴታ ‘ሎ።

መበገሲ ናይ ‘ዚ ሓሳብ፣ ንምህናጽ ጽርግያታትን ብድሆታቱን ኣመልኪቱ ኣብ ጥሪ 1991 ኣብ ቁ. 6 መጽሄት ‘ሓርበኛ’ ዝወጸ ጽሑፍ ኢዩ። እዚ ኣብ ትሕቲ “እቲ ካልእ ጅግንነት” ዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ ጽሑፍ፣ ንጥልቀት ናይ ‘ቲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ህዝባዊ ግንባር ድማ ብፍላይ ኣብ መዳይ ኣገልግሎታዊ ምዕባለ ዝተለሞ ነዊሕ ርእየትን ገስጋሳቱን የነጽር። ብተወሳኺ፣ መጽሔት ሓርበኛ ሓደ ዓቢ ትንቢታዊ መልእክቲ ዝነበሮ “ዝተጻሕፈ ኣይመውትን!” ዝብል ገዚፍ ቁም-ነገራዊ ሓረግ  ኣብ ከርሳ ሓቚፋ ንረኽባ። ልክዕ ከም ትምኒታ ድማ፣ እቲ ኣይክመውትን ‘ዩ ዝተባህለ ጽሑፍ፣ ልክዕ ድሕሪ 27 ዓመታት ህያውነቱን ግብራውነቱን ንኸመስክር ነቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ናይ ልምዓት ተበግሶን ድሕሪ ናጽነት ዝተደየበ ብራኸን ንኸተኣሳስር በቒዑ ‘ሎ ሞ ንኣዳለውቲ ናይ ‘ቲ እዋን መጽሄት ሓርበኛ መጎስ ይብጸሓዮም ምባል ግቡእ ኢዩ። ንዕምቆት ናይ ‘ቲ ዝነቐልናሉ ለጠቕታ ንምፍላጥን በቲ ሓደ ወገን፣ ንህልው ኩለንተናዊ ማሕበራዊ ለውጢ ንምግምጋምን እምበኣርከስ፣ እቲ ጽሑፍ ብኽመዚ ዝስዕብ ተጸሚቑ ክቐርብ ይከኣል።

መጽሔት ሓረበኛ፣ ኣብ’ቲ መሪር እዋን ናይ ዛዛሚ ውግእ፣ ነቲ ብህዝባዊ ግንባር ዝተዓመመን፣ ክዕመም ዝድለን  ናይ ህንጸትን ምዕባለን ዕዮ-ገዛታት ኣመልኪታ እዚ ቀጺሉ ዝዝርዘር ጽሑፍ ኣብ ዓምድታታ ኣስፊራ ንረኽባ።

‘መስመር ዕጥቅን ስንቅን፣ ከም ኣገዳሲ መትኒ ኣብ ሓደ ተቓላስይ ውድብ ናይ ሞትን ህይወትን ኣበርክቶ ኣለዎ። ወሳንነቱ ‘ውን ካብ ናይ ኣግማል ናብ መካይን ኣብ ዝተሰጋገረሉ ንህዝባዊ ግንባርን ንጸላእን ብማዕረ ይጸሉ ነበረ። ምኽንያቱ፣ ክንዲ ‘ዚ ዝኣክል እስትራተጂካዊ ኣድማዕነት ዝነበሮ ጉዳይ ንህ.ግ ጥራይ ዘይኮነ ንጸላኢ ‘ውን ብኣሉታዊ መዳይ የገድስ ነበረ። ንሱ ክዓጽውን ከዓንቕፎን ህ.ግ ድማ ክትከፍቶን ብዙሕ ርብርብ ኢዩ ዝካየድ ዝነበረ።

ነዚ ድሕነትን ስሉጥነትን ‘ዚ ንምርግጋጽ ኣብ ስራሕ ጽርግያታትን መጓዓዝያን ዝተገብረ ጻዕርን ውጺኢቱን ብዘይ ጥርጥር ሓደ ኣገዳሲ ምዕራፍ ናይ ታሪኽና የቕውም። ብዘየካኡ ታሪኽ ህ.ግ ክውን ክኸውን ኣይክእልን ‘ዩ እንተተባህለ ‘ውን ምግናን ኣይኮነን። ንባዕሎም ‘ቶም ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዝተሰርሑ ጽርግያታት ብዘይቃላት ታሪኾም ዝገልጹ ነባራት ሓወልቲ ኮይኖም ኣለዉ።

ነዚ ሓወልቲ ‘ዚ ኣብ ምትካል ዝተሳተፉ ተጋደልቲ ኣዝዮም ብዙሓት ኢዮም። “እታ ቀዳመየቲ ጽርግያ” ይብል ሃብተልዑል ገብረመድህን(ናይ 1991 ቃለ መሕትት) ሓደ ካብ መስረትቲ መሃንድሳት ጨንፈር ህንጻ፣ “እታ ቀዳመይቲ ጽርግያ ኣብ ግንቦት 1975 ኢያ ተጸሪጋ። ሽዑ ጨንፈር ህንጻ ዛጊት ኣይቆመን ዝነበረ። ሓደስቲ ሓንቲ መርሰድስን ሓንቲ ትራክተርን ኣብ ከባቢ እምበረሚ ዝተሰልባ ቀጣን ስለዝበጽሓ፣ ናብ’ቲ ሽዑ ቀንዲ መደበር ህ.ሓ ዝነበረ ብሌቓት ንምእታወን መንገዲ ክጽረገለን ግድነት ኮነ።

እቲ ጽርግያ ካብ ቀጣን ብጎላጉል እግሪ ጎቦ ሒዙ ንወደጋን ሩባ ውጋን ተኸቲሉ ንፋሕን ብሌቓትን ዝኣቱ ‘ዩ ዝነበረ። እዚ ብተዓለምቲ ዝተበገሰ ስራሕ፣ እቲ እንኮ መሳርሒ ባዴላን ኣፍራዛን ‘ውን ከምዘይነበረ፣ ዕንጨይቲ ከም መለኪኖ እንዳተጠቐምካ ነቲ ዝዓሞቐ ብእምኒ ብምምላእ ነቲ ዝበረኸ ድማ ብጉልበት ብምምድማድ ኢዩ ተዛዚሙ” ክብል ይገልጽ ብጻይ ሃብተ። ንመጀመርታ ግዜ ብሎሪታት(ቤድ-ፍርድ) ሱዳን ስንቂ ንምእታው፣ ድሕሪ ወርሒ ዝሰዓበ መስመር ብሌቓት-ጉሬቶ ዝያዳኡ ጽርግያ ዘብል ረቛሒ ነበሮ። እቲ ቀንዲ ስራሕ፣ ዓቐብ ጉሬቶ ምህንዳስን ምህናጽን ነይሩ። ኣብ’ዚ ስራሕ ‘ዚ ኣብ መንጎ ሽሕ ተዓለምቲ ውሑድ ኣፍራዛን ባዴላን፣ ሓንቲ ማሳን ክልተ መጻራረቢ ምሳራትን ጥራይ ነበራ። ብሳላ ዘይምለኽ ባህሪ ተጋደልቲ ድማ ዓቐብ ጉሬቶ ኣብ ኣርባዕተ ማዕልቲ ተወደአ።

ኣቐዲሙ ከምዝተገልጸ፣ ኣብ ጉሬቶ ሓደ ሽሕ ጉልበት ሰብ ‘ዩ ተዋፊሩ። ብናይ ሽዑ ዓቕሚ ንክንድ ‘ዚ ዓቕሚ ዝኸውን ብመጸዓኛ ከትዕግቦ ስለዘይትኽእል፣ ዝኣክል ማይን መግብን ኣይነበረን። ብፍላይ ጽምኢ ማይ ብርቱዕ ነይሩ። ሓደ ሰብ ኣብ ማዓልቲ ሓንቲ ኩባያ ማይ ጥራይ ‘ያ ትፈቀደሉ። ከም ምርጨኡ ወይ ብማይ ወይ ብሻሂ ይሰትያ። ኩነታት መግቢ ‘ውን ከሙኡ ማለት ‘ዩ። ብኽቱር ጥሜት ፍረ-መቒዕ በሊዖም ዝሓመሙን ክሳብ መስዋእቲ ዝበጽሑን ብጾት ነይሮም።

ዓመተ 75 እንዳገስገሰት ብዝኸደት ኣጋባብ መጓዓዝያ ውድብ እንዳዛየደ ብዝኸይድ ደረጃ ካብ ኣግማል ናብ መካይን እንዳዘምበለ መጸ። ኣግማል ኣብ’ቲ ብቐሊሉ ጽርግያ ክትገብረሉ ዘይትኽእል ቦታታት ጥራይ ተወሰና። ስለዚ ሓድሽ ኣገልግሎታዊ ኣወዳድባን ኣቃውማን ብዘገደዶ መሰረት፣ እዚ ለውጢ ኣብ ሓምለ 1975 ኣካላት ህንጻን መጓዓዝያን ከም ጨንፈር ክፍሊ ቁጠባ ንኽምስረት ደረኸ።

እቲ ካብ 6 ዘይበዝሑ ኪኢላታት ሒዙ ዝተበገሰ ኣካል ህንጻ ካብ ዘበግሶም ስረሓት ድማ፣ ብሌቓትን ፋሕን( ናይ’ቲ ግዜ ቀንዲ መበገሲ ህዝባዊ ሓይልታት) ምስ ወሰናስን ንጥፈት ብጽርግያ ምርኻብ፡ ካብ ቃሩራ ብመብኣን ማህሚመትን ኣቢሉ ንመደበር ዘኣቱ መጋቢ መስመር ምጽፋፍ፡ ካብ ብሌቓት ብደብዓትን ዓገትን ገይሩ ንፈልከት፡ ካቡኡ ‘ውን ክሳብ ኣዝሃራ ሓድሽ መስመር ምጽራግ፡ ከሙኡ ‘ውን ዝያዳ ኣገዳስነት ዝነበሮ ድሓር ጽርጋያ ሓርነት ዝተጠመቐ፣ ንሳሕልን ሰ/ባሕርን ዝራኽብ መስመር ምኽፋት ነበረ።

መስመር ብሌቓት ኣዝሃራ፣ በቲ ናይ ሽዑ መምዘኒ ነዊሕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ እቲ ናይ ዓገት ክፋሉ ዝኸበደ ነበረ። “ከባቢ ዓገት” ይብል ብጻይ የውሃንስ ጸጋይ(ሩሉ) ሓደ ካብ ገዳይም መሃንድሳት ኣካል ህንጻ፣” ብዓበይቲ ደንጓላ ተጠዊኻ ዘይትሓልፎን ጸቢብን ብምንባሩ፣ ዘዓበየ ስራሕ ተኻይድሉ” ይብል። ዝርካቡ ኣፍራዛን ባዴላን ማሳታትን ምስ ሰለስተ ሓይልታት ዝኸውን ጉልበት ኣዝዩ ስለዝወሓደ፣ “ኣብ ሓንቲ መሳርሒ ዓሰርተ ሰባት ይስርዑ” ይብል ብጻይ የውሃንስ። “መብዛሕተኡ ሰብ ብኣእዳዉ ፋሕተርተር ይብል”። እታ ዝለዓለት ሓዳስ መሳርሒት፣ ከቢድ እምኒ ንምንክርራው እትሕግዝ ቢንዳ ጥራይ ነበረት። ከይንከራሮ ኣዝዩ ከቢድ፣ ብማሳ ከይስበር ድማ ኣዝዩ ተሪር ዝኾነ እምኒ፣ ብጣዕሚ የሽግር ነበረ። እንተኾነ ይበላሓቱ። ነቲ ምስጋር ዝኣበዮም እምኒ ዓርሞ ኣጉዶም የርስንዎ ‘ሞ፣ ዝሑል ማይ የፍስስሉ። ምስ ነቐዐ ድማ ብማሳ ሰይሮም ይበታትንዎ። ከም’ዚ ‘ሉ ከኣ መስመር ዓገት ፈልከት፣ ትርጉም ብዘለዎ መሳርሒ ከይተደገፈ ብኽቱር ረሃጽ ሰብ ጥራይ ተኸፍተ።

እዚ መስመር ‘ዚ እንዳተሰርሐ እንከሎ፣ ካብ ማህሚመት ክሳብ ዒን ‘ኣስታት 300ኪ.ሜ’ ዝዝርጋሕ ጽርግያ ሓርነት ድሮ ተጀሚሩ ነበረ። እዚ ምስ ከበሳ ዘራኽብ ነዊሕን ኣገዳስን መትኒ ምስ ዝነበረ ናይ መሳርሒታት ሕጽረት ብዝወሓደ ጉልበት ‘ዩ ተቓኒዑ። ኣብ’ዚ መስመር ‘ዚ ገረብ እንዳቖረጽካ ምእላይ ሓደ ካብ ዓይነታዊ ስረሓት ነበረ። እንተኾነ ብሰንኪ ዋሕዲ ፋሳት፣ ነቲ ዝሰሓወ ክመርጹ ክብሉ፣ ኣብ ለጥ ዝበለ ጎልጎል ዘየድሊ ምጥውዋይ ይገብሩ ከምዝነበሩ ማሃንዳስትና ይትርኹ። ኮይኑ ግና፣ “ጽርግያ ሓርነት” ቅድሚ ምውዳእ መስመር ፈልከት-ኣዝሃራ ኣብ ኣገልግሎት ወዓለ።

                            

ስራሕ ኣብ መስመር ፈልከት-ኣዝሃራ እንዳቐጸለ እንከሎ፣ ኣብ ፍርቂ 76 ይኸውን ተዓለምቲ ካብ ስራሕ ተሳሕቡ። ሽዑ ናቕፋ ኣብ ከበባ ኣትያ፣ ጸላኢ ኣብ ናሮ ብሄለክፖተራት ወሪዱ ንኸበባ ናቕፋ ክብንጥስ ዝፍትነሉ ዝነበረ እዋን ‘’ዩ ነይሩ። ስለዚ ቦጠለኒ ሓደ ካብ ከበሳ ብኣዝሃራ ንናሮ ከተርክብ ይድለ ስለዝነበረ፣ እቲ ስራሕ ‘ብመዓልቲ ብብርሃን ጸሓይ፣ ብለይቲ ድማ ብብርሃን ናይ ‘ቲ ኣብ ደንደስ ጽርግያ ዝእጎድ ሓዊ እንዳተደገፈ ብሳላ ሓያል ተወፋይነት ቦጦለኒ ሓደ ኣብ ግዜኣ ኣብ ውግእ ናሮ ከተርክብ በቐዐት።

እንተኮነ ግና እቲ ዝከበደ ስራሕ ጽርግያ ኣብ ምዝላቕን ድሕሪኡን ኢዩ ተኻይዱ። ኣብ ሓምለ 1978 ምዝላቕ ምስ ጀመረ፣ ጨ/ህንጻ ቅድሚ ‘ቲ ዘዝልቕ ዝነበረ ንብረትን ህዝብን እንዳኸደ መስመራት ክኸፍትን ክዕርን ገዚፍ ሓላፍነት ነይርዎ። ኣብቲ ግዜ ‘ቲ ድማ ጽርግያታት ዓገት፡ ቀብሪኣወትን ሓመድ ዲበላይን ወንን ድሌትን ብዘመሎኦ ኣጋባብ ኣብ ሓጺር እዋን ተጸጊኑ። ኣብ ግዜ ምዝላቕ፣ ካብ 3ይ ወራር ክሳብ 5ይ ወራር ምስ ወተሃደራዊ ህላወን ውድባዊ ድሕነትን ዝተኣሳሰር ሚዛን ዘሎዎ ሓደስቲ ጽርግያታት ‘ብደሆ’፡ ንዓንበርበን ሓሊበትን ዘራኽብ፡ ‘ኣይንምብርከኽን’፣ ካብ ኣራግ ብጥሩቕሩቕ ምስ ሱዳን ዘራኽብ መስመር፡ ከሙኡ ‘ውን ክሳድ ሕሽክብ ኢዮም።

ለይቲ ኣብ ኮምፕረስረ፣ ማዓልቲ ኣብ ኩዕታ ምስ ምሩዃትን ኩለላን፡ ምስኡ ድማ ኣካዳምውያዊ ትምህርትን ፖሎቲካዊ ጎስጓስን፡ ነፍሲ ወከፍ ተጋዳላይ ኣብ ስራሕ ምስ ተጸምደ ኢዩ። ድቃስ ዝበሃል ኣይነበረን። ሕሙም ‘ውን ክተርፍ ኣይደልን። “ሓሚሙ ዝደኸመ ሰብ ግድን ኮምፐርሰሪ ከብሪ ተዋጢጡ ክንዲ ነቲ ጉድጓድ ዘንቀሳቕስ፣ ባዕሉ ብሓይሊ ኮምፕረሰር ክደፍእ ክትርኢ ብሓቂ ዘደንቕ ‘ዩ” ይብል የውሃንስ ጸጋይ። “ኣይንምብርከኽን” ኣብ ዝተኽፈተሉ፣ ኣብ 4ይ ወራር ናይ ሓይሊ ምድሪ ኣዛዚ፣ “ናይ ቀረብ መስመሮም ዓጺናዮ” ኢሉ ክጀሃር እንከሎ፣ ናይ ሓይሊ ኣየር ካላኣዩ፣ “ኣበየ ‘ሎኻ! ‘ ካልእ ኣውራ ጎደና” ምባሉ፣ ንጸላኢ መርድእ ነቶም ገበርቲ ቅያን ከፈትቲ በሪ ድማ ሓበንን ኩርዓትን ኢዩ ነይሩ።

ብዛዕባ እቶም መግቦም ክሳብ ‘ቲ ጽርግያ ዝበጽሕ ርእሲ ጥሩቕሩቕ ብመኪና ዝመጽእ ዝነበረ ቆልዑ ቤ/ት ሰውራ፣ ካብኡ ግና 200 ቆልዑ ካብ ሓው ወልዕ 15 ኪ.ሜ ጎልጎልን ዓቐበትን ፈሊሒትን ተጓዒዞም መዓልታዊ መግቦም ተጻዒሮም ዘጓዓዓዙ ዝነበሩ ‘ሞ ነዚ ንምፍታሕ፣ ነቲ ሽግር ትፈትሕ ትራክተር በቲ ቁልቁል ምውራድን ትራክተር ድማ ምስ ‘ዚ ኩሉ ክብደታ ብተኣምራት ካብ ርእሲ ጥሩቕሩቕ ናብ ፈሊሒት ንኽትወረድ ምብቃዕን ምዝካርን እቲ ዝዓበየ ጅግንነት ኢዩ ነይሩ።

ብፍላይ ብዛዕባ እቲ ኣስታት 37 ኣንጎሎታት እንዳተጣዋውየ 600 ሜትሮ ብራኸ ዝድይብ ጽርጋያ ብድሆ ኣብ እትዕዘበሉ፣ ካብኡ ‘ስ ይትረፍ ሓደ ናይ ጸላኢ ፓይሎት ‘ውን መጀመርታ ምስ ረኣዮ ፣ “ሎምስ ሰማይ ክድይቡ ደልዮም” ምባሉ ንኣደናቕነት ናይ ‘ቲ ስራሕ ይገልጽ። ኤርትራዊ በዚ ህያው ሓወልቲ ‘ዚ ክኾርዕ መሰል ኣለዎ።

ቅድሚ ምቕልቃል መካይን ናብ ሜዳ ኤርትራ ኣብ ‘ቲ ኣብ ዝወዓልካዮ ዘየትሓድረሉ ናይ ደባይ እዋን መካይንን ጽርግያታትን ኣብ ሓንጎል ተጋደልቲ ናይ ርሑቕ ሕልሚ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ነቲ ካብ ማይ ኣዋልድ ክሳብ ቃሩራ ዘሎ ለጥ ዝበለ መወዳእታ ዘይብሉ ጎልጎል፣ በጸዋውዓ ተጋደልቲ “መንገዲ ሰማእታት” ብመኪና ከይድዎ ክርኢ ዘይምነ ተጋዳላይ ኣይነበረን።  ካብ ‘ቲ ግዜ ‘ቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ጎደና ምዕባለ ነዊሕ ተጓዒዝና ኣሎና። ኤርትራ ብጽርግያታት ተሓሪሳ፣ ኩሉ ኩርነዓታ መካይን ኣትየነኦ። ጽባሕ ‘ውን ሰማያታ ብነፈርቲ ክሕረስ ‘ዩ። ነዚ ዘብቀዐ ተጋዳላይ ሞጎስ ይኹኖ!’ ብዝብል ሓሳብ መጽሄት ሓርበኛ ትሕዝቶኣ ትዛዝም።

ቃላት መጽሔት ሓርበኛ ትንቢታውያን ኮይኖም፣ ነቲ ዝነበረ መበግሲ ይገልጹ። ገስጋሶም ብዝግባእ ዝገምገምናሉን ዝተገንዘብናሉን እምበኣርከስ፣ ምስ መሳርሕትና ናብ ምሉእ ኤርትራ ዑደት ኣብ ዝገበርናሉ ኣጋጣሚ ኢዩ። እቲ ጉዕዞ ዕለት 21 ታሕሳስ ኢዩ ካብ ኣስመራ ፈሊሙ። መሬት ብጸልማቱ ዝተተለመ ጉዕዞ፣ ኣብ ልቢ ዝኾነ ይኹን ተሳፋራይ (ንወደብቲ ጉዕዞ ገዲፍካ ማለት ‘ዪ) ናበይ ምዃኑ እንዶ ዝነበሮ ተጓዓዛይ ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። እንተኾነ ግና እቲ ብቓላት ዘየተደምጸ ግን ከኣ ብውሽጣዊ መንፈሳዊ ህንጡይነት ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ዘንከባልል ዝነበረ መዝሙር ‘መንገዲ ዓድና ሰደና ሰደና’ ዝብል ነበረ።

ጉዕዞ ብዝተጀመረ፣ ብሰንኪ ዛሕሊ ከርዚዙ ዝነበረ ኣካላትና እንዳሞቐ ከደ ‘ሞ ንነብስና ኣብ ጥውይዋይ ጽርግያ ኣስመራ-ባጽዕ ረኸብናያ። መሬት እንዳበረሀ ብዝኸደ፣ ሕንባበ ኣውተቡሳትና ድማ እንዳዛየደ ይኸይድ ነበረ ‘ሞ ኣብ መወዳእታ ምስ ጸሓይ ኣብ ከተማ ጊንዳዕ ‘ሓደርኪ፣ ሓደርኩም’ ተባሃህልና። ጉዕዞ ሕጂ ‘ውን ንባህርያውን ሰብ ሰርሖን ጸጋታት ምብራቓዊ ጎላጉል እንዳኣስተማቐረ ንጋሕቴላይ ሰንጢቑ፣ ንወደብ ምጽዋዕ ንምብራቕ ወጊኑ ብመስመር ባጽዕ ገልዓሎ ምሕንባብ ኮነ። ብድሕሪ ‘ዚ ፎሮ፡ ገልዓሎ፡ ጢዖ፡ ዕዲ፡ በይሉልን ዓሰብን ጠሓሒሱ ብጸጋሙ ብሃፈጽታ ባሕሪ እንዳተጸፍዐ ብየማኑ ድማ ብቓላት ክትገልጾ ዝኸብድ ትንግርታዊ ቅርጺ መሬት እንዳኣስተማቐረ ኣብ ካላኣይ ዕለቱ ኣብ ሪሓይታ ዘፍ በለ።

ዕላማ ናይ ‘ቲ ዑደት ምስ ማሕበራውን ጂኦግራፋውን ክውንነት ኤርትራ ሃገርና ንምልላይ ዝወጠነ ነበረ። ዑደትና እምበኣር፣ ኣብ 3ይ ዕለቱ ካብ ሪሓይታ ናብ ባጽዕ ቀጸለ ‘ሞ ድሕሪ ናይ ክልተ ለይቲ ሕድሮት ኣብ ገርግሱም ሆቴልን  ምዕዛብ ልምዓታዊ ዕዮታት ኣብ ነጻ-ዞባን ንመስመር ጋሕቴላይ ሽዕብ ተኸቲሉ ብጸጋሙ በረኽቲ ውቁባት ኣኽራናት ሰሜናዊ ባሕሪ ብየማኑ ድማ ሰፋሕቲ ልሙዓት ጎላጉል እንዳኣስተማቐረ፣ ብኸተማ ኣፍዓበት ቀጺሉ ድማ ብመስመር ሩባ ሕዳይ ምስ ‘እንቛዕ ብደሓን መጻእኩም ናብ ቦታ ጽንዓት’ ዝብል ታቤላ ኣራጸመና ‘ሞ ናቕፋ ምብጻሕና ተሰወጠና። ምስ ቀዝሒ ናቕፋ ክንተሃላለኽ ድሕሪ ምሕዳር፣ ኣብ 5ይ ማዓልቱ ጉዕዞና ብመስመር ኣፍዓበት ንከተማ ከረን ሰንጢቑ  ኣብ 6ይ ማዓልቱ ናብ ጎላጉል ባርካ ቀጸለ።

ናይ ጋሽ ባርካ ዑደትና፣ ናብ ልምዓታዊ ማእከላት ናይ ‘ቲ ዞባ ብምውጣን ብዲጋ  ከርከበት ፈሊሙ ናብ ሳዋ ቀጸለ ‘ሞ ኣብ 7ይ ማዓልቱ ብመስመር ተሰነይ-ጎልጅ ናብ ከተማ ኦምሓጅር፣ ካብ ከተማ ኦምሓጅር ድማ ንገርሰትን ፋንኮን ለኻኺሙ ድሕሪ ሓጺር ዕረፍቲ ኣብ ማዕስከር ኮር መናዕ ኣብ 8ይ ማዓልቱ ኣብ ከረን ዘፍ በለ። ኣብ መወዳእታኡ ድማ ዑደትና ኣብ መበል 9ይ ማዓልቱ ድሕሪ ምብጻሕ ናብ ልምዓታዊ ማእከላት ዲጋ ምስላምን ገርገራን ኣብ ከተማ ኣስመራ ብዓወት ተዛዘመ።

እቲ ብኸምቲ ኣብ ቁ.6 ሕታም መጽሄት ሓርበኛ ዝገለጸቶ ብድሆ ዝተሃንጸ መገዲ ዓድና እምበኣር ናብ ‘ዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ቦታታት ንምብጻሕ ኣብቀዓና።

እሞ ‘ኸ ደኣ ነቲ ናብ ‘ዚ ኩሉ ቦታ ብጽፈት ዘገሸና መገዲ ዓድና ውዕለቱ ክንግልጸሉ ሓላፍነትና ምዃኑ ብምግንዛብ፣ እንታይ ከምዝገበረልና ብኸምዚ ዝስዕብ ብቐደም ተኸተል ንምግላጽ ተፈቲኑ ‘ሎ። ብመጀመርታ መንገዲ ዓድና ምስ ‘ቲ ኣብ ሓደ ሰዓት ሰለስተ ወቕትታት እተስተማቐረሉ ኩነታት ኣየር ሃገርና ብምልላይ ምስ ጎላጉልና፡ ጎቦታትና፡ ሩባታትና፡ ኣትክልትና፡ እንስሳታትና፡ ባሕርናን ደሴታትናን ባህርያውያን ፍጡራቶምን ‘ዩ ኣራኺቡና።  ብፍላይ ግርማዊ ጽባቐ ናይቶም ሓንሳብ ምስ ተገተሩ ድንን ዘይናቶም ኣኻራናትናን ዕጉስ ባሕርናን ከኣ ‘ሞ ሓለፋ ነይርዎም። ጎቦታትና ኩርዓት ይምህሩ፣ የነይቱኻ ድማ። እረ ሓንሳብ ‘ሲ ኣብየ ክፋል ሃገርና ተገቱሮም ንሰማያት ክመጣጠሩ ክትዕዘቦም እንከለኻ፣ ንሶም እቶም ነቲ ጽኑዕ ኤርትራዊ መንፈስ ዝመልመሉ ኣማላኽቲ ‘ዮም ናብ ዝብል መደምደምታ ይወስዱኻ። እቲ ምንታይ፣ እቲ ንኽትድይቦምን ክትወርዶምን ዝፈጥሩልካ ኣካላዊ ጥናከረ፣ እቲ ኣብ ነብስኻ ንኽትኣምንን ክሳድካ ብዝኾነ ይኹን ብድሆ ከይተሸልበበ ትኽ ንከተብልን ብነብስኻ ክትኮርዕን ‘ሲ ካብ ኣኻራናትና ኢና ወሪስናዮ ‘መስለኒ። እዚ እቲ ስንጭሮታት ፈጢሮም ዓበይቲ ከዘንቲ ማያት ንምስራሕ ምብቃዕ፡ ብዝባኖም ዘበርክቱልና ዘለዉ መጋሃጫዊ ጸጋን ካብ ከርሶም ዘፈልፍሉልና ዘለዉ ማዕድናዊ ሃብትን ከይነኣኣስካ ማለት ‘ዩ።

መገዲ ዓድና ናብ ገማግም ባሕርና ጥራይ ዘይኮነ፣ ናብ ውሽጢ ባሕርና ‘ውን ኣዛዊሩና ‘ዩ። እታ ካብ ማዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ማለት ገደም ዝነቐለት ዓባይ መርከብ፣ ምስ ‘ቲ ህዱእ ባሕርና ድሕሪ ምልላይ፣ ምስቶም ጎኒ ጎኒ መርከብና ‘እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም’ እንዳበሉ ዝነጥሩ ዝነበሩ ዓሳታትና እንዳኣዛናግዐት ምስ ‘ቲ ሓያል፣ ዓቃል፣ ሃብታምን ንጹህን ባሕርና ኣላለየትናን ገለ ካብዘን ባህርያት ንኽንርወስ ‘ውን ምዒዳትና ‘ያ።

ቀጺልና ብሳላ መገዲ ዓድና ናብ ‘ቲ ብሉጽ ታሪኽና ኢና ዑደት ኣካይድና። ኤርትራ ብምልእታ ምድረ ታሪኽ ኢያ። ሰባ ታሪኽ ኣለዎ፣ ኣብ ሕቑፋ ዘለዉ ጎቦታት፣ ጎላጉል፣ ባሕሪ፣ ኣትክልትን እንስሳታትን እንተኾኑ ‘ውን ኣካል ‘ዚ ታሪኽ ኢዮም። ደም ሰማእት ዘይነጠቦ መሬት ኤርትራ፣ ብጥይት ዘየተተንከፈ ተኽሊ፣ ብቶኽሲ ዘይተሸደደ ዘቤታዊ ይኹን ዘገዳማዊ እንስሳ ከቶ ንምርካብ ዝከኣል ኣይኮነን።

ኩሉ ኣገዳሲ ‘ኳ እንተኾነ፣ ናይ ናቕፋ ግና ሓለፋ ኣለዎ። ክሳድ መስሓሊት ሓሊፍና፣ ዓዲ ሽሩም ተሳጊርና ብሓራስ ሓርማዝ፣ ሩባ ሕዳይ፣ ታባ መርከብና ንእምባ ደንደን ጸበሉ ለሓስና። ኣብ ጎኑ ብምዃን ድማ ታሪኹ ብውዕሎተኛታቱ ተዘንተወልና። ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ብምዃን ብወገን ምብራቕና ንታባ ኢትሓልብብ፣ ጎልጎል ናሮ፡ ብወገን ሰሜን ንታባ ሰማእታት፣ ታባ ውፉያት፡ ኣርወ ኣንደብ፡ ሳልፈር፡ ታባ ብራውንን ኣፖሎን፡ ብወገን ደቡብና ንፊደል ፐ፡ ግሎፕ፡ ደንደን፡ ቴስታ፡ ቤት ሕመድን ስዋራን ብወገን ምዕራብና ድማ ንከተማ ናቕፋ፡ ሩባ ጻብራ፡ እምባልቆን ሩባ ምዖን ኣማዕዲና ረኣናዮም ‘ሞ ፍናን ተሰማዓና።

እቶም ኣብ’ታ ንሓንቲ ለይቲ ንኽንሓድራ ዘብረደትና ከተማ ምስ ጥሙይ ከብዶምን ዕሩቕ ዝባኖምን ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝመከቱ ሓርበኛታትና ድማ ብጽንዓቶም ተደነቕና። ጅግንነት ‘ሲ ተላጋቢ ስሚዒት ‘ዩ ይብሉ ጸሓፍቲ። እቲ ጀጋኑ ዘስተንፈስዎ ኣየር ስለዘስተንፈስና፣ እቲ ጀጋኑ ዝረገጽዎ መሬት ስለዝረገጽና ድማ ኣካል ናይ ‘ቲ ጅግንነት ጀጋኑንና ከምዝኾንና ተፈለጠና ‘ሞ ፍናን ተሰማዓና።

ብሳልሳይ ደረጃ፣ መገዲ ዓድና እቲ ንባዕሉ ትንግርታዊ ዕዮ ዝገበርልና ዘዓበየ ኣበርክቶ እንተሎ፣ በቲ ሓደ ወገኑ ናብ ማሕበረ-ባህላዊ ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ በቲ ካልእ መዳይ ድማ ናብ’ቲ ብህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንባህሪ ንምንብርካኽ ዝካየድ ዘሎ ሰፋሕቲ ልምዓታዊ ዕዮታት ንኽንገይሽ ምብቅዑ ‘ዩ። ነቲ ብዘመናውነት ከየተበረዘ ዝግስግስ ዘሎ ባሃላዊ ስልጣነ ብሄረ ዓፋር ክትዕዘብ፡ ህዝቢ ዋና ጉዳያቱ ኮይኑ ካብን ናብን ክሸላበብ እንክትርኢ፣ ዘመናውያን ማሽነሪታት ኣበየ ክፋል ሃገር ከከም’ታ ዕላመአን ‘እወ ንልምዓት’ ከድምጻ ክትሰምዕ፣ ራሕቂ ቦታ ዘይድርቶ ጋድማዊ ዝርግሐ ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ መላእ ሃገር ኣጉላዕሊዑ ክትርኢ ካብ’ቲ ኣደናቒ ተርእዮ ምዃኑ ምዝኽኻር ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ኢዩ።  

ገለ ካብ’ቲ ብፉሉይ ዝጥቀስ ልምዓታዊ ዕዮታት ንምጥቃስ እምበኣር፣ ዲጋ ጋሕቴላይ ንምስራሕ ዝካየድ ዘሎ ኩለንተናዊ ተወፋይነት፣ ኣብ ባጽዕ ኣብ ነጻ-ዞባ ተበጋጊሱ ዘሎ ኢንዳስትርያዊ ዕዮታት፡ ኣብ ከም በዓል ከርከበት፣ ገረሰት፣ ዲጋ ምስላምን ገርገራን ናብ ፍረ ተቓሪቡ ዘሎ ናይ ኣፍራይነት ንጥፈትን ካለኦትን ካብቶም ተጠቀስቲ ገስጋስ ምዃኑ ‘ዩ። እቲ ዘዓበየ ኣወንታዊ ጎድኒ ናይ ‘ዞም ልምዓታውያን ዕዮታት ድማ ምሉእ ብምሉእ ብመንእሰያት ተቐሊሶም ክንቀሳቐሱ ክትዕዘብ እንከለኻ፣ ሓደ ኣብነት ናይ ‘ቲ መንእሰያት ብግብሪ ብስራሕ ከምዝወረሱ ዘእንፍት ሃዋህው ስለዝኾነ ልብኻ ይቐስነልካ።

                                                                                          ኣማኑኤል ዘካርያስ

667 total views, 1 views today

(Visited 89 times, 1 visits today)

Eri-Youth

The owner of this website is the Eritrean union of youth and students.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *