ደራሲ መጽሓፍ “ዛንታ ውልቀ ዝኽሪ” ኣብ ኣዳራሽ ጁኔር ተቐልቂሉ

ስክፍታ “ኣነ” ምባልን ዋሕዲ ውልቃዊ ተበጉሶን  ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና ተደብዩ ከይተርፍ ዝሰክፉ ምኽንያታት ካብ ዝኾኑ ውሑድ ኣይገበሩን።ታሪኾም ከየውረሱ ተመኩርኦም ከየካፈሉ ዝስውኡ ዘለዉ  ገዳይም ተጋደልቲ ህያው  ነጸብራቅ ናይ’ዚ ስክፍታ እዮም።  ይኹን ‘ምበር ምጽሓፍ ታሪኽ ብሓላፍነታዊ መንፈስ ብምርኣይ ተመኩርኦም ብመልክዕ መጽሓፍ ዘዘንትዉ ገዳይም ተጋደልቲ ኣይተሳእኑን። ከም መቐጸልታ ብሃማመተኤ ዝዳሎ  ክልተ ሰሙናዊ መደብ ዘተን ሰሚናርን ብ 15 ለካቲት ኣብ ኣዳርሽ ጁኔር ሓባራዊ ዘተ ዝተካየደላ መጽሓፍ  “ዛንታ ውለቀ ዝኽሪ”  ሓንቲ ኣብነት ፍርያት ውልቀ ተበጉሶ ሰብ ታሪኽ’ያ። ዘተ መጽሓፍ “ “ዛንታ ውልቀ ዝኽሪ” ብደራሲ እታ መጽሓፍ ኮለኔል ኣስረስ ኢሳቕ’ዩ ተመሪሑ። ኮለኔል ኣስረስ  ሃመማትኤ ነቲ ኣጋጣሚ ምውዳቡ ብምምስጋን “ ሰብ ዝፈጸሞ ታሪኽ ከም ሰነድ ዓቂብካ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንምስግጋሩ ዝካየድ ጻዕሪ ንህያውነት፣ ንህላውነት፣ ንዝኽሪ፣ ንኽብሪ ጨቢጥናዮ ዘለና ሃገርን ናጻነትን ዓቢ መወከሲ ስለዝኾነ ታሪኽ ምጽሓፍ ኣገዳሲ’ዩ” ብምባል ንሓፈሻዊ ኣገዳስነት ታሪኽ ገሊጽዎ።  ኮለኔል ኣስረስ “ ዛንታ ውልቀ ዝኽሪ” ስለምንታይ ጽሒፍዋን እቲ ኣርእስቲ መሪጽዎን ብምግላጽ ናብ ትሕዝቶታት ናይታ መጽሓፉን ሰጊሩ።

“ ዝሓለፈ መሪር ቃልሲ መን’ዩ ክጽሕፎ” ዝብል ስክፍታ  ምስ ቁልጡፍን ብዝሕን ዘለዎ መስዋእቲ ብጸቱ ቀንዲ መንቀሊ ተበግስኡ እዩ።  ስለ’ዚ ድርኺት ኣብ 2017 ንሕትመት ዘብቅዓ መጽሓፉ ሓላፍነታዊ መንፈስ ምስግጋር ተመኩሮ ምበር ክእለት ናይ ስነ-ጽሑፍ ወይ እኹል ደረጃ ትምህርቲ ሃልይዎ  ከምዘይጻሓፋ ንምብራህ  “  ጉድለታታ እና ተኣረመ መጽሓፍ ትኸውን፣ ከምኡ እንተኾነ ንናይ ታሪኽ ተመራመርቲ ጥረ ሓበሬታ ይገድፍ፣ እንተገደደ ድማ ንደቀይ ሓፈሻዊ ታሪኸይ ይገድፈሎም ኢለ ዝጀመርክዎ ‘ምበር ክእለት ስነ-ጽሑፍ ሃሊኑ  ኣይኮነን”  ብምባል ገሊጽዎ።

ኮለኔል ኣስረስ መጽሓፍ ክጽሕፍ ከሎ  “ጽሒፈ ኣይክእልን’የ” ዝብል መረዳእታ ጥራይ ኣይኮነን ብድሆ ኮይንዎ ። ከም ብዙሓት ናይ ቃልሲ ብጾቱ “ኣነ” ናይ ምባል ስክፍታ ውን ንተበጉስኡ ተፈታቲንዎ ነይሩ’ዩ። ነዚ ስክፍታ ከብርህ ከሎ ድማ  “ከም ሓቂ ውን” ይብል ኮለኔል ኣስረስ “ ታሪኽ ክጽሕፍ ሓላፍነት ዝሃበኒ ዝኾነ ትካል የለን። ስለ’ዚ ካብ ክሊ ውልቃዊ ዝኽሪ ወጽየ ታሪኽ ክጽሕፍ እንተኾይነ  ብኸመይ ፣ ስለምንታይ፣ መን ዝብል ከበድቲ ሕቶታት ብልክዕ ምምላስ ከምዘድልየኒ ቀልጢፈ ተገንዚበዮ። ስለ’ዚ ኣብ ዝኽርታተይ ተሞርኪሰ ኣብ  የማነይን ጸጋመይን ዝነበረ ቀረባይ ዝኾነ ፍጻሜታት ሓዊሰ ምጽሓፍ ዝሓሽ ኮይኑ ረኺበዮ። በዚ ድማ ነታ መጽሓፍ ዛንታ ውልቀ ዝኽሪ  ኢለ ሰሜያ” ብምባል ንኣመዓባብላ መጽሓፉ ኣብሪሂዎ።

ኮለኔል ኣስረስ   ምስ’ቲ “ ኣነ” ኢልካ ታሪኽ ናይ ምዝንታው ዘሎ ስክፍታ ተኣማንነት ታሪኽ ዓቢ ግምት ከም ዘድልዮ ኣይዘንግዖን። ስለ’ዚ ተኣማንነት ኣንበብቲ ንምርግጋጽ ከየጋነነ ከየቑጸልጸለን ታሪኽ ምዝንታዉ መሪጹ።  “ታሪኽ ተራ ዕላል ኮይኑ ክሰጋገር ኣለዎ” ዝብለ ኮለኔል ኣስረስ “ ዋላ ኣብ ጽሑፍ  ኣብ’ቲ እዋን ዝነብሩ ኣተሓሳስባታትን ትጥቀመሎም ዝነበረካ ቋንቋ ከም ዝነበርዎ ምስፋር  ንተኣማንነት ታሪኽ ሓጋዚ ኢለ ይኣምን” ብምባል ተኣማንነት ኣንበብቲ ኣብ ምጽሓፍ ታሪኽ ብኣድህቦ ክዓየየሉ ዝግባእ ጉዳይ ምዃኒ ኣስሚርሉ።

እታ መጽሓፍ ካብ እዋን ቁልዕነት ደራሲ ክሳብ ምሕራር ናቕፋ 1977 ዝዝርጋሕ ታሪኽ ዝሓዘት’ያ። ደራሲ መጽሓፍ “ዛንታ ውልቀ ዝኽሪ”  ኣብ ዝብላዕን ዝስተን ዝይውሕዳ ስድራቤት’ዩ ዓብዩ። ይኹን ምበር ነጸብራቕ  ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባለ ሕብረተሰብ ዝኾኑ ብዙሓት ዝኽርታት ኣለውዎ። ወዲ ትሻዓተ ዓመት ኮይኑ ኣብ 1964 ቀዳማይ ክፍሊ ኣብ ዝጀመረሉ ከም ኩሎም መዘናታቱ በየማነ ጸጋሙ ጨዳድ ዝነበሮ ናይ ኣቦጀዲድ ክዳን ይኽደን ምንባሩ፣ ጸጉሪ ርእሶም ከለላ ዘለዎ ወይ ቁንጭቑንጮ ዘለዎ ይላጸዩ ምንባሮም ንተሳተፍቲ ገሊጹ።  ኩሉ ምንቅስቓሶም ጥራሕ እግሮም ስለዝኾነ ኣብ ጥሪት ክወፍሩ ከለዉ “ ጨው ሙራኹት” ዝባሃል እሾኽ ምስ ወግኦም ኣብ ክንዲ ቀጻሊ ዝነቕስዎ ኣብ ሓመድ ፋሕፊሖም ይድርቅስዎ ነይሮም። እዚ ኣካል ውልቀ ዛንታ ደራሲ ዝኾነ ማሕበራዊ ታሪኽ  ኣብ 1960ታት ካብ ኣስመራ ዓሰርተ ሓሙሽተ ኪለሜትር ኣብ ዘይመልእ ርሕቐት ናይ እትርከብ ዓደርዓዳ እትባህል ተማሃራይ ታሪኽ’ዩ። ነዚ ምስ ፈለጥካ  ድማ እታ መጽሓፍ ንእግርምገድኻ ማሕበረ ቁጠባዊ ምዕባለ ሕብረተሰብና ዘገንዝብ ታሪኽ ሓቒፋ ከምዘላ ክትርዳእ ኣይትጽገምን።

ኮለኔል ኣስረስ ካብ ማሕበራዊ ዛንታ ኣታዓባብይኡ ውጽእ ብምባል ንገድላዊ ስምዒታቱ ዝጸለዉ ክስተታ ገሊጹ። “ ብዛዕባ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ዝዕለል ዝነበረ ተኣምራታዊ ዝመስል ዕላላት፣ ኣብ 1960ታት ብፍላይ ኣብ 1967 ኣብ ምብራቓዊ መታሕት ዝተገብረ ግፍዒ ብዕላል ይሰምዕዎ ምንባሮም፣ ኣብ 1968 ክልተ ደቂ ዓዶም ናብ ገድሊ ምጽንባሮም፣  መንፈስ ሃገራዊ ስምዒት ከመይ ኢሉ ከምዝጀመሮ ዝገለጸሎም ዝኽርታት’ዮም። ብዘይካ’ዚ ግን ድሕሪ ሓሙሻይ ክፍሊ ናብ እምበይቶ ምስተሰጋገሩ ዳይረክተር ቤትምህርቶም ዝነበረ ስውእ ምምህር ተኽለምካኤል ሰለሙን ኣብ ናይ ዘብኮረ ምምህር እና እተወ ናይ ሞራል ወይ “ግብረ-ገብነት”  ዝምህሮም ዝነበረ ብዛዕባ ፖለቲካ ዝያዳ ከምዝጸለዎ ይገልጽ። ኣብ 1974 ዝጀመረ ምሕናቕ መንእሰያት ኣብ ከተማታት ውን ካልእ ንደራሲ መጽሓፍ “ዛንታ ውልቀ ዝኽሪ”  ኮለኔል ኣስረስ ሃገራዊ ኣተሓሳስብኡ ዝጸለዎ ረቓሒ’ዩ። ከም ውጽኢቱ ካብ ሻሙናይ ናብ ታሻዓይ ምስ ሓለፉ  ምስ ተስፋሃንስ ዝባህል ዓርኩ ናብ ገድሊ ናይ ምጽንባር ዘካየድዎ ፈተነ፣ ክጋደሉ ኢሎም ምስ ወጹ ኣብ ድርፎ ዝረኸብዎ ሰብን ዝሕደረሎም ምግራምን፣  ምጽንባር ናብ ቃልሲ ስለዘይሰለጦም ናብ ዓዲ ምስተመልሱ ምውራዛይ ዓርከ መዘና ዝፈጠረሎም ስምዒት ነትሰተፍቲ ኣካፊሉ።

ኣይጸነሐን ግን ኣብ 1975 ናብ መሳርዕ ቃልሲ ናይ ምስላፍ ባህጉ ሰሚርሉ። ክም ዝበዝሐ ናይ ሽዑ መንእሰይ ብድርፎ ጌሩ ባሕሪ ባራ ወሪዱ ህዝባዊ ሓይልታት ተጸንቢርዋ። ኣብ ባሕሪ ባራ ሩዝ ኣብ እምኒ ክቕርብሎም ምስ ጀመሩ ንናብራ ገድሊ  ተላልዮዎ። ምስ ቀነዩ ኣብ ዊና ሓሩጭ ቁሒሞም ነብሶም ከዐንግሉ ዝፈተንሉ፣ ብርኩታ ከም ዝሓሸ መግቢ እና ተለምደ ምስከደ “ ከምዚ ጌርካ ክሕለፍ ድዩ፧” ዝብበሉ፣ ድሕሪ ሓጺር እዋን መጀመርያ ስብሓት ኤፍረም፣ ዳሓር ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣኼባ ጌረምሎም። ኮለኔል ኣስረስ ነዚ ኣመልኪቱ “ ስብሓት ኤፍረም  ክሹፍ ኣብ ክሳዱ ጌሩ፣ በትሪ ተመርኪሱ ብዛዕባ ቃልስን ዝጽበየና ዝነበረ ብድሆን ገሊጹልና። እቲ መደርኡ ኣመና መሲጡና ምንባሩ ዋላ ሎሚ ይዝከረኒ። ቅንይ ኢሉ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣኼባ ጌሩልና። ቅድሚ ምግዳልና ብዛዕብኡ ብዙሕ ዕላላት ንሰምዕ ስለዝነበርና ንኽርእዮ ኣዝየ ተሃንጥየ። እዚ ቀልጻማን ረጊድን ጌረ ቀሪጽዮ ዝነበርኩ ተጋዳላይ ኢሰያስ ኣካላቱ ዘይከም ትጽቢተይ ለይለይ ዝብል መንእሰይ ኮይኑ ጸኒሑኒ”  ተጋዳላይ ኢሰያስ ግን ኣካላቱ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ኮይንዎ ዝተዛረቦም ዘረባ ውን ክሳብ ሕጂ’ዩ ዝገርሞ። “ ‘ገድሊ መሪር፣ ሓያል መስዋእቲ፣ መውጋእቲ፣ ምረትን ዘለዎ’ዩ። ኣነ ነዚ ክጻወሮ ኣይክእልን’የ ዝበለ ናብ ገዝኡ ክምለስ ይኽእል’ዩ’ ኢሉና።  ብዙሓት ሰባት ውን ንገዝኦም ተመሊሶም። ሕጂ ተመሊሰ ክርእዮ ከለኹ እቲ ዘረባ ናይ ብሓቂ ውሽጥና’ዩ ፈቲሹና”  ብምባል ኮለኔል ኣስረስ ፍልማዊ ተመስጥኡ ናይ መሪሒነት ህዝባዊ ሓይልታት ብምክፋል ዝኽሪ ዛንትኡ ቀጺልዎ።

ኣብ ታሪኽ “ጉዕዞ 800” ተባሂሉ ዝግለጽ ካብ ባሕሪ ባራ ናብ ብለቓት ዝተኻየደ ጉዕዞ ሓደሽቲ ተሰለፍቲ’ዩ። እቲ ጉዕዞ ብርሕቐቱ ወይ ብዝሒ ሓደስቲ ተሰለፍቲ ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ታሪኽ ዝዝከር። ጽንኩርነቱ እዩ ፍሉይ ዝገብሮ። ነቲ ጉዕዞ ጽንኩር ዝገብሮ ድማ ስንቆም ዝተሰከማ ኣግማል ንሰለስተ ማዓልቲ ምጥፈአን’ዩ። ነቲ ዘጋጠሞም ጥመይት ንምዕንጋል ኣብ — ዝባሃል ቦታ ምስ ገባር ብምርድዳእ ሓደ ገመል ተሓሪዱ ን 800 ታዓለምቲ ተመቒሉ። ኣብ’ዚ ግዑዞ ካብ ዓጽሚ ገመል ስጋ ክምንጭት ዝፈተነን ሓንቲ ስኑ ዝረገፈን፣ መትሎ ገመል መዐንገል ጥመየት ክኸውን  ዝተማናጠልዎ፣ ጠፊኤን ዝነበራ ኣግማል ምስ ተረኽባ  ቁጻር ሽኮር መን ቆሓመ ክመናጠሉ ዝተረኽቡ  ሓደሽቲ ተሰለፍትን ዝሳዓበ መቕጻዕትን፣ ኣብ ኣገነት ራሻይዳን ፈውሲ ጥምየት ዘልመጽዎ ብሔቑን፣ ዝቖርጠምዎ መሸላን፣ ኣብ ድርባቦ ዝባህል ቦታ ማይ ንኽረኽቡ ዝተጓዕዝዎን ደርሲ ዝነበሮም ኩርንዓት ዛንታ ናይ’ቲ ጽንኩር ጉዕዞ ኮይኖም ኣብ መጽሓፉ ሰፊሮም ዘለዉ እዮም።

ኣብ ብሌቓት በጺሖም ታዕሊም ንምጅማር ዝተነበሎም ወተሃደራዊ ሕጊ ዳርጋ ኩሉ ጥሕሰት ድስፕሊን ብ “ሞት” ዘቕጽዕ ነይሩ። ከም መንእሰያት እታ ንኣቓልብኦም ዝስሓበት መቕጻዕቲ “ ጓል ዝዓመጸ ሞት” ትብል ሕጊ ምንባራ ምስ ተወሳኺ ተዘክርኡ ገሊጽዎ።  ድሕሪ ናይ ክልተ ቕነ ታዕሊም ደራሲ ምስ 96 ብጾቱ ኣብ ኣሃዱ ከቢድ ብረት ተመዲቡ ኣብ ብሌቓት ተሪፉ። ኣብ ኣሃዱ ከቢድ ብረት ምምዳቡ ኣመልኪቱ ድማ “ ኣብ ከበሳ ዕጥቂ ዓጢቕና ቃንጫ ዝመስላ ብረት ተሓንጊጥና ብዝባን ህድሞ ናይ ዓድታት ክንሓልፍ ከለና ዝርኣየና ዝነበረ ኣይረኸብናዮን” ብምባል ውልቃዊ ወንን ስምዒት እምበር ዝምደብሉ ኣሃዱ ብኣገዳስነቱ ዝግምግም ብቕዓት ከምዘይነበሮም ኣውኪኡ። ኣብ’ቲ እዋን ቅርጺ ወይ ኣወዳድባ ህዝባዊ ሓይልታት ጋንታን ሓይልን ነይሩ። መስርዕን ቦጦለንን ዝባህል ኣይነበረን። ምስ ምምጽእ እዞም ሓደሽቲ ተሰለፍቲ ግን ቅርጺ ህዝባዊ ሓይልታት መስርዕ፣ ጋንታ፣ ሓይሊ  ኮይኑ ተወዲቡ። ኣብ’ቲ ዝተመድብሉ ኣሃዱ በቲ እዋን ስትራተጃውያን ኣጽዋራት ዝባህሉ ዝነበሩ B-10፣ ዶሽካ፣ ግሬኖቭ፣ ሞርታር 60 ሚ.ሜ፣ ብራውን፣ ድሒሩ ዝመጸ ክልተ 75 ሚ.ሜ እዮም። ኣብ ኣጽዋራቶም ዝነበሮም ትጽቢትን F-85 ዝባሃላ ነፍርቲ መጽየን ኣብ ብሌቓት ምስደብደባ ዶሽካ ዘይከም ትጽቢቶም ምዕካሱን ነፋሪት ዘየውደቐ ኢሎም ዘርኣይዎ ትጽቢትን ድርቱነት ኣፍልጥኦም ኣብ ኣጽዋራት ኣይሓቦኦን። ጸኒሑ ተኽሊጥ ተጌሩ ኣቃውማ ህዝባዊ ሓይልታት ብደረጃ ቦጦለኒ ኮይኑ። ኣሃዱ ከቢድ ብረት ቦጦለኒ 500 ተባሂሉ ተወዲቡ። ደራሲ መጽሓፍ “ ዛንታ ውልቀ ዝኽሪ” ኣባል ኣሃዱ ከቢድ ብረት ክይኑ ናብ መጥቃዕቲ ናቕፋ ናይ 1975 ተበጊሱ። ዝተረፈ ዛንታ ውልቀ ዝኽሩ ድማ ኣብ ከባቢ ናቕፋን ምሕራር ናቕፋን ዝተኮረ’ዩ ።

1976 ብዓይኒ ደራሲ መጽሓፍ “ ዛንታ ውልቀ ዝኽሪ” ጽንክርቲ ዓመት’ያ። ነዚ ከብርህ ከሎ ድማ “ እቲ ቐዳማይ ጥምየት’ዩ።  ኣብ’ቲ ዝብላዕ እንጀራ ሓሰኻ ለመም እናበለ ከሎ ምብላዕ በጺሕና። ኣብ ጸባጥ ዝባህል ቦታ  ዝተገብረልና ኣኼባ ‘ሳበ ክስሕባ ከሎ ንቐርቦ ክንስሕባ ከለና ዝቐርበና ዝነበረ ቀጣን ፈትሊ ላሕሊሓ ተበቲኻ እያ’። ስለ’ዚ ማዓንጣና ሸጥ ነብል ተባሂልና። ብተመሳሳሊ ናይ “ የሚን” ተብሂሉ ዝፍለጥ ዝንባለ ውን ኣብ’ዚ ዓመት’ዩ ተራእዩ። ከምዝንባለ ዓቢ ነይሩ ንምባል ዘይኮነ ኣብ’ቲ ኣተሓሳስባታት ግን ስኒት ወይ ውህደት ከምዘየበረ ንምትንባህ’ዩ። ኣብ መጨረሻ እቲ ኣካይዳ ሓደገኛ ምስ ኮነ መኣረምታ ተጌርሉ” ብምባል ንተርእዮታት እቲ ምንቅስቓስን ኣገባብ ኣፈታትሕኡ ኣብ ቦጦለኒ 500  ገሊጽዎ።ምክትል ሓላፊ ቦጦለኒ 500 ዝነበረ ስውእ ወልደርፋኤል ስብሃቱ ንዓሰርተ ሰለስተ ማዓልታት 12 ሳዓት ንማዓልቲ “ ናይ ምኽሻሕ ኣኼባታት” ብምክያድ ንዝነበረ ፖለቲካዊ ዝንባለታት ኣብ ውሽጢ ቦጦለኒ 500 መደምደምታት ጌርሉ። ስዉእ ወልደርፍኤል ስብሃቱ ሓደ ካብቶም ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ዝነበሩ መራሕቲ ብልቦንኡ፣ ዓቕሉ፣ትብዓቱ ዘድንቖ ሓላፊ ምንባሩ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ደራሲ ብመሰረት ቅርጺ መጽሓፉ ዘዘንተዎ ዛንታ ውግእ ምሕራር ናቕፋ’ዩ። ንኣማዓብላ ምሕራር ናቕፋ ኣመልኪቱ ድማ “ ከበባ ናቕፋ ምዕቡል ስልቲ ውግእ ኣይነበረን። ሰባት ካብ ኣሃዱታት እና ኣዋጻኻ ግዝያዊት ኣሃዱ ኣቑምካ ዝግበር ናይ ለይቲ ህጁም’ዩ ዝካየድ ነይሩ። ድሓር ኣብ ተመክሮ ዝተረዳእናዮ ግን ውግእ ናይ ሓባር ስራሕ ምኳኑ፣ ናይ ኣሃዱ ሓድነት፣ ዝባሃል ቅድሚ ውግእ ክምስረት ዝግብኦ ረቛሒታት ዓወት ኣሎ። ኣብ ውግእ ናቕፋ ብኣሃዱ ከቢድ ብረት ዝተወቕዐት ነፋሪት ካብእ ብፓራሹት ዝወረደ ፓይሎት ሰብ ዘይኮነ ከም ቀደሙ ስንቂ እዩ ኢልና  ምሕሳብና፣ ካብ ተራ ኣብላት ቦጦለንና ናይ “ቀትሪ መጥቃዕቲ” ዝብል ሓሳብ ምስ መጸ ኩልና ምቅዋምና ወተሃደራዊ ተመኩሮና ኣብ ግብሪ ምስ ግዜ ዝተጥርየ ምዃኑ  ዝእምቱ እዮም” ብምባል ወተሃደራዊ ብቕዓቶም ብዘገምታ ምስ ግዜ ዝተጥርየ ምኳኑ ኣብሪሁ።

ቦጦለኒ 3 ንሃብረንቀቓ ብናይ ቀትሪ መጥቃዕቲ ሓራ ጌራታ ዝብል ዕላል ነይሩ። ብኣንጻር’ዚ ኣብ ናቕፋ ተደጋጋሚ ናይ ለይቲ መጥቃዕቲ ዝድለ ፍረ ኣይሃበን። ብተራ ተጋደልቲ ኣብ ኣኼባ ቦጦለኒ 500 ናይ “ቀትሪ መጥቃዕቲ” ዘይንገብር ዝብል ርእይቶ መጽዩ። ኣዛዚ ቦጦለንን ኩሎም ኣባላትን ግን ነቲ ርእይቶ ኣይተቐበልዎን። ድሕሪ ገለ እዋን ንሃብረንቀቓ ብናይ ቀትሪ መጥቃዕቲ ሓራ ዝገበረታ ቦጦለኒ 3 ካብ ከበሳ ናብ ከባቢ ናቕፋ ምምጽኣን ‘ንናቕፋ ‘ እዛ ቦጦለኒ ጥራይ ከይተውጽኣ’ ዝብል ስክፍታ ነይርዎም።  ብኣገላልጻ ኮልኔል ኣስረስ ቦጦለኒ 3 “ ጽቡቕ ሞራል ዝነበራን “ጀብጀብ” ዝባሃል ጽጉሪ ርእሲ ንፈለማ እዋን ዝርእኹልን’ ስውእ በርሀ ጻዕዳን ስብሓት ኤፍረምን ዝመርሕዋ ዝነበሩ ኣሃዱ’ያ ” ብምባል ይገልጻ።

ድሕሪ ገለ እዋን ብመሰረት ብላዕሊ ዝተዋህበ ውስኔ ኣብ ናቕፋ ብናይ ቐትሪ መጥቃዕቲ ክግበር ተወሲኑ። ደራሲ መጽሓፍ “ ዛንታ ውልቀ ዝኽሪ” ኣብ’ቲ ውግእ ኣብራሃ ሸሪፍ ዝባሃል መድፍዕ ዓጂ ቢተን ስለ ዝተሰውአ ግሬኖቭ ገዲፉ ቦታ እቲ ስውእ ንምትካእ ጎዩ እና ኸደ ከሎ “ ብጻይ ካብታ ቦታ እልይ በል በርሀ ጻዕዳ ኣብኣ እየን ሃሪመንኦ” ምስ በልዎ ኣብ ውግእ ናቕፋ ኣብ ውዱእ ሳዓት መስዋእቲ ኣዛዚ ቦጦለኒ ሰለስተ ዝነበረ ዓቢ መራሒ ብርሀ ጻዕዳ ከም ዝሰምዐ ብኣስተንትኖ ይዝክሮ።  ከይጸንሐት ናቕፋ ተታሒዛ። ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ውሑዳት ወተሃደራት ጸላኢ ነቲ ሃንደበት ዝመጸ ግመ ጉልባብ ጌሮም ነብሶም ኣውጺኦም። በዚ ድማ ደራሲ መጽሓፍ “ ዛንታ ውልቀ ዝኽሪ” ኮለኔል ኣስረስ ኢሳቕ ንምክፍል ተመኩሮ ሕዚዎ ዝመጸ ትሕዝቶ ዛዚሙ ናብ ሕቶን መልስን ሰጊሩ።

 

 

 

 

  • ኣብ ምሕራር ናቕፋ ናይ ቀትሪ መጥቃዕቲ ዝብል ርእይቶ ናትኩም ናይ ተራ ተጋደልቲ ድዩ ንናቕፋ ብቕትሪ ከም ትጥቅዕዋ ጌርኩም፧
  • ኣይኮነን። ብቐንዱ  ኩልና ናቕፋ ኣብ ምሉእ ከበባ ሽዱሽተ ወርሒ ምውሳዳ ሕጉሳት ኣይነበርናን። ግራድ ዝባህል ብረት መጽዩ ኣይሓገዘናን። ብእንጻሩ ዕላማ ስሒቱ ኣብ ጎልጎል ናሮ ስለ ዝዓለበ “ሻምበል ናሮ” ኢልናዮ። ጉድጓድ ኪዒትና ንናቕፋ ንሓዛ ስለዝበልና ናይ 150 ሜ ጥራይ ፍልልይ ምስ ጸላኢ ተራሓሒቕና ቀሪብናዮ።  እቲ ናይ ቀትሪ ዘይነጥቅዓ ዝብል ዘረባ ኣብ ዕላላትናን ኣብ ውሽጥ ኣሃዱናን ዝነበረ ኮይኑ ኣብ’ቲ ኣኼባ ቦጦለኒ መደምደምታ ዝተገብረሉ እዩ። ቦጦለኒ 3 ንሃብረንቀቓ ብቐትሪ ሓራ ስለዝገበረታ ግን ኣብ ብደረጃ ውድብ እዚ ተመኩሮ ናይ ሃብረንቐቓ ነይሩ።
  • ሓደ ካብዞም ወዲ ኣፈወርቂ “ዝምለስ እነሎ ክምለስ ይካእል’ዩ” ምስ በሎም ዝተመልሰ። ሽዑ ሓደ ትግራዋይ ሰለዝሓሰወሉ፣ ብቐጥታ ናብ ኤክስፖ ይእትዮም ምስ ቐጥቀጥዎ ዝተጸለለ እዩ። ኣብ መጽሓፋካ ከተእትዎ እንተደሊኻ ነቲ ሰብ ንምርካቡ ክተሓባበርካ ይኽእል’የ።
  • ምስ ጀመርክዋ ኣርባዓተ ግዜ እየ ኣንቢበያ። እታ መጽሓፍ ብዙሕ ሕቶታት እያ መሊሳትለይ። እቲ ኣብ 200 ገጽ ተጻሒፉ ዘሎ ታሪኽ ብዝሒ ናይ ሓበሬታ ስለ ዘለዎ ግን ኣብ ቀጻሊ ሕታማት  እንተ ተስፍሖ ጽብቕ ነይሩ። ብቐንዱ ሕቶይ ግን ዘኪርካ ዲኻ ትጽሕፍ ወይስ ደያሪ ትሕዝ ነይርካ ኢኻ።
  • ደያሪ የብለይን። ጥራዝ ካበይ ክመጽእ። ዝበዝሐ ብምዝካር እየ ዝጽሕፎ። መጽሓፍ ምጽሓፍ መጀምምርያይ ስለዝኾነ ነቲ ሓበሬታ ኣብዚሐ እቲ ጽሑፍ ኣቐርጥው ምባሉ እየ መሪጸ። ንኣብነት ኣብ ናይ ከበባ ናቕፋ ዝነበረ ናይ ሃድን ንጥፈታት ኣነ ካብቶም ሃደንቲ’የ ነይረ። ኣብዛ መጽሓፍ ከእትዎ እናበልኩ ኣየስፈርክዎን። ነቲ ምጽሓፍ ተበጊሰሉ ስለዘለኹ ግን ብሕጂ እንታይ ይገብር  ክንርእዮ ኢና። ድሮ ውን “ ኣብ ህቦቡል ኩናት” ትብል ክላእይቲ መጽሓፍ ኣዳልየ ኣለኹ። እዚ ውን ብዝኽሪ እየ ጽሒፈዮ። ከመይ ምዃኑ ዳኣ እይርዳኣንን ምበር ናይ መጀመርያ ዓመታት ምስላፋይ ክሳብ መፋርቕ ሰመንያታት ጽቡቕ ጌረ እየ ዝዝክሮ።
  • ታሪክ ውልቀ ዝኽሪ ክባሃል ከሎ ናይ ምሉእ ዕድሜኻ ክኸውን ይጽበ። ናይ ድሕሪ ናጻነት ተመኩሮኻ ኣብ ዝቕጽል መጻሕፍትኻ ከተጠቓልሎ ዲኻ፧
  • ድሕሪ ናጻነት ከም ናተይ ኣይሓዝክዎን። ኣነ ዝያዳ ዝኹርካሓኒ እዚ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና እዩ። ብፍላይ ቅድሜና ዝነበረ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና ብጣዕሚ ‘ዩ ዝሰክፈኒ። ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ ማህጸን ተሓኤ ከም ዝዓኾኸ ንፈልጥ፣ መሪሒነት ተሓኤ ኣብ ቃልሲ ዝፈጠሮ ዕንቅፋት ንግንዘብ፣ እቶም ድሞክራስውያን ሓይልታት ቃልሲ ኣብ ውሽጢ ተሓኤ ኮንካ ክቕጸል ከምዘይክእል ምስ ኣመኑ በብዝጥዕሞም ወጽዮም ንህዝባዊ ሓይልታት መስሪቶማ።  ኣብ ደንከል ዝነበረ ሓይሊ ኣብ’ዚ ዶ ኣብ ሳሕል ንኹን ክብል ከሎ፣ ኣብ ዓላ ዝነበረ ካላእይ ወገን ሃድን ኮማንድስን ጦር ሰራዊትን ክሕባእ ናብ ሰሜናዊ ባሕሪ ዝገበሮ ምግዓዝን ጸላኢ ደድሕሪኦም ምስሳዓበ ንሕድሕዶም ከይጠላለሙ ጸጸር ዝተዋሓሕጥዎ ቅድሚ ገለ ዓመታት ዝተሰውአ ትንሳኤው ሃይለ ( ወዲ ሃይለ) ዝነገረና ዛንታ መንዩ ኣስፊሑ ክጽሕፎ፧  ሰውራ ብሓፈሻዊ ታሪኽን ውልቃዊ ታሪኽን ኣተኣስሳሲርካ ክግለጽ ኣለዎ። እዚ ስክፍታ እዚ እዩ ውን እንተዋሓደ ካብቲ ንፈልጦ ዘይንጽሕፍ ኢለ ክጽሕፍ ዝደረኸኒ። ሕጂ ከም ኣንበብቲ ተተባብዑኒ ስለዘለኹም ገና ክቕጽሎ’የ። ናይ ድሕሪ ናጻነት ብፍላይ ወራር ወያነ ግን ንዓኹም ንመንእሰያት ምሃብኩኹም። ኣብ’ቲ ወራራ ንሕና እዘዝቲ ኮይና ኢና እምበር ምስ ጸላኢ ቦንባ ዝተዳራብኹምን ካላሽን ዝተኮስኩምን ንስኻትኩም ኢኹም።
  • ኣብ ፈለማ ምስላፉ ምስ ጠመየ ዝመናጠል፣ ጥመየት፣ ጽምኢ ዝኸብዶ፣ መግቢ ክመናጠል ክብል ዝቕጻዕ ተጋዳላይ ርኢና። እዚ ኣብ 1991 ዝኣተወ ተጋዳላይ ግን ውዱእ ሰብ (ኣበር ኣኣልቦ) ኮይኑ ዳርጋ መጽዩ። ሓይሊ ናይቲ ሕብረተሰብ ድዩ ወይስ ህ.ግ ፍሉይ ኣኣገባብ ኣመላምላ ነይርዎ።
  • .ህ.ግ ከም ፈብሪካ ሰብ ሰሪሑ ዝቕርብዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ታሪኽና ምርምር ካብዘድልዮም ዛዕባታት ሓደ ህ.ግ ካብዚ ክንገልጾ ዘምሰና ድሕረ ባይታ ተበጊሰ ከመይ ጌሩ ነዚ ዓርሞሸሽ ጸላኢ ክስዕሮ ክኢሉ፧ ህ.ግ ብቑጽሪ ውሑድ በቶም ክብርታት ግን ጸብለል ኢሉ እና ተዓወተ ወጽዩ። ካልእ ይትረፍ ንደቅንስትዮ ከመይ ጌሩዩ ጸቕጢ ሕብረተሰብ ረስዔን ቁምጣ ስረ ገረን ብቑዓት ተጋደልቲ ክኾና ክኢለን፧ ስለ’ዚ ሓደ ዓቢ ናይ ስነ-ኣእሙሮ ስራሕ ኣሎ ማለት’ዩ። ህዝባዊ ግንባር ዝመስረቱ ቀዳሞት ተጋደልቲ ህዝባዊ ሓይልታት ቅድሚ ሰብ ንምስዋእ ዘርኣይዎ ዝነበሩ ተወፋይነት እቲ ዝተረፈ ተጋዳላይ ኣሰሮም ክስዕብ ዝገብሮ ዝነበረ ጽልዉኡ ቀሊል ኣይኮነን። ብዘይካ’ዚ ተራ ውልቀሰብ ኣብ ታሪኽ ውን ክንዝንግዕ የብልናን። ሽም ንህቢ ተዘይብልካ ተዘሪግካ ኢኻ ትተርፍ። ወራር ወያነ እፍሽልካ፣ ዶብ ከተሕንጽጽ ምኽኣል፣ ውዲታት ጸላእትና ፈሺሉ ኢትዮጵያ ኣብ ቀራና መገዲ ምህላዋን፣ ሕቶ ምውራድ ካብ ስልጣን ቀዳማይ ምኒስተር፣ ንሕና ሃገራዊ ርግኣትና ሓሊና ክንህሉ ምኽኣልና ተራ መሪሕነት ኣብ ግምት ከነእትዎ ዘለና ይመስለኒ። ስለ’ዚ ኣብ ህ.ግ ዝተፈጥረ ሓባራዊ ረቛሒ ናይ ስነ- ኣእሙራዊ ኣቓውማ ኣማዕቢልና ብሄር፣ ሃይማኖት፣ ቋንቋ ድሕሪ ሓገር ምስራዕና ቀሊል ሃገራዊ ባህሊ ኣይኮነን። እዚ ኻኣ ዝያዳ ህ.ግ ዝፈጠሮ’ዩ።

 

ኣብ መዛዘሚ ኮለኔል ኣስረስ ንሃማምትኤ ይኹን ካልኦት ጉድሳት ኣብ ምዕቃብ ታሪኽ ክህልዎም ዝኽእል እጃም ተላብዩ እዩ ዛዚምዎ። ንዘጋጥም ዘሎ ብዝሒ መስዋእቲ ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ክሳራ ናይ ታሪኽ ንምድሓን  ማሕበር መንእሰይ ጥረ ሓበሬታ ዝእክበሉ ፕሮጀክት እንተዘበግስ፣ ከም ስነድ ኮይኑ ነቶም ምስ ግዜ ዝፈርዩ ጻሓፍቲመወከሲ ምኾነ። ቫይናክ ታሪኹ ከይሃበ ከይዱ እንተ ኢለሙኻ ክንድምንታይ ታሪኽ ተደብዩ ኣሎ ማለት’ዩ። እዚ ማሕበር እንተዋሓደ ኣብ ምእካብ ጥረ ሓበሬታ ገለ ክገብር ትጽቢት ከምዘለዉ ኣዘኻኺሩ። በዚ ድማ ናይቲ ምሸት መደብ ተዛዚሙ።

ክፍለ በላይ

287 total views, 3 views today

(Visited 42 times, 1 visits today)

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *