ምስትምቓር መጽሓፍ

ምስትምቓር መጽሓፍ፡Collapse: How Societies Choose to Fail or Succeed” ብJared Diamond

ነቲ ብዕምቆት ክርደኦ ዘይፍትን ሰብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ብዙሕ ኣገዳስነት ዝህልዎ ኣይመስልን። ኣብ ልምዓታዊ ፖሊስታት መንግስታት፣ እቲ ንቐጻልነት ማሕበራዊ-መስተርሆት ዝውፊ መንግስቲ እቲ ቀንዲ ዕላማኡ ምዕቃብ ኣካባብን ብኡ ጌርካ ድማ ምውዳንን ምስትኽኻልን ባህርያዊ ጸጋታትን ኣብ ዝኾነሉ፣ ዜጋታት ማሕበረ-ቁጠባዊ ብድሆታቶም እንዳጎደለ ይኸይድን ብደስታ ናይ ምንባር ዕድል ይህልዎምን። ስለዚ ድማ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፣ ምውዳን ጸጋታት፣ ምዕቃብን ምትካልን ኣግራብ፣ ምስሳን ስነ-ሂወታዊ ብዙሕነትን ባህርያውያን ሕዛእትታትን፡ ምስራሕ ዛላታትን ምዕቃብ ጸጋታት ባሕርን እቶም ንኽትዛረበሎም ቀለልቲ ዝመስሉ ግን ከኣ መለለይ ሓደ ንወለዶታት ዝሓስብ ሕብረተ-ሰብን ማእከልነቱን ኢልና ኣብ እንድምድመሉ ኪኖ ግዜውያን ብድሆታት ፍጹም ማሕበራዊ ውድቀት ንኸየጋጥመና ስለእንስገእ ኢዩ።

ምኽንያቱ፣ ብሰንኪ ዝንቡዕ ኣጣቓቕማ ጸጋታቶምን ሸለልትነታዊ ኣካይዳኦምን ዝወደቁ ሕብረተ-ሰባት ከምዝነበሩን ብሕጂ ውን ክህልዉ ምዃኖምን ታሪኽ ደጋጊሙ እንዳኣዛኻኸረና‘ዩ።

ማሕበራዊ ውድቀት ስለምንታይ የጋጥም? ብዙሓት መበገሲታት ክህልዉ ይኽእሉ። ሓደ ካብኣቶም እምበኣርከስ ብሰንኪ ምስ ኣካባቢ እንፈጥሮ ረጽምን ሸለልትነት ዝመለለዩኡ ዝምድናታትን ኢዩ። ባህሪ ንዝሓብሓብዎ ይሕብሕብ፣ ንዘየተገደስሉ ድማ ካብ መስመር ቀጻልነት ይግልፍን በቶም ምስ ኣካባቢኦም ስልጡንን ጥበባውን ዝምድናታት ዘለዎም ሕብረተ-ሰባት ይትክእን።

ውድቀት ወይ ድማ Collapse ክበሃል እንከሎ ‘ሕብረተ-ሰብ ብሰንኪ ቁጠባዊ፣ ፖሎቲካውን ማሕበራውን ሕልኽላኻት ንንውሕ ዝበለ ግዚያት ክጎድል እንከሎ’ ማለት ኢዩ።

መባእታዊ ዕላማ ‘ዛ ብJared Diamond ኣብ 2005 ዝተጻሕፈት መጽሓፍ እምበኣር፣ ጠንቂ እቶም ኣብ ሓደ ወቕተ-ዘመን ስልጡን ምዕባለ ዝነበሮም ናይ ታሪኽ ሕብረተ-ሰባትን ካብ ገጽ ታሪኽ ንኽሕከኹ ዝገበሮም ቀንዲ ምኽንያታትን ብሰንኪ ዘይውዱንን ዘይቅርዑይን ኣካባብያዊ ተጠቃምነት ምንባሩ ንምብራህ ኢዩ። እቲ መጽናዕቲ ብዛዕባ ኣካባቢ ደኣምበር ብዛዕባ ‘ዞም ሕብረተ-ሰባት ኣይኮነን። ምኽንያቱ፣ እቲ ክሳብ ሕጂ ‘ውን እንተኾነ ሕብረተ-ሰባት ዓለምን ወከልቶም ዝኾኑ ማሕበራዊ ጉጅለታትን ብዙሕ ተገዳስነት ዘይግብረሉ ምስ ባህሪ ዝህሉ ወይ ኣወንታዊ ወይ ድማ ኣሉታዊ ዝምድናታት ሕጂ ውን እንተኾነ ከም ቀደሙ ምስ ሂወት ወዲ-ሰብ ቀጥታዊ ዝኾነ ምትእስሳር ስለዝህልዎ።

ኣብ ሕቶ ቀጻልነት ህይወት እቲ ዘዓበየ ዕላማ ኣካባቢ ደኣምበሪ ሕብረተ-ሰብ ክኸውን የብሉን። እቲ ምንታይ ሕብረተ-ሰብ ደኣምበሪ ኣካባቢ ኣይኮነን ንስለቀጻልነቱ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ክጽጋዕ ዘድልዮ።

እቲ ቀንዲ ዕላማ ‘ዛ መጽናዕታዊትን ታሪኻዊትን መጽሓፍ፣ ሃገራትን ማሕበራዊ ቅርጽታተንን ብኸመይን ስለምንታይን የብቅዑ ንምብራህን መፍቲሒታት ንምንዳይን ዝወጠነ ኢዩ። ጽሓፋይ ብመንገዲ ‘ዛ መጽሓፍ ንወለዶታት ከተኣሳስር ይበቅዕ። ኣብ ብምሉኡ ትንታነታቱ ድማ ንመንጎ- ወለዶኣዊ ፍትሒ ወይ ድማ ንinter generational justice ይውፈ። ብመንገዲ ታሪኻውያን ኣብነታት ኣብ መንጎ ወለዶታት ተዛማድነት ክፈጥር ይህቅን ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣንባባይ ንኽልቲኡ ክውንነታት ገምጊሙ ብዛዕባ መጻኢ ብናጽነት ንኽትልም ‘ውን የተባብዕ።

ጻሓፋይ ብመጀምርታ ከም ኣብነት ዘቕርቦም ሕብረተ-ሰብ Easter Island ኮይኖም ንጸጋታቶም ብዘይ ኣጋባብ ስለዝመዝመዙ ምሉእ ብምሉእ ከምዝጸነቱ የብርህ። ‘ነታ ኣብ’ታ ደሴት ዝነበረት ናይ መጨረስታ ገረብ ዝቖረጸ ዜጋ’ ድማ ይብል ጸሓፋይ ካብ’ታ ህሞት ቁሩብ ኣብ ናይ ጽባሕ ዕስራ ዓመታት ፍንትት ኢሉ እንተዘስተንትን ነይሩ፣ ንሱን ንዑኡ ዝወርሱ ወለዶታትን ብቕሳነት ክኽጽሉን ዘይክቕጽሉን ሂወቶም ኣብ’ታ ናይ መወዳእታ ገረብ ከምዝምርኮስ ምተሰወጦ ነይሩ’ ድማ ይብል። እንተኾነ ግና ንሱን ህዝቡን ኣይገበርዎን። ንባህሪ ብዙሕ ግምት ኣይሃብዎን፣ ባህሪ ድማ ከምኡ ብዙሕ ግምት ኣይገበረሎምን። ‘ስለዚ ድማ ካብ ገጽ ምድሪ ዋዜማ መከራ እንዳዘመሩ ተሓኺኾም’ ድማ ይውስኽ።

እዛ መጽሓፍ ንማሕበራዊ ዕንወት የቃላጥፉ ኢዮም ካብ ዝበለቶም ኣርባዕተ ኩርናዓት ምስ ግብራውያን ኣብነታት ብምልጋብ ንህልዉን ሕሉፍን ብሓንቲ መስመር ንምጥማሩ ዝወጠነት ማሕበረ-ኣከባብያዊትን ታሪኻዊትን ዳህሳስ ኢያ። ንውድቀት ሓደ ሕብረተ-ሰብ ካብ ዘቀላጥፉ ረቛሒታት ፣ ምልውዋጥ ኪሊማ፣ ጉርብትናዊ ጎንጺታት፣ ምልሕላሕ ኣገደስቲ ናይ ንግዲ መሓዙትን መስመራትን፣ ኣካባብያዊ ብድሆታትን  ኮይኖም  ምስጢር ሓደ ዕዉት ሕብረተ-ሰብ ኣብ  ነዞም ብድሆታት ንኽብድህ ዝገብሮ ፈተነታትን ጻዕርታትን  ይምርኮስ።

እዛ መጽሓፍ እትዝርዝሮም ዋላ ኣብ ዘመናዊ ሕብረተ-ሰብ ንወዲ-ሰብ ናይ ምጽናት ተኽእሎ ዝህልዎም ኣስታት 12 ኣካባብያዊ ብድሆታት ብግብሪ ኣብ ጥዕና፣ ቁጠባን ማሕበራዊ ክብርታትን ዝህልዎም ኣሉታዊ ጽልዋ ብብዙሕ ኣብነታት ኣሰንያ ትትንትን። ብርሰት ኣጋራብን ባህርያዊ ኣከባብን፣ ፍግረ-መሬት፣ ድኹም ምምሕዳር ጸጋ ማይ፣ ልዑል መጠን ምግፋፍ ዓሳ፣ ዘይምጡን ወሊድ፣ ምትእትታው ሓደስቲ ዓሌታት ኣዝርእቲን ካሎኦትን ገለ ካብቶም ዝዓበዩ ተጠቀስቲ ባእታታት ኢዮም። ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ማሕበራዊ ጸቕጢ ብምኽታል ኣብ ኩነተ-ኣእምሮ ዜጋታት ናብ ‘ኣነ ኣብ ሂወት ወላ ሓንቲ ዝኸስሮ የብለይን’ ዝብል ናይ ተስፋ ምቑራጽ ኣመለኻኽታታት ይድርኹ።

ዝኾነ ሕብረተ-ሰብ ብባህሪ ጥራይ ዘይኮነ ብባህልን ልሕሉሕ ማሕበራዊ ኣቃውማን ‘ውን ክወድቕ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ፣ ሕቶ ኣካባብያዊ ንቕሓት ‘ውን እንተኾነ ዓቢ ግምት ክግበረሉ ይግባእ። ሕብረተ-ሰብ ነዘርላንድስ ነቲ ኣዝዩ ዘሸግር ባህርያዊ ብድሆታት ተጻዊሮም ንባህሪ ከምበርክኹን ብኣብነት ክጥቀሱን ካብ ዝገበሮም ቀንዲ ምኽንያት እምበኣርከስ ካብ ማሕበራዊ ክብርታት ዝምንጩ ምስ ባህሪ ናይ ምውህሃድ ክቡር ባህሊ ኢዩ።  ‘ንነዘርላንዳውያን ብዙሕ ክንመሃረሎም ይግበኣና’ ድማ ይብል Jared Diamond ።

ኣካባብያዊ ብድሆታት ንኽትዛረበሎም ሩሑቕ ዝመስሉ ዛዕባታት ስለዝኾኑ፣ ካብ’ቲ ልሙድ ብእኩብ መፍትሒታት ናይ ምንዳይ ኣጋባብ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ብዛዕባ ክገብሩ ዘለውዎ መፍትሒታት ንምቕራብ ዝደፉኡ ሓሳብት ምቕራብ እቲ ዝበለጸ ኣበርክቶ ጸሓፋይ ኢዩ።

ሂወት ኣብ ዓለም እንዳኸበደ ይኸይድ ምህላዉ ርዱእ ተወሲዱ ስስዐ፣ ልዕሊ መጠን ናይ ምህብታም ጥሙሕን ብዝለዓለ ነጊሱ ከምዘሎ ኩሉ ዝግንዘቦ ሓቂ ኢዩ። ነገራዊ ባርባርውነት ወይ ድማ (Materilest Barbarianizm) ድማ ንዝበዝሐ ተቐማጣይ ‘ዛ ዓለም ግዳይ ክገብር ንዕዘቦ ኣሎና።

ዳይሞንድ ክገልጽ እንከሎ፣ ‘እቲ ዘዓበየ ካብ ውድቀት ጥንታውያን ሕበረተ-ሰባት ብሓፈሻ፣ ካብ ውድቀት Maya, Anasazi, Easter Islandersን ካብ ናይ ብሩንዲ ናይ 1994 ብሄራዊ ጎንጽን ክንማሀሮ እንኽእል ምህሮ ዝኾነ ሕብረተ-ሰብ ካብ’ታ ብምጣነ-ሃብትን ብልጽግናን ብዝሒ ህዝብን ኣብ ዝለዓለ ብራኸ ዝበጸሓላ መድረኽ ቀጺለን ዝቕልቀላ ውሑዳት ዓመታት ኣትሒዙ ንቑልቁል ክጸድፍ ከም ዝጅምር የብርህ። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ስሰዐ ዝባንዴረኦም ማሕበራዊ ጉጅለ ስለዝፍጠሩን ኣብ ሓፋሽ ድማ ናይ ሓሻሽነት ባህሪ ስለዝዓብን እቲ ጽልዋ ካብ ጸጋታት ስለዝበዝሕን ኢዩ።

እዛ ኣስታት 592 ቆጽሊ  ገጽ ዘለዋ መጽሓፍ ትሕዝቶታታ ኣብ ኣርባዕተ ክፋላት ይመቓቐል። እቲ ቀዳማይ ክፋል ንኣብ ክፍለ ሃገር ሞንታና ዘሎ ከቢድ ማሕበረ-ኣካባያዊ ብድሆ ይትንትን። ሞንታና ቀደምን ሕጅን ድማ የወዳድር። ካላኣይ ክፋል ድማ ኣብ ናይ ታሪኽ ሕብረተ-ሰባት ብሰንኪ ዘይውዱን ኣጣቓቕማ ኣካባቢ ብዛዕባ ዝወደቑን ዝተበተኑን ሕብረተ-ሰባት ብምግላጽ፣ ኣብ ሳልሳይ ክፋል ናብ ዘመናውያን ሕብረተ-ሰባት ይሰግር። ኣብ መወዳእታ ንናይ ግዜና ንግድን ዓውለማን ብኣካባብያዊ ኩርናዕ ብምጥማት፣ ደቂ-ሰባት ካብ’ቲ ብምሉኡ ታሪኻዊ ዳህሳስ ክንመሃሮ ዘለናን ክንግበሮ ዝግበኣናን ብመልክዕ ለበዋ የቐምጥ።

ኣብ መጨረስታ እዛ መጽሓፍ እትምልሳ ሕቶ “ከም ህዝቢ ንኽንዕወት ግን ከኣ ንኸይንወድቕ ‘ሲ እንታይ ክንገብር ኣሎና?”  እትብል ኮይና ክልተ ኣገደስቲ ምርጫታት ነቶም ዝወደቑ ህዝብታት ካብቶም ዝቐጸሉ ዝፈልያ ብምቕራብ ትሕዝቶኣ ትዛዝም።

ትሕዝቶታት መጽሓፍ ምስ ህልው ማሕበረ-ኣካባያዊ ቅርጽታት ሕብረተ-ሰብና ዝተኣሳሰሩ ብዙሓት ሓቅታት ስለዘለዎን ኣብ ምእላሽ ማሕብረዊ-ፍትሓት ብዙሕ ኣበርክቶ ክህልዎም ስለዝኽእልን፣ ዝኾነ ዜጋ ኣብ ጽፍሒ ይሃሉ ኣይሃሉ ንኸንብባን ማሕበረ-ኣካባያዊ ንቕሓቱ ነኸተርንዕን በዚ ኣጋጣሚ ይዕድም። ኣኣንቢቡ ንኸስተማቕራ ጥራይ ዘይኮነ፣ ከም ሕብረተ-ሰብ ናይ ታሪኽ ቦታና ንኸነውሕስ ናብ ኤርትራዊ ክውንነት እንዳኣቕረበ ክርደኣን መጽናዕትታት ከበግስን ድማ ለበዋይ የቕርብ።

       ኣምኒኤል ዘካርያስ  

 

382 total views, 1 views today

(Visited 27 times, 1 visits today)

Eri-Youth

The owner of this website is the Eritrean union of youth and students.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *