ፈስቲቫል መንእሰያት፡ ኣብ ሓድሽን ትስፉውን ሃዋህው

8ይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ኤርትራ፡ “መንእሰይ ጸዓት ዘላቒ ዕብየት” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቴማ፡ ካብ 13-15 ሓምለ፡ ኣብ’ታ ንመንእሰያት ብትምህርቲ፡ ብሞያ፡ ብጥዑይ ስነምግባርን ክብርታትን መልሚላ ናብ ልምዓት ሃገር እተዋፍር ሳዋ ይካየድ ኣሎ።

ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል መንእሰያት ኤርትራ፡ ሳላ ዘይጽዓድ መኸተን ጽንዓትን መንእሰያት ኤርትራ ተጋሂዱ ኣብ ዘሎ ሓድሽን ትስፉውን ሃዋህው እዩ ዝካየድ ዘሎ። መንእሰይ ኤርትራ፡ ነዚ ፈስቲቫል’ዚ ን20 ዓመት መመላእታ ብጽንዓት ዝመከተሉ ፍትሒ ናይ ምርግጋጽ ጉዳይ፡ መሊኡ ኣብ ዝተዓወተሉ፡ ዕዙዝ ኣጋጣሚ እዩ ዝጽምብሎ ዘሎ። እዚ ናይ ዓወት ሃዋህው’ዚ ድማ፡ ንፈስቲቫልና ዝያዳ ድምቀትን ርዝነትን ሂብዎ ኣሎ።

ከምዝፍለጥ ነቲ ብብዙሓት ዘይሕሰብን ዘይሕለምን ዝነበረ ብኣፈጻጽማኡን ቅያታቱን እጹብ ድንቂ ዝኾነ ሓርነታዊ ተጋድሎና ዘዐወተ ቀዳማይ ረቛሒ፡ እቲ ካብ መበቈላዊ ባህልን ልምድን ህዝብና ዝመንጨወ፡ ኣብ እዋን ቃልሲ ንሓድሕዱ ተመላሊኡ ዝማዕበለ ብሉጽ ሃገራዊ ባህሊን ክብርታትን እዩ። ኣብ ድቕድቕ ጸላም ፍቕሪ ሃገር ዘብርህ ልቢ፡ ንጸበባ ናብ ራህዋ ዝቕይር ሓድሕዳዊ ሓልዮትን ምድግጋፍን፡ እምባታት ፈተነ ብጽንዓቱ በንቊሩ ዘጐልጒል ተወፋይነት፡ ኣብ እዋን ወጥሪ ዝያዳ ዝስውድ ትስፉውነትን ርእሰ-ምትእምማንን፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ብዝኾነ ካልእ ክስገር ዘይክእል መስገደላት ሰጊሩ፡ ዘይክኣል ዝተባህለ ተጋድሎ ብሓያል ተጻዋርነትን ተወፋይነትን ክኢሉ፡ ብኣንጸባራቒ ዓወት ናጽነቱን ልኡላውነቱን ክጭብጥ ኣብቂዕዎ እዩ።

እዚ ባህሊን ክብርታትን’ዚ ድሕሪ ናጽነት እውን ብተረካቢ ሕድሪ መንእሰይ ተወሪሱ፡ ከም ተኣምር ንናጽነት፡ ኣብ መኸተ ንልኡላውነትን ህንጸት ሃገርን እውን ደጊሙ ተኣምር ክሰርሕ ይርአ ኣሎ። ክብርን ሞጎስን ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ዝርከብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣውራ ድማ መንእሰያት መድረኽ ናጽነት፡ ኤርትራ ገና እግራ ከይደልደለ ልኡላውነታ ንምቕላስ ዝተፈነወላ መጠነ-ሰፊሕ ወራራት ብተኣምራታዊ ጅግንነትን ጽንዓትን ናብ ማይ ቀይራ፣ ብኲናትን ሕጊን ረቲዓ፣ ፍትሒ ጓዕጺጽካ ዓሎቚ ንምንጋስ ዝተኣልመ ዓቕልኻ ዝፈታተን ማእለያ ዘይብሉ ሽርሒታትን ውዲታትን በጣጢሳ፣ ንመድረኽ ኣይኲናት ኣይሰላም ብስራሕን ጻዕርን ናብ ረብሓኣ ቀይራ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ መኸተ ፍትሒን ጉዕዞ ልምዓትን ተዓዊታ ክትወጽእ ምኽኣላ፡ ነቲ ዘዂርዕ ታሪኻ መሊሱ ዘድምቕ ኣንጸባራቒ ታሪኽ ክትሰርሕ በቒዓ።

ከምዚ ኤርትራ ዝገጠማ ከቢድ ተጻብኦን ብድሆታትን ተጻዊሩ፡ ኣቓልቦኡ ከይተገዝዐ፡ ብዓቕሊን ትዕግስቲን ሽግራቱ እናፈትሐ፡ ኣንፈቱ ከየጥፍአ ዝጓዓዝ ህዝቢን መንግስቲን እንተተረኺቡ ኣዝዩ ውሑድ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ልዑል ጥምረትን ሓድነትን ብሉጽ ባህልን ክብርታትን ዘለዎ ሕብረተሰብ ጥራይ’ዩ ከምዚ ዓይነት ፈተነ ክሰግር ዓቕሚን ተጻዋርነትን ክህልዎ ዝኽእል። ዝኾነ ህዝቢን ሃገርን ዝጾሮ ኣይኮነን። ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ፡ ናብቲ ረዚን መስዋእቲ ዝተኸፍለሉ ሃገራዊ ዕላማን ራእይን ዘብጽሕ እንኮ መገዲ፡ ክንዮ ግዝያዊ ጽልግልግ ናብ ዝግሃድ ሓቀኛ ብርሃን ዘማዕዱ፡ ክንዮ ግዝያዊ ጸገማት ናብ ዘሎ ነባሪ ራህዋ ዘቋምት፡ ንጹርን ቅኑዕን ፖለቲካዊ መስመር ጸኒዕካ ምሓዝ ምዃኑ ብምእማን፡ ብዙሓት የዋሃት ኣየዋጽእን እዩ ዝበልዎ፡ ለኻዕካዕ ዘይብሉ ተሪር መገዲ ኪኽተል እዩ መሪጹ። እንሆ ድማ ምህርቲ ናይዚ ተሪርን ቅኑዕን ኣካይዳ ብግብሪ ክሕፈስ ንዕዘብ ኣለና። ኤርትራ፡ ብኩምራ ተጻብኦታትን ምትንዃላትን ተዳሂላ ወይ ርዒዳ ክብረታን ሓራ ፖለቲካዊ መስመራን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይወደቐትን። ሳላዚ ጽንዓት’ዚ ከኣ ካብቲ ቅኑዕ ሓዲድ ንምንድልሃጻ ዝተገብረ ኩሉ ዓይነት ፈተነታት ሃደሽደሽ እናበለ ይፈርስ ኣሎ። ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ድማ፡ ቅኑዕነትን ተዓዋትነትን ሃገራዊ መስመርና ኣጸቢቑ ኣብ ዘግህድ ድልዱል ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ባይታ ክንዓልብ ምዃንና ንጹር እዩ። እቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብዝተፈላለየ መገዲታት ክግሃድ እንርእዮ ዘለና ናብ ረብሓና ዘዝበለ ምዕባለታት ገለ ካብ ውሑድ መርኣያታቱ ጥራይ እዩ። እቲ ዝዓበየ መኽሰባቱ ምስ ግዜ ብኻዕበት እናተሓፍሰ ክኸይድ ምዃኑ ድማ ርጉጽ እዩ።

እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽን ትስፉውን ሃዋህው፡ ብቐንዱ ውጽኢት፡ ልዑል ሃገራዊ ፍቕሪ ዝመጣምሩ ሓድነት፡ ጽንዓትን ተወፋይነትን ሃገራውያን መንእሰያት እዩ ክበሃል ይከኣል። ነዚ ሃገራውነት’ዚ ኣብ ምፍጣር፡ እቶም ንባህሊ ሕብረተሰብ ዘቘሙ ክብርታት ወሳኒ ተራ ተጻዊቶም እዮም። ክብርታትና እምበኣር ዓንዲ ማእከል ጥምረትናን ሓይልናን እዮም። ሃገርና፡ ንሓድነት ህዝቡ ዝቃለስ፡ ሃገራዊ ጉዳያት ብዕዙዝ ሱታፌኡ ዘዐውት፡ ብእኩብ ዝሓስብ፡ ምዕባለ ህዝቡን ሃገሩን ዝምነን ምእንቲ ሓባራዊ ረብሓ ዝዉፈን መንእሰይ ስለዘለዋ እያ፡ ነቲ ብመሪር ዋጋ ዝጨበጠቶ ናጽነት ከየድፈረት ብልምዓት ረሺዳ፡ ኣብ ጉዕዞ ምርግጋጽ ቁጠባዊ ሓርነት ብዓወት እትምርሽ ዘላ።

ዕዉትን ቀጻልነቱ ውሑስን ህዝቢ፡ እቲ ብዙሕ ዝቚጽሩ ወይ ገዚፍ ባህርያዊ ጸጋ ዝውንን ዘይኮነ፡ እቲ ብሉጽ ፖለቲካዊ፡ ባህላዊን ማሕበራዊን ክብርታት ዝውንን እዩ። ውሱን ዝዓቕሙ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዘይጽዓድ ሓይሊ ተቐይሩ፡ በይኑ ንርእሰ ሓያላን ስዒሩ፡ ከቢድ ውዲታት ሰጊሩ፡ ህላወኡን ቀጻልነቱን ከም ህዝቢን ሃገርን ከረጋግጽ ዘብቅዖ ብርቱዕ ዕጥቂ፡ ብሉጽ ባህሉን ክብርታቱን እዩ። ሓባራዊ ረብሓ ዘቐድም፡ በይነይ ይጥዓመኒ ዝብል ኣተሓሳስብ ዝፍንፍን፡ ወጽዓን በደልን ዘይቅበል፡ ሓቂን ቅንዕናን ዘፍቅር፡ ንስለ ፍትሒ ምስያፍ ዘድንቕን ዘኽብርን ኤርትራዊ ባህሊ፡ እቲ ዕውታት ኮይንና ክንወጽእ ዘኽእለና ዘሎ ማሕበራዊ ክብርታት እዩ። ክብርታትና፡ መንነትና ዝፈጠሩን ህላወናን ቀጻልነትናን ዘውሕሱን ረቀቕቲ ኣጽዋራትና እዮም። ክንዲ ዝኾነ፡ እዞም ብሉጻት ክብርታት ከይብረዙ፡ ከም ብሌን ዓይንና ክንሕብሕቦም፡ ክንዕቅቦምን ከነማዕብሎምን የድሊ። ከመይሲ ሕጂ እውን ከም ትማሊ ዋሕስ ህላወና ጥራይ ዘይኮነ፡ መርሓ ምዕባለና፡ ምንጪ ክብረትናን ስልጣነናን ንሳቶም እዩ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ክብርታት እምበኣር፡ ናጽነት ንምምጻእ ኣብ ዝተፈጸመ ቅያን ጅግንነትን ተኣምር ሰሪሑ፡ ናብ ወለዶ ልምዓት ብምስጋር ገና ተኣምር ዝሰርሕ ዘሎ እዩ። ቀጻልነቱ ክረጋገጽ ከኣ እናሻዕ እናተዀልዐን እናተሓደሰን ክኸይድ የድልዮ። ምኹላዕን ምሕዳስን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብቐጻሊ ኣብ ቆልዑን መንእሰያትን እናሰረጸ ንክሰጋገር ብውጥን ሓያል ፖለቲካዊን ባህላዊን ስራሕ ክካየደሉ ይግባእ። ብሉጻት ክብርታት ሕብረተሰብና ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። የግዳስ ብኣጋጣሚ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት፡ ካብቶም ብዙሓት ክብርታት፡ እቶም ንሃገራዊን ሕብረተሰብኣዊን ድሕነትን ዕብየትን ኣዝዮም ወሰንቲ ዝኾኑ ክብርታት፡ ደጊምካ ምዝኽኻርን ምጉልሑን ኣገዳሲ ይኸውን።

 

ፍቕሪ ሃገር፦

እዚ ብቐዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ሃገራዊ ክብርንና እዩ። ርግጽ እዩ፡ ፍቕሪ ሃገርን መንነትን ኣብ ኩሉ ወዲ ሰብ ዘሎ እዩ። ምኽንያቱ መበቈሉ፡ ተወሊዱ ዝዓበየሉ ቦታን ሕብረተሰብን ዘየፍቅር የልቦን። መበቈልካ ምፍታው ጥራይ ግን፡ መግለጺ ፍቕሪ ሃገር ወይ ሃገራውነት ክኸውን ኣይክእልን። እቲ ፍቕሪ፡ ሓላፍነት ብዘሰክም ንቕሓት ክስነ እንከሎ እዩ ሓደ ካብ ዓበይቲ ክብርታት ዝኸውን። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ እዋን ቃልሲ፡ ኣዝዩ ዘዂርዕን ዝሕበነሉን ታሪኽ ክፍጽም ዝኸኣለ፡ ድሕሪ ናጽነት እውን ልኡላውነቱ ንምድፋር ዘንቀደ መጠነ ሰፊሕ ወራራት ሓምሺሹ፡ ኩሉ ዓይነት ሽርሒታት መኪቱ ኣብ ትስፉው ጎደና ዕብየት ክረግጽ ዝበቕዐ፡ ብፍቕሪ ሃገርን ህዝቢን ዝነደዱ፡ ካብ ውልቃዊ ዕላማታት ንላዕሊ ሃገራዊን ህዝባዊን ባህጊ ንምጭባጥ ዘንቀዱ ብሉጻትን ንቑሓትን መንእሰያት ስለዝረኸበ እዩ። መጻኢ ጉዕዞኡን ተስፋታቱን እናለምለመ ክኸይድ እንተኾይኑ ከኣ፡ እዚ ዘሐብን ክብሪ’ዚ ተዓቂቡ፡ ናብ ንኣሽቱ እናተሰጋገረ ክቕጽል የድሊ።

 

ሃገራዊ ስኒት፦

ሃገራዊ ሓድነትን ስኒትን፡ ሓደ ካብቶም ብሉጻት ክብርታት ኤርትራዊ ሕብረተሰብ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንኹሉ ከፋፋሊ ትሕተ ሃገራዊ ስምዒታት ሰጊሩ፡ ንካልኦት ህዝብታት ኣርኣያ ክኸውን ዝኽእል ስሙርን ስልጡንን ኣመለኻኽታ ከማዕብል ዝኸኣለ ንቑሕ ህዝቢ እዩ። ስእነት ሃገራዊ ስኒት ክሳብ ክንደይ ንህላወ ሕብረተሰብ ዝፈታተን ዕንወት ከምዝኾነ ተሞኩሮ ብዙሓት ህዝብታት ክዝርዘር ይከኣል’ዩ። ስለዚ ድማ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ማሕበራዊ ስኒት ከም ብሌን ዓይኑ ብምሕላው፡ ጉጅላዊ ኣተሓሳስባን ኩሉ መልክዓት ኣድልዎን ብትሪ እናነጸገ ወትሩ ንሃገራዊ ጥምረት ክሰርሕ ይግባእ።

 

ፍትወት ሓቂ፡ ፍትሒን ማዕርነትን፦

ሓደ ካብ ዓበይቲ ክብርታት ሕብረተሰብና ፍትወት ሓቂን ፍትሒን ማዕርነትን እዩ። ከምዝፍለጥ፡ ፍትሒ እቲ ቀንዲ መጣምር ሕብረተሰብ እዩ። ጥምረት ደቂሰባት ብፍትሒ እዩ ዝረጋገጽ። ፍትሒ ድማ መሰረቱ፡ ኣኽብሮት ሕጊን ስነምግባርን፡ ቅንዕናን ምዕሩይ ኣጠማምታን’ዩ። ፍትሒን ማዕርነትን ምስዝጥሓስ፡ ጥምረት እናዘለቐ ናብ ምብትታን እዩ ዘምርሕ። መንእሰይ እምበኣር፡ ኣገዳስነትን ወሳንነትን ናይዚ ብሉጽ ክብሪ’ዚ ብዕምቈት ተገንዚቡ፡ ፍትወት ሓቂ፡ ፍትሒን ማዕርነትን ባህሉ ገይሩ ክለብሶ የድሊ። ብዘይ ፍትሒ፡ ምርግጋእ ይኹን ብልጽግና ፍጹም ክመጽእ ከምዘይክእል ብምርዳእ፡ መንእሰይ ንማሕበራዊ ፍትሒ ምጥባቕ፡ ጾር ውጽዓት ወገናቱ ንምቅላል ብሓላፍነታዊ መንፈስ ምስራሕ፡ ኣድልዎ ጾታን ማሕበራዊ ቦታን ዘይብሉ ፍትሓዊን ማዕርነታዊን ኣጠማምታ ንምስፋን ምቅላስ መለልዪ ክብርታቱ ክኸውን ይግባእ።

 

ርእሰ-ምትእምማን፦

ርእሰ ምትእምማን ሓደ ካብ ጉሉሓት ክብርታት ኤርትራዊ ሕብረተሰብ እዩ። ብርሃጽካ ምንባር፡ ርእስኻ ምኽኣል፡ ተመጽዋቲ ዘይምዃን፡ ብባህልኻን መንነትካን ምኹራዕ እቶም ቀንዲ መርኣያታት ናይዚ ክብሪ’ዚ እዮም። ብኣተሓሳስባ ይኹን ብግብሪ ኣብ ነብስኻ ምትእምማን ኤርትራዊ ባህሊ እዩ። ኣብ ፖለቲካ፡ ካብ ኣምልኾ ናይ ግዳም ፍልስፍናታት ንላዕሊ ሃገራዊ ዕላማታትና ኢና እነቐድም፣ ኣብ ቁጠባ፡ ኣብ ውሽጣዊ ዓቕምና ምምርኳስን ንዕኡ ምምዕባልን ኢና እንመርጽ፣ ኣብ ባህሊ፡ ንገዛእ ባህላዊ ውርሻታትና ኢና እነድንቕ። ህዝቢ ኤርትራ ብህርኩትናኡን ጻዕረኛነቱን ዝልለ ህዝቢ እዩ። ፈታው ስራሕ ስለዝኾነ ድማ፡ እዚ ክብሪ’ዚ መሃዚን ተበላሓትን፡ ደላዪ ሞያን ትምህርቲን ክኸውን ደሪኽዎ እዩ። ብስራሕን ትምህርቲን ብቕዓትካ ክብ ምባል፡ ኣብ ስራሕ ዘይምግባዝ፡ ጸገማትን ሕጽረታትን ብብልሓትን መሃዝነትን ምፍታሕ ሓደ ካብ ብሉጽ ክብርታት ሕብረተሰብና እዩ። ንስራሕን ትምህርቲን ዝተዓደለ ኣእምሮ ከኣ፡ ብዘይካ ክገብር’የ ምባልን ብሉጽ ሕልምታት ምሕላምን፡ ካልእ ሰንኰፍ ሓሳባት ክሓስብ ኣይክእልን እዩ። እዚ ክብሪ’ዚ ብሕጂ እውን ብሓያል ፖለቲካዊን ባህላዊን ስራሕ ናብ መጻእቲ ወለዶታት እናተሰጋገረ ክኸይድ የድሊ።

 

ፈስቲቫል ድርዒ ክብርታትና

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ምስጢር ናይ ትማልን ሎምን ቅያታት ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ነዊሕ መስርሕ እተሃንጸ ሓባራዊ ባህጊን መረዳእታን ኣብኡ ዝሰረተ ሓያል ሃገራዊ ስኒትን እዩ። ኣብ ቃልሲ ስለ ናጽነትን ምውሓስ ልኡላውነትን ተኣምር ዝሰርሐ፡ ሃገራዊ ጥምረትናን ስኒትናን እዩ። ናይ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዕማም መኸተን ህንጸት ሃገርን ብዓወት ክንከዶ ዘኽኣለና እውን ንሱ እዩ። ነዚ ረቂቕ ሓይሊ’ዚ ዝዀስኰሱ ብዙሓት ረቛሒታት ኣብ እንጽብጽበሉ ድማ፡ ግደ ሃገራዊ ፈስቲቫላትና ጎሊሑ ኣብ መዝገብ ዝሰፍር እዩ።

ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ኣብ ሜዳን ኣብ ወጻኢን ዝካየድ ዝነበረ ሃገራዊ ፈስቲቫላት፡ ናህሪ ብረታዊ ተጋድሎ ብምስላጥ፡ ዕምሪ መግዛእቲ ኣብ ምሕጻር ዝተጻወቶ ተራ ብቐሊል ዝግመት ኣይነበረን። ፈስቲቫል መንእሰያት ኮነ ካልኦት ባህላዊ ፈስቲቫላት መድረኽ ናጽነት ድማ፡ ሓባራዊ ራእይ ብምድማቕ፡ ኩለንተናዊ ህንጸት ሃገር ኣብ ምድራኽን ግዳማዊ ተጻብኦታትን ሸርሒታትን ኣብ ምምካትን ኣበርክቶኦም ልዑል እዩ ነይሩ። ሃገራዊ ፈስቲቫላትና ንባህላውን ታሪኻውን ቅርስታት ሃገርና ዘንጸባርቕ፥ ጽባቐ ባህላዊ ብዙሕነትና ኣጉሊሑ፡ ረብሓ ሓድሕዳዊ ምጽዉዋርን ጣዕሚ ሃገራዊ ስኒትን ዝምህር፥ ንዜጋታት ምስ ባህልን ኣነባብራን መላእ ሕብረተሰብ ዘላሊ፤ ሃገራዊ ስኒትና ዘንጸባርቕ፥ ወራሲን ኣውራሲን ወለዶታት ኣራኺቡ፡ ታሪኽን ክብርታትን ዘሰጋግር፥ ሓሳባትን ምህዞታትን ዘበራብር፥ ኮታ ምስሊ ህርኩትን ስሙርን ህዝቢ ዝዂልዕ መድረኽ እዩ።

ኣብ’ዚ ዘለናዮ ዘመነ ዓውለማ፡ ኣብ ብዙሓት ሕብረተሰባት ዝርከቡ ሓደስቲ ወለዶታት ዘጋጥሞም ዘሎ ባህላዊ ቅልውላው ቀሊል ኣይኮነን። ንመን ይመስሉ? ኣበየናይ ባህላዊ ባይታ ኮይኖም ኣንፈቶም የነጽሩን ጉዕዞኦም ይቕልሱን ዓቢ ግድል ዝኾኖም መንእሰያት ውሑዳት ኣይኮኑን። ብኣንጻሩ፡ ኤርትራ፡ ብመንነቶም፡ ታሪኾም፡ ባህሎምን ቋንቋኦምን ምሒር ዝሕበኑን ዝዀርዑን መንእሰያት እትውንን ሃገር ምዃና፡ ዓቢ ጸጋን ውሕስነት መጻኢኣን እዩ። ፈስቲቫልና ድማ፡ መንእሰያት ካብ ዓይኒ-ማይ ባህሎም ከይርሕቑ ማእከል ስሕበት ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ኣገዳሲ መድረኽ ምትእኽኻብ ኮይኑ ኣብቲ ስሙር ኣመለኻኽታ ተወሳኺ ድርዒ እዩ።

41 total views, 1 views today

(Visited 12 times, 1 visits today)

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *