ዓወትና ፍረ ጽንዓትና

ብሓፈሻዊ ኣገላልጻ ዕላማን ቃልሲን ህዝብታት ፍትሓዊን ዘይፍትሓዊን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ደምበ ከፊልካ ክርአ ይከኣል እዩ። ኣንጻር ጭቆና፡ ምዝመዛ፡ መግዛእቲን ዝተፈላለየ በደላትን ዝካየድ ቃልሲ “ፍትሓዊ” ክበሃል እንከሎ፡ ብኣንጻሩ፡ ምልኪ፡ ምዝመዛ፡ ግብትናን ዓሎቕን ንምንጋስ ዝካየድ ቃልሲ፡ ዋላ’ኳ በቶም ተጣበቕቱ፡ ርትዓዊ ከምስሎ ዝኽእል መመኽነይታ ዝቐርበሉ እንተኾነ “ዘይፍትሓዊ” እዩ።

ተዓዋትነት ናይ ዝኾነ ቃልሲ ወይ ጉዳይ ፍትሓዊ ይኹን ዘይፍትሓዊ ዝውስን፡ ብቕዓት በዓል ጉዳይን እቲ ዝኽተሎ መስመር፡ ሜላን ኣገባባትን’ዩ። ዝኾነ ቃልሲ ፍትሓዊ ድዩ ዘይፍትሓዊ ብዘየገድስ ክዕወትን ዘይክዕወትን ይኽእል እዩ። ተዓዋትነቱ እቲ ዝኽተሎ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ካልእን ስትራተጂን ስልቲን ሜላታትን፡ ከምኡ’ውን ቁጠባዊን ቴክኖሎጂያዊን ጸጋታት’ዩ ዝውስኖ። ፍትሓዊ ዕላማ ዘለዎ ቃልሲ፡ ብዝተፈላለየ ድኻማት ርሑቕ ከይከደ ክቚልዕ ወይ ክሰዓር ተኽእሎ ኣሎ። ብኣንጻሩ ድማ፡ ዘይፍትሓዊ ዕላማ ዝሓዙ ዓመጽቲን ገበትቲን ንድኻም ፍትሓዊ ቃልሲ ብምምዝማዝ ብብልጸት ስልቲን ሜላታትን ቁጠባዊን ቴክኖሎጂያዊን ጸብለልታ ክዕወቱ ይኽእሉ እዮም።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ኣብ ጽኑዕ ሕጋዊን ፍትሓዊን መስመር ረጊጹ፡ ከቢድ ፈተነ ሰጊሩ፡ ፍትሒ ብምርግጋጽ፡ ብኣንጸባራቒ ዓወት ናብ ሓድሽ መድረኽ ኣብ ዝሰጋገረሉ መድረኽ ንርከብ ኣለና። ኣብዚ እንኣትዎ ዘለና ሓድሽን ትስፉውን መድረኽ እምበኣር፡ ንታሪኽ ኤርትራን ኤርትራዊ ሃገራውነትን ንድሕሪት ተመሊስካ ብምድህሳስ፡ ነቲ ዝሓለፍናዮ ከቢድ ፈተነታት ክንሰግሮ ዘኽኣለና ዓቢ ረቛሒ ምጉልሑ ኣገዳሲ ይኸውን።

ከምዝፍለጥ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝኾነ ተጻባኢ ባህርይ ዘይብሉ፡ ብዘይካ ሓርነቱ፡ ግዝኣታዊ ሓድነቱን ሰብኣዊ ክብረቱን ምውሓስ ካልእ ዘይደሊ፡ ዘይናቱ ዘይብህግ ናቱ ዘይህብ ህዝቢ እዩ። እንተኾነ ብሰንኪ ዓይኒ ዝስሕብ ስትራተጂያዊ ኣቀማምጣ ሃገሩን ጸጋታት መሬቱን ባሕሩን፡ ንዘመናት ኣብ ቀጻሊ ናይ ወራርን መኸተን ሃዋህው ክጽመድ ዝተገደደ ህዝቢ ብምዃኑ፡ ታሪኹ ብርቅነት ኣለዎ።

ኣብ ታሪኽ ማእከላይ ዘመን ናይዚ ዞባ’ዚ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ በዚ ናይ ሎሚ ኣህጉራዊ ዶባተን ከይቈማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጸጋታቱ ብምብሃግ ብኹሉ ኩርናዓት፡ እንተላይ ካብ ስግር ባሕሪ ብምምጻእ ዝፈታተንዎ ዝነበሩ ወረርቲ እናመከተ ንስለ ሰብኣዊ መሰሉን ክብረቱን ዘካየዶ፡ ናይ “ኣይግዛእን!” ሓርበኝነት ስኑድን ዘሐብንን ታሪኽ እዩ። ዘመነ መግዛእቲ ምስ መጸ እውን፡ ምእንቲ መሰላቶም፡ ምስቲ ብሓይሊ ኣጽዋር ኣዝዩ ጸብለል ዝብሎም መግዛእታዊ ሰራዊት ጣልያን ገጢሞም ዝወደቑ፡ ዝተረሸኑን ዝተሓየሩን ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይነበሩን። ኣብ እዋን ካልኣይ ኩናት ዓለም፡ ኣብ 1941፡ ጣልያንን ሰብ ኪዳኑን ምስ ተሳዕሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ መሰል ርእሰ ውሳነኡ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኬረጋግጽ’ዩ ኣንቂዱ። ይኹን’ምበር በታ ሽዑ ዓብላሊት ዝነበረት ርእሰ ሓያል ኣመሪካ፡ “ናጽነት ኤርትራ ንስትራተጂያዊ ረብሓ ኣመሪካ ዘገልግል ኣይኮነን” ተባሂሉ ተዀሊፉ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ፡ በዚ ዕንቅፋት’ዚ ኣይተሰናበደን። ሰላማዊን ሕጋዊን ተቓውሞኡ ብሓይሊ ጭፍለቓ ንምጽዓዱ ኣብ ዝተሃቀነለን 20 ዓመታት ከኣ፡ ኢዱ ከይሃበ፡ ንፍትሒ ጸዊዑ። ሰማዒ እዝኒ ምስ ሰኣነ ከኣ፡ ብ1 መስከረም 1961 ሕጋዊ መሰሉ ብቕልጽሙ ንምርግጋጽ ዕጥቃዊ መኸተ ኣበጊሱ።

ህዝቢ ኤርትራ በቲ ውሑድ ዓቕሙ ሃገራዊን ሰብኣዊን ክበረቱ ንምርግጋጽ፡ እናተበራረዩ ምስ ዝመጹ ብዓቕሚ ኣዝዮም ጸብለል ዝብልዎ ዓለማውያን ሓይልታት ክገጥም እኳ እንተተገደደ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ክጭፍለቕን ክሰዓርን ኣይከኣለን። ኣብቲ ህዝቢ ኤርትራ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይደሉ ዝነበረ ዘመነ “ዝሑል ኲናት”፡ ካብ 1961 ጀሚርካ ክሳብ 1974 ኣመሪካን ሰብ ኪዳናን ከምኡ’ውን ካብ 1974 ክሳብ 1991 ሕብረት ሶቭየትን ሰብ ኪዳናን፡ በብተራ፡ ገዚፍ መግዛእታዊ ወኪል ሓይሊ ነዲቖም፡ ነዚ ንእሽቶ ህዝቢን መሰላቱን ንምድሃኽ መጠነ-ሰፊሕ ወራራት ኣካይዶም እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ግን ምእንቲ ሕጋዊ መሰላቱ ክምህ ከይበለ መኪቱ፡ ተዓዊቱ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ታሪኽ መሰል ህዝብታት ብርቂ ታሪኽ ሰሪሑ። ህዝቢ ኤርትራ፡ በዚ ጅግንነታዊ ናይ መኸተ ታሪኽ ሓሊፉ፡ መላእ መሬቱ ሓራ ድሕሪ ምውጻእ እውን እንተኾነ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊን መሰል ህዝብታትን ነቕ ዘይብል ፖለቲካዊ ባህሊን መትከልን ሰሪቱ እዩ። ድሕሪ’ቲ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝተጓናጸፎ ዓወት፡ ናጽነት ክእውጅ ሕጋዊ መሰሉ እኳ እንተነበረ፡ መሰል ናጽነቱን ልዑላውነቱን፡ ብድምጺ ህዝቢ (ረፈረንዱም) ዕላዊ ብምግባር፡ ተወሳኺ ኣብነታዊ ታሪኽ ሰሪሑ።

ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነታ ነዊሕ ተጓዒዙ ብጅግንነትን መስዋእቲን ዝጨበጣ ሃገረ ሓርነትን ናጽነትን፡ ነቲ ውርሻ እትበቅዕ፡ ካብ ዕብለላን ዝምታን ጽግዕተኛነትን ሓራ ዝኾነት፡ ሓቀኛ ናጻን ልዑላዊትን ስምርቲን ሃገር ክትኰነሉ ንህንጸታ እጅገኡ ሰብሲቡ ተበጊሱ። የግዳስ ካብ ተጻብኦ ኣየዕረፈን። ናይ ታሪኽን ግዜን ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱን ልዑላውነቱን ዝተጓናጸፈሉ እዋን፡ “ዝሑል ኩናት” ዘኽተመሉ መድረኽ እዩ ነይሩ። በዚ ድማ፡ “ምብራቓዊ ደምበ” ተሳዒሩ ስለዝተባህለ ሓይልታት ምዕራብ፡ ብእኦም ዝቕለስ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ንምፍጣር፡ ዘይክውንነታዊ ፖሊሲታት ክኽተሉ ተራእዮም። በዚ ግጉይ ፖሊሲታት’ዚ ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ ርብዒ ዘመን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊታት ዓለም ዝተኸስተ ቅልውላዋት፡ ዝርገት፡ ህልቂትን ዕንወትን ማእለያ የብሉን። ኣብ ክሊ ናይዚ ፖሊሲታት’ዚ ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዳግማይ ካብ ቅሉዕ ወራር ጀሚርካ፡ ብዙሕ ግሁድን ስውርን ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ተጻብኦን ሽርሒታትን ክገጥም ተገዲዱ።

ኣብዚ ድሕሪ ናጽነት ዝመጸ ዳግማይ ናይ 20 ዓመት መኸተ እውን እንተኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብገዚፍ ወራር፡ ብጻዕቂ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ሽርሒታት፡ ምስይጣንን ታህዲዳትን ከይተሰናበደን ከይተዓግተን፡ ንወለዶታት ብዘመስከሮ ጽንዓት፡ ነቲ ምእንቲ ልዕልና ሕጊን ፍትሒን ዘካየዶ ቃልሲ መሊሱ ዝዂልዕ ዘሐብን ታሪኽ ብምፍጻም ነቲ ረዚን ታሪኹ ዝያዳ ድምቀት ወሲኹሉ ኣሎ።

ዕላማ ናይቲ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈነወ ቅሉዕ ወራርን ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ዲፕሎማሲያውን ተጻብኦታትን፡ ብዋጋ ሃብቲን ህይወትን ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ገሪፍካን ኣንበርኪኽካን ሓንቲ ትርጉም ህላወ ዘይብላ ብሃሱስ ወኪል መንግስቲ እትመሓደር ሃገር ክውን ምግባር’ዩ ነይሩ። ነዚ ናይ ርሑቕ ዕላማ መመሳመሲ ዝኸውን ሰበብ ንምፍጣር ድማ “ባድመ ተወሪራትና” ዝብል ምኽንያት ተማሂዙ። ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበሩ መራሕቲ ኢትዮጵያን ናይ ግዳም ደረኽቶምን፡ ባድመ ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላት (1900፡ 1902፡ 1908) ኣካል ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ምዃና ኣዳዕዲዖም ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ብስነ-ሞጎት ሓይሊ ሓቂ ደፊንካ፡ ነቲ ብድሕሪ ወተሃደራዊ ወራር ዝተኸወለ ዝዓበየ ዛዕባ ናብ ጋህዲ ምቕያር ዝከኣል ስለዝመሰሎም ግን፡ ነዚ ፈጠራዊ ክሲ’ዚ ምሂዞም መጠነ ሰፊሕ ኲናት ኣካይዶም። እንተኾነ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዳግማይ ፈተነ እውን ኣይተኻእለን።

እቲ ዘሕዝን ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ነዚ ብናይ ሓሶት ቁልዒ ዝጓሃረ ኲናት፡ ከቢድ ዋጋ ክኸፍልሉ ተገዲዶም እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ወራር ስለዝመጾ፡ ንስለ ህላወኡ፡ ሰብኣዊ ክብረቱን ግዝኣታዊ ሓድነቱን ዝኸፈሎ ዋጋ ብምዃኑ፡ ዋላ እኳ ብዘይድሌቱ ተገዲዱ ዝኣተዎ እንተኾነ፡ እቲ ዝኸፈሎ መስዋእቲን ተጻዊሩ ዝሓለፎ ከቢድ ሳዕቤናቱን ግድን ክሰግሮ ዝነበሮ እዩ። በዚ ዓንዳሪ ኲናት’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ግን፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኸሰሮ ሃብቲን ንዓመታት ዝወረዶ ቁጠባዊ ኣደራዕን እውን ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን።

ርግጽ’ዩ፡ ጸገም ዝምነዮ የለን። ግን ከይደለኻዮ ክመጽእ እንከሎ፡ ሰጊርካዮ ኣብ ምሕላፍ ዝጥረ ሓይሊን ብቕዓትን ኣሎ። ብድሆታትን ሽርሒታትን መድረኽ ናጽነት ከኣ፡ ብኣንጻር ትጽቢትን ምህለላን ተጻባእቲ፡ ንኤርትራዊ ሃገራውነትን ፍትሓዊ ዕላማኡን ዝያዳ ኣድሚቑ፡ ንሃገራዊ መንፈስን ጥምረትን ህዝቢ ኤርትራ መሊሱ ኣሰዊድዎ ኣሎ።

 

ወትሩ ዕዉታት እንኾነሉ ምስጢር እንታይ’ዩ?

ህዝቢ ወይ ሕብረተሰብ ዝፈጥር ወሳኒን ረቂቕን ረቛሒ፡ ኣብ ኣእምሮ ሰባት ዝሰርጽ ባህልን ክብርታትን እዩ። መሰረት ህላወ፡ ቀጻልነትን ምዕባለን ሕብረተሰብ ኣብ ዝኾነ እዋን፡ ሕብረተሰብ ክኹስኲሶ ዝኸኣለ ባህሊ እዩ።

ኣብ ግዜ ገድሊ. . . ገለ ተዋዘይቲ፡ “ኒሕ፡ ሓቦ፡ ስኒ-ምንካስ፡ ምጽማም” ዝብሉ መግለጺ ልዑል ተጻዋርነት ዝኾኑ ኣምራት፡ “ኣብ መዝገበ-ቃላትና ጥራይ ዝርከቡ እዮም” ይብሉ ነይሮም። እዚ ዋዛ’ዚ፡ ካልኦት ህዝብታት ከምኡ ዓይነት ባህርይ የብሎምን ንምባል ኣይኮነን። የግዳስ ክቱር ምጽማም ከም ሓደ ክብሪ ናይ ወዲሰብ፡ ዝለዓለ ጥርዙ ጎሊሑ ዝተራእየሉ ኣብቲ ነዊሕን መሪርን ተጋድሎ ኤርትራውያን ንናጽነት ምዃኑ ንምምልካት እዩ። ብርግጽ ድማ ኣይተጋነነን። ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብቲ ናጽነት ክደሊ ዘሕለፎ ነዊሕን ጽንኩርን እዋን፡ እንኮ ዋሕሱን ዝተኣማመነሉን ጸጋ፡ ሓይሊ ጽንዓቱን ምጽማሙን እዩ ነይሩ። ርግጽ እዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ሃገርን ህዝቢን ህላወኡ ብምውሓስ፡ ስሙር ሃገር ንምዃን ዘብቅዖ ካልእ ዝተፈላለየ ብዙሕን ብሉጽን ሕብረተሰብኣዊ ክብርታት ኣለዎ። ልዑል ተጻዋርነትን ነቕ ዘይብል ጽንዓት ኣብ መስመርን ምጽማምን ግን ካብዞም ክብርታት እዚኣቶም ጎሊሑ ዝጥቀስ እዩ። ኤርትራ ጽንዓትን ምሒር ተጻዋርትን ህዝባ፡ ኣውራ ድማ መንእሰያታ እንተዘይህሉ፡ ብመንጽር ዝገጠማ ከቢድ ብድሆ፡ ከም ሃገር ክትሰርር ኣምበይ ምኸኣለትን።

ኣብ እዋን ገድሊ ንናጽነት ጥራይ ዘይኮነ ድሕሪ ናጽነት እውን ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ምስ ባህሊ ጽንዓትን ተጻዋርነትን ህዝቢ ኤርትራ ተራጺሞም ዝበርዓኑ ተጻብኦታት ጸብጺብካ ዝውድኡ ኣይኮኑን። ዝዓበየ መርኣያ ናይዞም ተጻብኦታት፡ እቲ ቅሉዕ ወተሃደራዊ ወራር’ዩ። የግዳስ፡ እቲ ዕንደራ፡ ኣብ ቅልጽም መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ሓቒቑ። እቲ ወራር ምስ ፈሸለ ድማ፡ ነቲ ዝተፈጸመ ገበን ንምሕባእ፡ ድምጽና ንምዕባስን ኣእዳውና ቀዪድካ ናይ ርእሰ-ምክልኻል ጉልበትና ንምምካንን ማእለያ ዘይብሎም ሽርሒታት ስዒቦም። ሃገር ሰባ ንምብዳም ብዝተወደበ ኣገባብ፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ክፍጸም ዝጸንሐ ናይ ፍልሰት ገበናት፡ ዲፕሎማሲያዊ ተነጽሎ ንምስግዳድ፡ ባህላዊን ማሕበራዊን ብረዛ ንምንጋስ፡ ምስሊ ሃገርን መንግስቲን ደዊንካ ንምስይጣን ዝተኻየደ ስነኣእምሮኣዊ ኲናት፡ ኩሉ ዕላማኡ፡ ነቲ ብዓረርን ሓዊን ዘይተኻእለ ጽንዓትን ተጸዋርነትን ህዝቢ ኤርትራ ምልሕላሕን ምጽዓድን እዩ ነይሩ። ሃገርን ህዝቢን ብድኽነትን ዓጸቦን ቁጠባዊ ሕሰምን ተሸጊሩ ምእንቲ ክሳቐን ኪነዓዓብን ኪስደድን ካብ ዓበይቲ ልምዓታዊ ወፍርታት ምዕንቃጽ ጀሚርካ፡ ክሳብቲ ኣብ ወጻኢ ርሂጹ ዝነብር ዘሎ ዜጋ ንቤተሰቡ ዝሕውሎ ገንዘብ ንምሕናቕ ክካየድ ዝጸንሐ ሽርሒታት ድማ፡ ዕላማኡ፡ ዓቕሚ ከይነሰስን ምሕንኳል’ዩ ነይሩ። የግዳስ ጽንዓትን ምጽማምን ህዝቢ ኤርትራ ክንዮ’ዚ ኩሉ ብድሆታት ዝበረኸ ኮይኑ ተረኺቡ።

ዘይጽዓድ መንፈስ፡ ጽንዓት ኣብ መስመርን ልዑል ጽሮትን እምበኣር ዓንዲ ማእከል ሃገራዊ ክብርታትና እዩ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ሃገራዊ ፍቕርኻ ብግብሪ ንምርኣይ ዝጠልቦ ተጻዋርነት ኣሎ። ጅግንነት፡ መዓንጣን ድፍረትን ጥራይ ዘይኮነ ልዑል ተጻዋርነት ይሓትት። ስእነት፡ ሕሱም ጥሜት፡ ጽምኢ፡ ከቢድ ዕርቃን ወዘተ. ምጽዋር እቲ ዝዓበየ መግለጺ ናይ ጅግንነትን ትብዓትን እዩ። ንስለ ሓቂን ፍትሒን ነግ ፈረግ ከይበልካ ጸኒዕካ ደው ምባል ብዘይ ተጻዋርነት ዝከኣል ዕማም ኣይኮነን። ልምዓት እውን ከም ዕላማ፡ ጸገማትን ብድሆታትን ተጸሚምካ ከይሓለፍካ ክብጻሕ ዝኽእል ኣይኮነን። እቲ ንኹሉ ብድሆታት ኣስጊሩ ብተደጋጋሚ ንዓወት ዘብቅዓና ዘሎ ክብሪ እምበኣር ብቐንዱ እዚ ነቕ ዘይብል ጽንዓት ኣብ መስመርን ልዑል ተጻዋርነትን እዩ።

ብዝኾነ ዓይነት ዕንቅፋት ከይተረበሽካ፡ ብጽንዓትን ተጻዋርነትን ኣብ መስመርካ ጸኒዕካ ምኻድን ምዕዋትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ነዊሕ ቃልሱ ዝተሞኰረሉን ዝመለኾን ጉዕዞ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝተራእየ ተጻብኦታት ማህሰይቲ ኣየወርደልናን እኳ እንተዘይተባህለ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ግን ካብ መስመሩን እምነቱን ሸብረኽ ኣየበሎን። ጀሆ ክሕዞን ካብ ስራሕን ግስጋሰን ከብኲሮን እውን ኣይከኣለን።

ዘለናዮ መድረኽ እምበኣር ምህርቲ ጽንዓትናን ተጻዋርነትና ዝሕፈሰሉ መድረኽ እዩ። ሳላ ኣብ ሕጋዊ መርገጺና ዝጸናዕናን ዝተጸመምናን ኣብ ኣዝዩ ዘተኣማምን ውሑስ ባይታ ክንረግጽ በቒዕና ኣለና። ሰፊሕ ዕድላትን ረብሓታትን ድማ ኣብ ቅድመና ተገቲሩ

316 total views, 1 views today

(Visited 35 times, 1 visits today)

Eri-Youth

The owner of this website is the Eritrean union of youth and students.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *