ህንጥዩነት ንምምሃዝን ምስናዕን፡ ከም ሃገራዊ ክብሪ!

ክብሪ ዝብል ኣምር ቃል ብቓሉ ክንትርጉሞ ከለና፡ ንመንነትን እንታይነትን ናይ ሓደ ነገር ዝገልጽ ኣምር ምዃኑ ክንርድኦ ይከኣል እዩ። ሃገራዊ ክብሪ ክንብል ከለና ድማ ናይ ሓንቲ ሃገር ልእላዊ ናጽነታን እንታይነታን ንምህናጽን ንምዕቃብን እትጥቀመሉ መስርሕ እዩ ክንብሎ`ውን ይከኣል እዩ። ብሓፈሻ ክብሪ ንደረጃ ኣተሓሳስባን ፍልስፍናን ሃገራት ዝጸሉን ዝገልጽን ኣምር እዩ ተበልና ዝያዳ ዝገልጾ ይመስለኒ።

ዝተፈላለያ ሃገራት ነናተን ናተይ ዝብልኦ ሃገራዊ ክብርታት ኣለወን። እዚ ሃገራዊ ክብረን ብብዙሕ ጻዕርን ብዙሕ ዋጋን ዝተሃንጸ ክኸውን ዘለዎ ተኽእሎ ድማ ዝዓበየ እዩ። ሃገራዊ ክብሪ ናይ ሃገራት ኣብ ርእሲ`ቲ ክህልዎ ዝኽእል ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ፍሉይነት ናይ ሃገራት ዝገልጽን ስእሊ ዝህብን ብምዃኑ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝያዳ ስእሊ ዝወሃቦ ኣምር እዩ።

ሃገራት ንሃገራዊ ክብረን ብዝለዓለን ብዝበለጸን ክከላኸላሉን ክስወኣሉን ክረኣያ ባህርያዊ እዩ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ሃገራዊ ክብረን ብቐጥታ ምስ ሃገራዊ ህላውነት ዝተኣሳሰር ስለ ዝኾነ’ዩ። መብዛሕትኦም እቶም ንሓንቲ ሃገር ክወሩ ዝሓስቡ ኣካላት ድማ ነዚ ሃገራዊ ክብሪ ናይታ ሃገር እዮም ከጥቕዑ ዝፍትኑ። ምኽንያቱ ሃገራዊ ክብሪ ናይ ሓንቲ ሃገር ምትንካፍ ማለት ንህላውነታ ኣብ ምልክት ሕቶ ምእታው ማለት ስለ ዝኾነ።

ሓደ ከም ሃገራዊ ክብሪ ዝሕሰብ ስነ-ሓሳብ ይኹን ኣምር ኣብ መጀመርያ ከም ተራ ነገር ክብገስ ይከኣል እዩ። ብውልቀ ሰባት እዉን ይጅመር እዩ። ድሓር ምስ ግዜ ኣገዳስነቱ እና ዓዘዘ ብዝኸደ ግና ብሃገር ደረጃ ዝጥመትን ዝስርሓሉን ክኸውን ይኽእል። ሓደ ከም ሃገራዊ ክብሪ ክርአ ዝጸንሐ ኣምር ምስ ግዜ ኣገዳስነቱ ክዓዝዝን ክደክምን ባህርያዊ እዩ። እዚ ማለት ድማ እቲ ኣቐዲሙ ዝተሰረተ ሃገራዊ ክብሪ ንዝተወሰነ እዋን ዘገልግል ስነ-ሓሳብ ክኸውን ስለዝኽእል።

ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ነናተን ናተይ ዝብልኦ ሃገራዊ ክብርታት ነይርወን እዩ፡ ሕጂ ተኾነ እውን ኣለወን። ከም ኣብነት ሃገረ እስራኤል እንተወሲድና ብዘይካ እቲ ምስ ሃይማኖት ዝተኣሳሰር ሃገራዊ ክብርታቶም ኣብ ቴክኖሎጂ ዘለዎም ኣጠማምታን ዝገብርዎ ወፍርን ከም ሃገራዊ ክብሪ ከም ዝጥምትዎ ንምርድኡ ኣየጸግምን እዩ። ካልኦት ከም በዓል ቻይና፡ ሩስያ ኣምሪካን ካልኦትን ዘለዎም ሃገራዊ ክብርታት`ውን ክንጠቅስ ይከኣል እዩ። እዘን ዝጠቐስክወን ሓያላን ሃገራት እቲ ከም ሃገራዊ ክብርታተን ዝጥምትኦ ስነ-ሓሳብ ካብቶም ሓያላት ንኽኾና ዘብቅዐን ዓበይቲ ነጥብታት ብቐዳማይ ደረጃ ዝጥቀስ ምዃኑ ከነስተብህል ይግባእ።

ሃገራት ከም ሃገራዊ ክብሪ ዝጥምትኦ ኣምር ኣዕናዊ ክኸውን`ውን ተኽእሎ ኣለዎ። ንኣብነት ስርዓት ናዚ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተኸተሎ ስነ-ሓሳብ ማለት ዝነበሮ ናይ ሃገራዊ ክብሪ(ብዘይካ ንሕና ካልእ ጽሩይ ዓሌት የለን ብዝብል መርገጺ ኣብ ልዕሊ ናይ ኣይሁድ ዓሌት ዝነበሮም ዜጋታት ዝተኸተልዎ ኣዕናዊ መርገጺ ከም ኣብነት ክንወስድ ይከኣል እዩ።) መርገጺ ኣዝዩ ኣዕናውን ብጸሊም ነጥቢ ዝጥቀስን እዩ።

ኤርትራ ከም ሃገር`ከ እንታይ ዓይነት ሃገራዊ ክብሪ እዩ ዘለዋ፧ ኣዝያ ኣገዳሲትን ከባድን ሕቶ እያ። ከም ውልቀ ተዓዛቢ ነዛ ሕቶ ክርእያ ከለኹ፡ ኤርትራ ከም ሃገር ብዙሕ ሃገራዊ ክብርታት እትውንን ሃገር ኮይና እያ ትስመዓኒ። ካብ ሰውራዊ ክብርታት ዝጀመረ ድሓር ናብ ሃገራዊ ክብርታት ዝማዕበለ ኣዝዩ ብዙሕ ክብርታት ዘለና ሃገር ኢና። ከም ኣብነት እቲ ሓያል ናይ ምቅላስ መንፈስናን ሃገራዊ ሓድነትናን ከም ሃገራዊ ክብርታትና ክርአ ዝከኣል ኮይኑ ይስመዓኒ።

                                        

ግና እዞም ዝጠቐስናዮም ክብርታት እኹላት`ዶ ይኾኑ፧ ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ 21 ክፍለ ዘመን። ኣብዚ ዘለናዮ ክፍለ ዘመን ተራ ቴክኖሎጂ ኣብ ዕቤት ሃገራት ኣዝዩ ወሳኒ እናኾነ ዝመጽእ ዘሎ ዓውዲ እዩ። ብፍላይ ኣብተን ምዕቡላት ሃገራት ብዘይ ቴክኖሎጂ ህላውነተን ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣትወሉ ዘሎ እዋን እዩ፡ እናኾነ ዝመጽእ ዘሎ እዚ እዋን’ዚ። ንሕና ከም ሃገር`ከ ነዚ ንገለ ሃገራት ህላውነተን ኣብ ምልክት ሕቶ ክሳብ ዝኣትዋ ዝገብረን ዘሎ ኣምር ብኸመይ ኢና ንርእዮ። ከም ሃገራዊ ክብርና ርኢና ክንሰርሓሉ ግዚኡ`ዶ ኣይኮነን።

እዚ ሕቶ`ዚ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተፈላለየ መልሲ ክወሃቦ ይኽእል እዩ። ብናተይ መረዳእታ ግና እቲ እዋን ሕጅን ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ጉዳይን ምዃኑ እየ ዝኣምን። ኣብዚ እዋን`ዚ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣገዳስነት ምህዞን ስንዓን ብዕምቆት ተረዲአን እጅግአን ሰብሲበን ይሰርሓሉ ኣለዋ። ከም ሃገራዊ ክብረን ካብ ምርኣይ ሓሊፈን ገዚፍ ድጎማን ወፍርን የካይዳሉ ኣለዋ። ብተወሳኺ`ውን ሃገራዊ ፖሊሳተን`ውን ንምህዞን ስንዓን ብዘጎልብትን ብዘዐንብብን መንገዲ እና ኣመሓየሽኦ ይኸዳ ኣለዋ። ናይቲ ዝገብርኦ ልዑል ወፍርን ተወፋይነትን ድማ ኣዝዩ ዓቢ ውጽኢት ይረኽባሉ ኣለዋ።

ኣብዚ ከም ኣብነት ብዙሓት ሃገራት ክንጠቅስ ይከኣል እዩ። ኣሜሪካን ሩስያን ዘለወን ፖለቲካዊ ጽልዋ ትም ኢልካ ዝመጸ ኣይኮነን። ብኸቢድ ዋጋ ዝመጸን ኣብ እንግድዓ ምህዞን ስንዓን ተሓንጊሩ ዝመጸን እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ነቲ በይናዊ ስርዓት ክትብድህ ትርአ ዘላ ሃገረ ቻይና`ውን ክንጠቅስ ይከኣል እዩ። ቻይና ኣብ ምህዞን ስንዓን ዘለዋ እምነት ምስ ረኣኻ ሓይሊ እዚ ዓውዲ`ዚ ብቐሊሉ ክትግንዘብ ኣየጸግምን። ነዚ ዓውዲ`ዚ መትኒ ምዕባሌኣ ብምግባር ድማ እያ ነተን ደርማስ ቁጠባን ዕቤትን ዘለወን ሃገራት ክትብድህ ትርአ ዘላ።

ኣብ ሃገረ እስራኤል 10% ካብ ህዝባ ኣብ ምስ ምህዞን ስንዓን ዝተኣሳሰር ስርሓት ይሰርሕ። ልዕሊ 11.3% ጃምላዊ እቶት እስራኤል`ውን ካብ መሸጣ ምህዞን ስንዓን ዝርከብ እዩ። እዚ ብዘይካ እቲ እትረኽቦ ፖለቲካዊ ጽልዋ እዩ። እስራኤል ነዚ ዓይነት መኽሰባት ብቐሊል ኣይትጥምቶን እያ። ዓመታዊ ክሳብ 4.5% ካብ ጃምላዊ እቶታ ኣብዚ ዓውዲ እዚ እያ እተውፍሮ።

ብሓፈሻ ክርአ ከሎ፡ ምህዞን ስንዓን ብዘይካ እቲ ዝፈጥሮ ፖለቲካዊ ጽልዋ ኣብ ቁጠባዊ ዕቤት ሓንቲ ሃገር ዝጻወቶ ተራ ቀሊል ኣይኮነን። ብተወሳኺ`ውን ንዜጋታት ብዝፈጥረሎም ናይ ስራሕ ዕድላት ኣብ ዜጋታት ዘምጽኦ ምርግጋእ እውን ዝነዓቕ ኣይኮነን። ኣብዚ ናይ እስራኤል ኣብነት ክንወስድ ይከኣል እዩ። 10% ካብ ብዝሒ ህዝቢ እስራኤል ኣብዚ ዓውዲ`ዚ ምስ ዝተኣሳሰሩ ነገራት ይሰርሕ እንተኢልናስ ሓደ ካብ ዓስርተ ሰባት ኣብዚ ዓውዲ`ዚ ብምስራሕ ናብርኡ ይመርሕ ኢና ንብል ዘለና ማለት እዩ።

ኣብ ግዜ ሰውራ ዝነበረ ወኒ ናይ ምምሃዝን ምስናዕን ኣብ ዝተፈላለዩና ኣገጣሚታት ካብቶም ኣብቲ እዋን ዝተሳተፉ ተጋደልቲ ሰሚዐ ኣለኹ። ህዝባዊ ግንባር`ውን ንኣገዳስነት እዚ ዓውዲ`ዚ ብምርዳእ ዝተፈላለዩ ቀረባት ብምምላእ ንቕድሚት ከም ዝስጉም ይገብሮ ነይሩ። ኣብ ግዚኡ ድማ መልሲ ናይ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኮይኑ እዩ። ኣብ ገስጋስን ዓወትን ብረታዊ ቃልሲ ድማ ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። እሞ`ኸ ድኣ ኣብ በረኻ ምስ ኩሉ ብድሆታትና ኣብዚ ዓውዲ`ዚ ዘርኣናዮ ገስጋስ፡ ሕጂ ስለምንታይ ኢና ክንደግሞ ንጽገም ዘለና፧ ብፍላይ ድማ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ኣገዳስነት ምህዞን ስንዓን እናተረደኣናን ብዘይ ብኡ ክንስጉም ከም ዘይንኽእል እና ተረዳእናን፧

ብናተይ መረዳእታ እዚ ሕቶ እዋናውን ኣገዳስን ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ። ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ኣምር ድማ እዩ። እዚ ዓውዲ`ዚ ዓምቢቡ ከም ሃገራዊ ክብሪ ተራእዩ ኣብ ቁጠባዊ ዕቤት ሃገርና ዓቢ ኣበርክቶ መታን ክገብር ኩላትና ነናትና ኣበርክቶ ንግበር። ዋላ ንእሽቶይ ተበግሶ ትኹን ምስ ናይ ካልእ ሰብ ተሓዊሳ ኣብቲ ዓቢ ሃገራዊ ስእሊ ክህልዋ ዝኽእል ተራ ቀሊል ኣይኮነን። ዕቤት ብናይ ብዙሕ ተሳትፎ ስለ ዝረጋገጽ ኩላትና ነንእሽቶይ ኣበርክቶ ንግበር።

ሚኪኤል በርሀ(ወዲ በርሀ)

378 total views, 1 views today

(Visited 59 times, 1 visits today)

Eri-Youth

The owner of this website is the Eritrean union of youth and students.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *