ኣእምሮኣዊ ዋንነት

ኣእምሮኣዊ ዋንነት ብሰፊሑ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ክፋላት ይምቀል። ንሳቶም ከኣ ኢንዱስትራዊ ዋንነትን ቅዳሕ ዋንነትን ይበሃሉ።

ኢንዱስትራዊ ዋንነት (Industrial Property) ፥ እዚ ዋንነት’ዚ ንኢንዱስትራዊ ስርሓት ዝወሃብ ዋንነት እዩ። ንኣብነት ምስክር ምህዞ(patents for inventions)፡ ምልክት ንግዲ (trademarks)፡ ናይ ኢንዱስትሪ ንድፊ (industrial designs ) ከምኡ’ውን ናይ ጅኦግራፍያዊ ምልክታት(geographical indications) የጠቓልል።

መሰል ቅዳሕ (Copyright)፥ እዚ ዋንነት’ዚ፡ ንስነ-ጽሑፋዊ ስርሓት ከም (ነዊሕ ልብ-ወለድ፡ ዛንታ፡ ግጥሚ)፣ፊልም፣ሙዚቃ፣ ስነጥበባዊ ስርሓት(ስእሊ፡ቅብኣ፣ስነዉቕሮ) ከምኡ’ውን ስነ-ህንጻዊ ንድፊ (architectural design)ዝወሃብ ዋንነት እዩ።

ምስክር ምህዞ (patent) እንታይ እዩ፧

ምስክር ምህዞ፡ ዓይነት ኣእምሮኣዊ ዋንነት ኰይኑ፡ ብፍሉይ፡ ብሕጋዊ መገዲ ንመሃዝቲ ዝወሃብ ምስክርነት እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ መሃዚ ፍልይ ዝበለ ፍርያት እንተኣቕሪቡ ወይ’ውን ፍልይ ዝበለ ኣሰራርሓ ናይ ሓደ ነገር ወይ ተክኒካዊ ፍታሕ ናይ ሓደ ዓቢ ናይ ሕብረተሰብ ጸገም እንተድኣ ረኺቡ፡ ምስክር ምህዞ ክውሃቦ ይከኣል። ምስክር ምህዞ፡ ናይ መሃዝቲ ረብሓ ይሕሉ። በዚ ኸምዚ፡ መሃዝቲ ካብ ፍርያቶም ዝርከብ ንግዳዊ ጥቅሚ ኽቆጻጸርዎ ይኽእሉ። መሰል ምስክር ምህዞ ንውሱን ዓመታት’ዩ ዝወሃብ። ብሓፈሻ ግን ክሳብ ዕስራ ዓመት ይበጽሕ።

ምስክር ምህዞ፡ ስለምንታይ ኣድለየ፧

ምስክር ምህዞ፡ ከም ሓደ ዓቢ ዓስቢ ናይ’ቲ መሃዝቲ ንኽምህዙ ዘጥፍእዎ ግዜን ጉልበትን ስለዝዀነ፣ እቲ ዝበለጸ መተባብዒ እዩ። ነቲ ዉዕዉዕ ናይ ምምሃዝ ተውህቦኦም ከኣ ነዳዲ ይውስኸሉ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ብሉጽ ዝዀነን ንሕብረተ-ሰብ ኣርባሒ ዝዀነን ስረሓት ንኸበርክቱ ይተግሁ።

መሰላት ወነንቲ ምስክር ምህዞ እንታይ እዩ፧

ሓደ ውልቀ-ሰብ ይኹን ትካል፡ ምስክር ምህዞ ንዘውጽኣሉ ፍርያት፡ ብዘይ ፍቓዱ ካልኦት ንኸይምስርሕዎ ፡ንኸይሽጥዎን ንኸይዝርግሕዎን ክኽልክል ሕጋዊ መሰል ኣሎዏ። እዚ መሰል’ዚ ኸኣ መሃዝቲ ፍርያቶም ናብ ተጠቀምቲ ሽይጦም ፍረ ጻማኦም ንኽረኽቡ ዓቢ ዕድል ይፈጥር።

ምስክር ምህዞ ኣብ ዕለታዊ ናብራና እንታይ ዓይነት ኣስትዋጽኦ ኣለዎ፧

ምስክር ምህዞ ዝተዋህቦም ስርሓት፡ ኣብ ዕለታዊ ሂወትና ንጥቅመሎም ኣለና። ፍርያት ኢዲሰንን ስዋንን ዝዀነ ናይ ኤለክትሪክ መብራህቲ፡ ፍርያት ኣፕል ዝዀነ ኣይፎን ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል። መሃዝቲ ምስክር ምህዞ ምስ ተዋህቦም፡ ኩሉ ንምህዘኦም ዝምልከት ኣድላዪ ሓበሬታ ከቕርቡ ይግደዱ። እዚ ኸኣ ሕብረተ-ሰብ ኣፍልጥኡ ንኽውስኽ ይሕግዞ። ካልኦት መሃዝቲ’ውን፡ ነቲ ሓበሬታ ከም መወከሲ ተጠቒሞም ንኽበላሓቱን ክምህዙን ይሕግዝ። ስለዚ ምስክር ምህዞ፡ ናይ መሃዝቲ ረብሓ ጥራይ ዘይኮነ ዝሕሉ፡ ብሉጽ ሳይንሳዊ ሓብሬታ ኣብ ምዝርጋሕን ኣብ ምትብብዕ ናይ መጻኢ መሃዝትን’ውን ዓቢ ኣበርክቶ ኣለዎ።

ምስክር ምህዞ ብኸመይ ይወሃብ፧

ፈለማ፡ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ናይ መመልከቲ ወረቐት ክትሰደድ ኣለካ። እቲ መመልከቲ ወረቐት፡ ኣርእስቲ ናይቲ ምህዞ (title of the invention) ከምኡ’ውን ዓውደ ስራሕ (indication of its technical field) ከጠቓልል ኣሎዎ። ድሕረ ባይታን መብርህን ናይቲ ዓይነት ምህዞ ብንጹር ዝዀነ ቋንቋን፡ ዝዀነ ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፍ ሰብ ከምዝርድኦን ጌርካ ክጸሕፍ ክኽእል ኣሎዎ። እቲ መብርሂ ወይ ከኣ መግለጺ ዕሙቕ ብዝበለ መልክዕ ብስእሊ፡ ንድፊን ንድፋዊ መግለጽን ዝተሰነየ ክኸውን ኣሎዎ። ኣብ መደምደምታ፡ እቲ መሃዚ ደረጃ ናይ’ቲ ምስክር ምህዞ ክወሃቦ ዘለዎ ምህዞ ክገልጽ ይግባእ።

ምስክር ምህዞ ዝወሃቦም ምህዞታት ከመይ ዝመሰሉ እዮም፧

ሓደ ምህዞ ምስክር ምህዞ ንኽወሃቦ፡ እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት ከማልእ ኣሎዏ። ቀዳማይ፡ እቲ ምህዞ ጥቕሚ ክህብን ኣብ ግብሪ ክዉዕል ዝኽእልን ክኸዉን ኣሎዎ። ካልኣይ፡ ሓድሽን፡ ኣብ’ቲ ዓውዲ ንዘሎ ፍልጠት ክውስኽ ወይ ክድርዕ ዝኽእል ክኸዉን ይግባእ። ነዚ ንምግላጽ፡ እቲ መሃዚ ከመይ ጌሩ እቲ ተክኖሎጂ ከም ዝሰርሕ፡ ከምኡ’ውን እንታይ ከም ዝሰርሕ ከቕርብ ክኽእል ኣሎዎ። እቲ ናይ መወዳእታ ረቛሒ ድማ፡ እቲ ዓውዲ፡ ብዓይኒ ሕጊ ምስክር ምህዞ ክወሃቦ ይኽእል’ዶ ኣይክእልን፡ ክረጋገጽ ክኽእል ኣሎዎ። ምኽንያቱ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት፡ ከም ሳይንሳዊ ክልስ ሓሳብ (scientific theories)፡ ሕሳባዊ ኣገባብ (mathematical methods)፡ ዓይነታት ተክሊ ወይ እንስሳ (plant or animal varieties)፡ ርኽበት ናይ ሓደ ባህርያዊ ዝኾነ ነገር (discoveries of natural substances) ከምኡ’ውን ንግዳዊ ኣገባብ (commercial methods) ምስክር ምህዞ ኣይወሃቦምን እዩ።

 ምስክር ምህዞ ዝህብ መን እዩ፧

ምስክር ምህዞ፡ ብዝምልከቶ ሃገራዊ ትካል ምስክር ምህዞ  ይወሃብ። ወይ’ውን ብሓደ ንብዙሓት ሃገራት ዝውክል  ዞባዊ ትካል  ከም ኣብነት ናይ ኤውሮጳ ቤት ጽሕፈት ምስክር ምህዞን (European Patent Office (EPO) ) ናይ ኣፍሪቃ ውድብ ኣእምሮኣዊ ዋንነት ( African Intellectual Property Organization (OAPI)) ምጥቃስ ይከኣል። ኣመልካቲ ናብ’ዘን ዞባዉያን ትካላት ከመልክት ከሎ መሰል ናይ ምህዛኡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ወይ ካብኡ ንላዕሊ ክሕለወሉ ይሓትት። ነፍሲ ወከፍ ሃገር ከኣ ነዚ መሰል እዚ ክትህብ ናይ ባዕላ ርእሰ ዉሳነ ኣለዋ። ኻልእ ዝዓበየ ናይ ዓለምና ውድብ ከኣ ዓለማዊ ውድብ ኣእምሮኣዊ ዋንነት (World Intellectual Property Organization (WIPO)) እዩ። እዚ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝመደብሩ ውድብ ኣብ 1970 እዩ ተመስሪቱ። እዚ ውድብ’ዚ፡ ልክዕ ከምቶም ሃገራውያንን ዞባውያንን ትካላት፡ ንመሃዝቲ ምስክር ምህዞ  ንኽወሃብ ዕድል ይፈጥር። ስለዚ ምስክር ምህዞ ክወሃብ ዝደሊ መሃዚ፡ ናብ ሃገራዊ ወይ ናብ ዞባዊ ወይ ከኣ ናብ ዓለማዊ ውድብ ኣእምሮኣዊ ዋንነት ከመልክት ይኽእል።

ኢንጂ. ሰለሙን መስፍን

መም. ዳንኤል ኣብርሃ

439 total views, 2 views today

(Visited 46 times, 1 visits today)

Eri-Youth

The owner of this website is the Eritrean union of youth and students.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *