ክብርታት ክብረት የምጽኡ!

ራእዪ!

ኤርትራዊ መንእሰይ ራእይኡ ብኸመይ ከተግብር ከም ዝግብኦ ንኽፈልጥ ብዙሕ ሃልኪ ኣየድልዮን እዩ። ሰባት ኣለዉዎ ዝንበቡ፣ ታሪኽ ኣሎዎ ምግንጻል ጥራይ ዝጽበ፣ ቦታታት ኣለዉዎ ምብጻሕ ጥራይ ዝደልዩ።

ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ቁጽይ ዝበለ፣ ብሸዊቱ ዝሰንከለ፣ ዕድል ገይሩ ዓዲ ዝኣተወ ሰብ ኣሎዋ እዛ ሃገር። ጠሚትካዮም ጥራይ ታሪኽ-ታሪኽ ዝሽትቱ ሰባት ኣለዉና ኣቱም …፣ ምስ በጻሕካዮም ቅያታት ዝሕብሩ ቦታታት ኣለዉና… ኣቱም መንእሰያት!

“ገለ ቁንጣሮ ፈጠርቲ ሽግር… ባንዴራናዶ ናጽነትና ይብሉ ኣለዉ’ሞ… ኬድኩም እስከ ቅጽዕ… ቅጽዕ ኣብሉዎም” እኳ’ዮም ኢሎሞም እቶም ጸላእቲ። ዘይስስኑ መሲሉዎም፣ ፈቖዶ ጎቦታት ደድሕረኦም ብምኻድ ኣሰሮም ከጥፍኡ ሒዅ ክብሉ ኸለዉስ፣ እንታይ ዓይነት ራእዪ ስለ ዝነበሮም እዮም ተስፋ ዘይቈረጹ?

“ናጽነት”፣ ዝብል ራእዪ ቀሊል ራእዪ ኣይኰነን። ራእዪ ውልቀ-ሰብ ድማ ኣይኰነን። ራእዪ ሕብረተሰብ ጸይርካ፣ ብቑንጣሮ ዓቕሚ ብግስ ምባል ተኣምር’ዩ። እቲ ገድሊ፣ ከም ስሙ ገድሊ እዩ፤ ግናይ ገጽ ሂወት። ትንፋስ ዘይህብ ሃልኪ፤ ኣብዚ መውጋእቲ፣ ኣብቲ መስዋእቲ። እቲ ዕላማ፣ ናጽነት ንምምጻእን ጸላኢ ካብ መሬትካ ንምሕግሓግን ስለ ዝነበረ፣ “ከቢድ’ዩ ነይሩ” ጥራይ ምባል፣ ንኽብደቱ ዘፋዅስ’ዩ። እቲ ምንታይ፣ እቲ ቓልሲ ኪንዮ ሃልኩ፣ ኪንዮ ገልታዕታዑ፣ ልዕሊ ምረቱ፣ ልዕሊ ኽብደቱ፣ ዋጋኡ ሂወት’ዩ ነይሩ። ብዓይንኻ ንዘይትርእዮ፣ ግና ኸኣ ብዓይነ-ልብኻ ንእትስእሎ’ሞ፣ ንስኻ ዘይኰነ ድማ መጻኢ ወለዶኻ ዘስተማቕርዎ ሓርነት ንምምጻእ ዝዕላማኡ ተኣምራታዊ ዕማም። ለካ እቲ ምስጢር ኣብኡ እዩ ነይሩ። ለካ እቲ ቓልሲ ሓቁ’ዩ ክዕወት። ሂወት በጃ ክኾኖ ዝተቐረበሉ ዕላማ ደኣ ንኸይዕወት እንታይ ክዓግቶ ይኽእል?

እቲ ዛንታ- ዛንታ ፍርቂ ዘመን’ዩ። እቲ ሕልሚ ድማ ሕልሚ ሽዑ! ለካ እዛ ሃገር ውጽኢት ሕልሞም እያ። ኣብ ጐዳጕዲ ሰፊሮም እናተታዀሱ፣ ኣብ እዋን መስዋእቶም፣ “ዓወት ንሓፋሽ!” ክብሉ ከለዉ፣ ለካ እዛ ናይ ሎሚ ሃገር እያ ተራእያቶም።

ራእዪ እምበኣር፣ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ክብሪ ወዲ ሰብ ምዃኑ፣ ምህሮ ካብ ግዳም ኣየድልየናን እዩ። ራእዪ ጥራይ ዘይኰኑ ምሂሮምና፣ ንባዕሎም ራእዪ እዮም ነይሮም። እንተዀነ፣ ራእይኦም ሃገር ምምጻእ ጥራይ ኣይነበረን። ብቐንዱ ነታ ዝመጸት ሃገር ምብልጻጋ፤ ምምዕራጋ፤ ሰባ ክሓልፈሉ፣ መሬታ ብኽብረቱ ክነብር ኣካል እቲ ገዚፍ ራእዪ እዩ ነይሩ።

***

ግዜ!… ጸዋሪ ራእዪ

ግዜ፣ ንዓና ዝኸውን ግዜ የብሉን፤ ወትሩ ይሕምበብ። ሰብ ኣብ ግዜ እዩ ዝነብር፤ ብግዜ ድማ ይነብር። ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ምድሪ ትበርህ፤ ክትዓርብ ከላ ድማ ትጽልምት። ሰብ ከኣ ባህሪ ስለ ዝግድዶ፣ መንብሮኡ ብመንጽር’ዚ ይኸውን። ምብራቕን ምዕራብን ጸሓይ ግና ንሰብ እምበር ንግዜ ኣየገድሶን እዩ። ግዜ፣ ጸሓይ በሪቓ ኢሉ ኣይጐይይን እዩ፤ ጸሓይ ዓሪባ ኢሉ’ውን ኣይድቅስን እዩ፤ ይኸይድ ጥራይ። እቲ ትማል ምሳና ዝነበረ ግዜ፣ ሎሚ ቅድሜና ሓሊፉ ኣሎ። ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ድማ ምልላይ ክሳዕ እንስእኖ ካባና እናረሓቐን እናደቐቐን ይኸይድ። ንቕድሚት እምበር፣ ብዛዕባ ድሕሪኡ ዝገደፎ ስለ ዘይግደስ ድማ ቍሊሕ ኢሉ’ውን ኣይርእየናን እዩ። ግዜ፣ ዓይኒ የብሉን፤ ኣይርእይን እዩ። ንገለ ብእንቅዓ ንገለ ድማ ብካዕቦ እናበለ ደቓይቕ ወይ ካልኢታት ዝዕድል ኣምር ኣይኰነን። ግዜ፣ ሻራ ዘይብሉ ጸጋ እዩ። ንኽትምዕብል ዝገብረካ ግዜ እዩ፤ ጭራ እንተ ተረፍካ’ውን ፈጺሙ ዝዓጦ ኣይኰነን።

ግዜ፣ ዋላ’ኳ ንኹልና ብሓደ ዝብጽሓና እንተኾነ፣ ብሓደ ዓይነት ኣገባብ ክንጥቀመሉ ይግባእ ማለት ኣይኰነን። ኣለቃሓይ ደቂሱ ስለ ዝሓደረ፣ ተለቃሓይ’ውን ከምኡ በጥ ኢሉ ክሓድር ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ፣ ንኽልቲኦም ሓደ ዓይነት መዓልቲ ኣይኰነን ዝጽበዮም። እቲ ዝበዝሐ ናይ ህይወት ሕቶታትና ብርግጽ ብግዜ እዩ ዝምለስ። ግና ኸኣ ንሕና ብኾፍና፣ ግዜ ባዕሉ ዘይኰነ ዝምልሶ፣ ንሕና ኣብ ግዜ ተወጢሕና እንተ ጋሊብና ኢና እንምልሶ።

ንሕና፣ ጠንቁ ብዘየገድስ ገና ኢና ዘለና። ፍልጠት ይጐድለና፣ እንጌራ ድማ ይውሕደና። ግና ኸኣ ንኸምኡ እተፈጠርና ወይ ብዕጫና እተረታዕና ኣይኰንናን። ሕሉፍና፣ ግዜ ሰሪቑና እዩ። ግና ኸኣ ምሂሩና እዩ፤ ማእለያ ዘይብሉ ምህሮ! እተሰርቀ ግዜ፣ ብዝያዳ ጻዕሪ እዩ ‘ዝትካእ’። ስለዝኾነ ድማ ኢና ሕልፊ ሰብና ጻዕሪ፣ ልዕሊ ዓለምና ሃልኪ ንሕተት ዘለና። እዚ ኸኣ ብቐንዱ ኣብ ግዜ ብዘሎና ኣምር እዩ ዝምእዘን። ሰብ፣ እዚ ወዲ ሰብ፣ ሓጺን ዝለበሰ ፍጡር ስለ ዘይኰነ ዕረፍቲ የድልዮ። ግና ኸኣ ሰብ፣ ‘ምሉእ ሰብ’ ንክኸውን ካብ ዕረፍቱ እንተ ቘርመመ ንቡር እንድኣሉ። ምኽንያቱ፣ ግዜ ዝእወድ ሰብ፣ ግዜ እንተ ኣባኸነ፣ መሊሱ እዩ ዝዕደ። ጽባሕ ብጻዕርና ምስ ረሃወና፣ ጽባሕ ፍልጠት ደሊብና ምስ ተርናዕና፣ እቲ ሰብ ዘዕርፎ ዕረፍቲ ኣብኡ ክጸንሓና እዩ። ክሳዕ ሽዑ ግና ክንቃለስ ኣለና ምስ ግዜ፤ ምስዚ ሸባዕባዓ።

እዚ ናይ ሎሚ ሰብ ከምቲ ናይ ቀደም ስለ ዘይኰነ፣ እዛ ናይ ሎሚ ዓለም’ውን ከምታ ናይ ቀደም ኣይኰነትን። ትስድር ኣላ እናበልካያ ትስጕም፤ ትስጕም ዘላ ይመስለካ’ሞ ትጐዪ፤ ጕያኣ ኣሻብ ናብ ሕምባበ ከም ዝቕየር ድማ ኣይርድኣካን። ከምኡ ስለ ዝኾነት፣ ኣሰር-ኣሰራ ክትስዕብ እንተዘይክኢልካ፣ ካብኣ ትተርፍ ጥራይ ዘይኰነ፣ ካብኣ ክትጠፍእ እውን ትኽእል ኢኻ። ኣብኣ ዘለኻ ይመስለካ’ሞ፣ ግና ኸኣ ስለ ዘይትርድኣካ ሱቕ ኢልካ ንስለ ምንባር ትነብር። ምስጢር ምዕባለኣ ኾነ ምስጢር እቲ ዝውንጭፋ ዘሎ ሓይሊ ግና ብቐንዱ ግዜ እዩ። ኣብ ምዕባለ ዝውዕል ዘሎ ግዜ ይበዝሕ ኣሎ፤ ኣብ ቀንጠ-መንጢ ዝጠፍእ ግዜ ይውሕድ ኣሎ። ዘይሩ ዘይሩ ነዚ ዝቈጻጸሮ ፍጡር፣ ሰብ’ዩ፤ ሰብ እዚ ኸማና።

ብዝኾነ፣ ግዜ ድሮ’ኳ ብዛዕባኡ ክንዛረብ ይሓልፈና ኣሎ። ግና ኸኣ ዘረባና ንኸንቱ ምእንቲ ኸይከውን፣ እቲ እንዛረቦ ቍም-ነገር፣ እቲ እንሰርሖ ዓቢ ነገር፣ እቲ ብግዜ ክንሰርሖ እንሓስብ ዕዮ ድማ ኸምኡ ገዚፍን ጸላውን ክኸውን ይግባእ።

ዕዮ… ፈጻሚ ራእዪ!

“ሃካይ ሰብ ዕድለኛ ኣይኰነን” ዝብል ምስላ ዓረብ ኣሎ። ዕድል ኣብ ምንቅስቓስን ኣብ ምፍታሽን እዩ ዝርከብ። እቲ ሓድሽ ነገር ዝፍትን ሰብ፣ ሓድሽ ነገር ክረክብ ዘሎ ተኽእሎ ንእሽቶ ኣይኰነን። እቲ፣ ለውጢ ገዛኡ ኳሕኲሑ ክመጾ ዝጽበ ሰብ፣ ክርመስን ንድሕሪት ክጕተትን ዘሎዎ ተኽእሎ’ውን ንእሽቶ ኣይኰነን። ትህኪት ሓደ ካብ ዓበይቲ ጠንቅታት ውድቀት ሓደ ሰብ እዩ። ትህኪት፣ ካብ ንመሓውርና ንላዕሊ፣ ንኣእምሮና እዩ ዘልምሶ።

ኮሊን ተርነር፣ ኣብታ “ቦርን ቱ ሳክሲድ” እትብል መጽሓፉ፣ “ትህኪት፣ ልምዲ ናይ ከይደኸምካ ምዕራፍ እዩ” ብምባል ይገልጾ። እቲ ዝኸፍአ ገጽ ናይ ትህኪት፣ ሓንሳእ ከም ኣመል እንተ ሰሪጹ፣ ክትኣልዮ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ እዩ።

ትህኪት ከም ኣምር፣ ብዙሕ ገጻት ኣሎዎ። እቲ ሓደገኛ ጫፉ፣ ክሳዕ ከይሰራሕካ ወይ ከይረሃጽካ ክትነብር ምድላይ ዝኸይድ እዩ። እቲ ኣብ ብዙሓት ሰባት ዝርአ ናይ ትህኪት ገጽ ግና፣ “ንጽባሕ” ምባል እዩ። ሎሚ ክትገብሮ ንእትኽእልን ክትገብሮ ዝግብኣካን ነገር፣ ናብ ጽባሕ ምስግጋር ግናይ ኣመል እዩ። እዚ ብዋዛ ዋዛ ዝጅመር ሕማም እዩ። ቀስ ብቐስ ግና ናብ ሕዱር ልምዲ ይቕየር።

“ደሓን ጽባሕ ክሰርሖ እየ” ዝብል ምኽኒት፣ ንስራሕ ይሃሲ ይኸውን። ንመሳርሕትኻ’ውን የግድዕ ይኸውን። ብቐንዱ ግና ንዓኻን ንዕድልካን እዩ ዝሃሲ። ንስኻ ንስራሕካ ን”ጽባሕ” ብምባል ከተሰጋግሮ ከለኻ፣ ገለ ሰባት ከኣ መዓልቲ ሓጺርዎም ለይቲ ወሲኾም ይሰርሑ። እዚኣቶም ጽባሕ ንግሆ ካባኻ በሊጾም እንተ ተረኽቡ፣ ብፍጹም ክትግረም ኣይግባእን። ከተመኽኒ እውን መሰል የብልካን። ንፉዕ እንተዄንካ፣ ካብ ጌጋኻ ቀልጢፍካ ተማሂርካ ከምኦም ክትከውን ጸዓር። እንተዘይኰይኑ ግና ጽባሕ፣ “እዚኣቶም’ኮ ትማል ምሳይ’ዮም ነይሮም” ኢልካ ሓደው ብቕንኢ ክትሓምዮም ኢኻ፣ ሓደው ከኣ ክትሓፍር ኢኻ። ፈቲኻ ጸሊእካ ግና ማዕሪኦም ኣይክትከውንን ኢኻ፤ ማዕሪኦም ስለ ዘይሰራሕካ።

ኩሉ’ዚ ሎሚ ተወዲኡ ንርእዮ ዘለና ነገራት፣ ሓደ ግዜ ስለ ዝተጀመረን ብድሕሪኡ ኸኣ ስለ ዝተቐጸለን ጥራይ እዩ። ዋላ ሓንቲ ኻልእ ምስጢር የብሉን። ዓወትን ዝተዛዘመ ቤትን ብዙሕ ግዜ ብሓደ ይምሰሉ እዮም። ገዛ ክንዲ ዝወሰደ ግዜ ይውሰድ፣ ሓደ ሕጡብ ኣብ ርእሲ ኻልእ ሕጡብ፣ ሓደ እምኒ ኣብ ርእሲ ካልእ እምኒ ስለ ዝተደራረቡ እዩ ኣብ መወዳእታ ገዛ ኾይኑ። ወይ’ውን ሓደ ሓጺን ምስ ካልእ ሓጺን ስለ ዝተላገቡ እያ ቅርጺ ገዛ ሒዛ። ስለዚ ሎሚ ገለ ነገር ግበር። ጽባሕ ከኣ ካልእ ነገር። እዞም ተግባራት ተደራሪቦም ዘርእዩኻ ተኣምር ኣሎዎም። ምስጢር ናይ ዝበዝሑ ዕዉታት ሰባት እዚ’ዩ።

ሓቂ’ዩ ሂወት ኩሉ እዩ ዘድልያ። ክትሰርሕ ኣለዋ፣ ክትዘናጋዕ ኣለዋ፣  ክትፈልጥ’ውን ኣለዋ። እቲ ሓደ ካብቲ ኻልእ ዝያዳ የገድስ ንምባል ኣይኰነን። እቲ ሓደ ካብቲ ኻልእ ዝያዳ ግዜ ከም ዘድልዮ ግና ዘካትዕ ኣይኰነን። ምኽንያቱ፣ ኣብ መወዳእታ ዓለም ውድድር እያ። እቲ ኣብ ዓለም ዝግበር ውድድር ቀሊል ስለ ዘይኰነ ኸኣ ዝያዳ ክትሰርሕ ከም ዝግባእ ፍሉጥ እዩ። እቲ ምርጫ ናትካ እዩ። እቲ ዕጫ ግና ኣብ ኢድካ ኣይኰነን ዘሎ። ሃሰው ኢልካ ኢኻ ክትረኽቦ። ሃሰው ምባል ከኣ ስራሕ እዩ። ካብ ሕጂ ክጅመር ዝግብኦ ስራሕ። “ንጽባሕ” ምባል ዘየድልዮ ስራሕ።

 

* ብዙሕ’ሞ ሃሰው በል፣ ገለ ኣይክትስእንን ኢኻ። ኩሉ ሳዕ’ሞ ሃሰው በል፣ ሓደ መዓልቲ ብርግጽ ክትረክብ ኢኻ።

መንነት… ቅዱስ ቀይዲ!

ስድራናን ኣከባቢናን ንሕና ክንኮኖ ዝብህግዎ ኣሎዎም። ንሕና ድማ ክንኮኖ እንምነዮ ነገር ኣለና። ዓለም ድማ በቲ ዘሎዋ ማእለያ ዘይብሉ መርበባት ገይራ፣ ኣብ ገሊኡ ብፍላጥ ኣብ ገሊኡ ድማ ብዘይፍላጥ ከመይ ክንከውን ከም ዝግብኣና ትሕብረና።

እዚ ኹሉ ጽልዋታት ብዘየገድስ ግና ንሕና ኣብ ሓደ ክፋል ናይ ምድሪ፣ ምስ ገለ ውሱናት ኣባላት ናይዛ ምድሪ ኢና እንነብር። እቲ ሓቂ እዚ ክንሱ፣ እናሓንሳእ ኣብ ምሉእ ዓለም ንነብር ዘለና ይመስለና’ሞ፣ ኣብ ሓጺር እዋን ድማ ኩሉ ነገር ክንውንንን ክንከውንን ንህንጠ።

ሓቂ’ዩ ዓለም ብዝተፈላለዩ ምዕባለታት “ናብ ቍሸት ትቕየር ኣላ” ኢና ንብል። እዚ ግና ዓለም ብምሉኣ ትምዕብል ኣላ፤ ህዝቢ ዓለም ድማ ብማዕረ ይርህዎ ኣሎ ማለት ከም ዘይኰነ ብሩህ እዩ። ገለ ካብ ምዕባለታት ዓለም ኩልና ብሓባር ነስተማቕሮ ኣለና። ኣብ ገሊኡ ግና ንዕዘቦ ወይ ነድንቖ ጥራይ እምበር ኣብኡ ንኽንበጽሕ ግዜን ጻዕርን ከም ዝሓተናስ ንርስዖ። ወዲ ሰብ ብባህሪኡ ደላዪ ጽቡቕ ስለ ዝኾነ፣ ነቲ ገና ንሱ ዘይበጽሖ ምዕባለ እዩ ዝምነ። ከምኡ ምምናይ ድማ ሕማቕ ነገር ኣይኰነን። እንተኾነ፣ እቲ ብትርኢት ዓይንን ብኵርታ እዝንን እትሓልሞ ዓለም ባዕሉ ጎፍ ዝብለካ ኣይኰነን።

ሕመረት ዕላልና፣ ባህግና ብመንጽር ዓለምናን ህሉው ኩነታትናን ምስ እነገናዝቦ፣ ነብስና ብግቡእ ንኽንፈልጥ ስለ ዝሕግዝ፣ ጸዓትናን ግዜናን እውን ብኸመይ ክነመሓድሮ ከም ዝግብኣና ኣይክጠፍኣናን እዩ ንምባል እዩ። እዚ ማለት ግና ሕልምና ክነንእስ ወይ ባህግና ክንድርት ይግብኣና ማለት ኣይኰነን። እንታይ ደኣ መበገሲናን መዕለቢናን ብግቡእ ነለሊ ማለት እዩ። ምኽንያቱ፣ ክቱር ህንጡይነት ኣብ ዘይዓለምካ ኣቐሚጡ ከሀውትተካ ይኽእል እዩ። እቲ ሕማቕ ነገሩ ድማ ዘማዕብለካ ዘይምዃኑ እዩ። ምኽንያቱ፣ ምህውታትን ቅኑዕ ባህጊ ምህላውን ሓደ ኣይኰነን።

እዞም ኣብ ‘ዓለምና’ ንኸይንነብር ዝገብሩ ባእታታት ግና ኣየኖት እዮም? ብርግጽ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። እቶም ልዕሊ ኹሉ ዝስርዑ ግና እተፈላለዩ ማዕከናት ዜናን ማእለያ ዘይብሎም ስነ-ጥበባዊ ፍርያትን እዮም። ገለ ካብዞም ማዕከናት ኮነ ኢሎም ዘታልሉና ክኾኑ እንከለዉ፣ ገሊኦም ግና ንእግረ መገዶም ዝልክሙና እዮም።

ኢደ-እግሪ ጥራይ ዘይኰነ ኣእምሮ’ውን ግዜኡ ሓልዩ እዩ ዝበስልን ዝምዕብልን። እዞም ማዕከናት እምበኣር ነዚ መስርሕ’ዚ እዮም ዘዛብዕዎ። ብንእሽቶኻ መጢጦም ከዕብዩኻ ይህቅኑ፣ ንዘይትውንኖ ነገር ብቕልጡፍ ክትጭብጦ ከም እትኽእል፣ አረ እናሓንሳእ’ውን ከም ዝጨበጥካዮም ገይሮም የርእዩኻ። በዚ ድማ ቅድም ካብ ኣከባቢኻ፣ ጸኒሖም ድማ ካብ ውሽጥኻ ካብታ ነብስኻ የርሕቑኻ።

እታ ዝዓበየት ጥንቃቐ እምበኣር ኣብዚኣ እያ እተድሊ፤ ገና ከም ዘለኻ ምፍላጥ፣ ንኹሉ ክትበጽሖ ግዜን ዓቕምን ከም ዘድልየካ ምግንዛብ። ከምዚ ምግባር የርግእ ጥራይ ኣይኰነን። ብቐንዱ፣ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ብምምዕባል፣ ነብስኻ ፈሊጥካ ዓቕምኻ ንኸተዕቢ፣ ኣበርክቶኻ ንኸተዕዝዝ፣ ብቐንዱ ድማ ካብ ምህውታት ወጺእካ ዓበይቲ ሓሳባት ንኽትሓስብ ዝሕግዝ እዩ።

ምኽንያቱ፣ ዓለም በቶም ዘብለጭልጩን ጢል-ጢል ዘብሉን ነገራት ዘይኰነት፣ በቶም ለውጢ ዘምጽኡ ኣዝዮም ጠቐምቲ ነገራት እያ እትልወጥ። ብመንጽር ናይዚ ድማ እቶም ነዛ ምድሪ ዝቕይሩ ዘለዉ፣ እቶም ደድሕሪ ዘብለጭልጭ ነገራት ዝኸዱ ዘይኰኑስ፣ እቶም ንዓለሞም ብግቡእ ኣንቢቦም ንሳቶም ኣበየናይ ከድምዑ ከም ዝኽእሉ ኣጽኒዖም፣ እታ ዓለም’ውን ኣበየናይ ሸነኻ ክትፍወስን ክትምዕብልን ከም ዝግብኣ ተገንዚቦም ዝጽዕሩ ዘለዉ እዮም። እምበር ሆሆ! እናበለ ዝመጽእን ሆሆ! እናበለ ዝኸይድን ደኣ ብዙሕ ቍም-ነገርዶ ይገብር ኮይኑ።

ስለዚ ዋላ’ኳ ከቢድ እንተኾነ፣ ብዝተኻእለና መጠን ንነብስና ካብ ዘይተጸንዐን ካብ ዘይተረጋገጸን ሓበሬታን ኣጕል ሕልምን ሓራ ንግበራ። ኣብዛ ብእልቢ ዘይብሎም ሓበሬታታት እትናወጽን እተናውጽን ዘላ ዓለም ብኣሉታ ከይተጸለኻ ምትራፍ ቀሊል ዘይምዃኑ ርዱእ እዩ። ግና ኸኣ ብዝተኻእለካ መጠን፣ ነቲ ሓቀኛን ብርግጽ ድማ ክጠቕመካ ምዃኑ ዝኣመንካሉን ነገራት እናሰዓብካ፣ ነቲ ንሓቀኛ ኩነታትካ ከየገናዘበ ብሃውሪ ዝመጽኣካን ስምዒትካ ሓዋዊሱ ድማ ናብ ዘይመደብካን ዘይትፈልጦ መጻእን ዘእትወካ መሀውተቲ ሓበሬታታት ድማ ክትነቕሓሉ ይግባእ። ምኽንያቱ፣ ጽባሕ እታ’ኳ ባዕልኻ ሓላፍነት ውሳነኻ እትስከመላ ግዜ ምስ መጸት፣ እቲ ምኽንያታት ወይ እቲ ደፋኢ ረቛሒታት ዘይኰነ ዘገድሳ፣ እቲ ሽዑ እትህልዎ ሓቂ ወይ ኩነታት እዩ ዝዓጣ።

ስለዚ እዚ ናይ ሕጂ ንስኻ፣ ውጽኢት ሕሉፍ ተግባራትካ ምዃንካ እናዘከርካ፣ ጽባሕ ድማ ውጽኢት ናይዚ ሎሚ እትገብሮ ዘለኻ ንጥፈታትን ውሳነታትን ክትከውን ስለ ዝኾንካ፣ ረጊእካ ብዝተኻእለካ መጠን ድማ ካብ እተፈላለዩ ጽልዋታት ሓራ ኴንካ  መደባትካ ስራዕ፣ ሕልምታትካ ርአ፣ ሙዚቃ ውሽጥኻ ስማዕ፣ ኮታ ንነብስኻን ንኹነታትካን ምሰል።

***

ሃበኒ ህበይ ይገብር… ኣይፋል ንጽግዕተኛነት!

ኣብታ ብሮበርት ኣንቶኒ እተጻሕፈት “The ultimate secrete of total self-confidence” እትብል መጽሓፍ ተጠቒሱ ከም ዘሎ፣ ሓደ ካብቲ ሰባት ዓቕሞም ብግቡእ ንኸይምዝምዙን ነብሰ-ምትእምማን ከየሕድሩን ዝዓግቶም ነገራት ‘ጽግዕተኛነት’ እዩ። ኣብ ገዛእ ነብስኻ ንኸይትምርኰስ ካብ ዝዓግቱኻ ባእታታት ድማ እቲ ንነብስኻ ኣነኣኢስካ፣ ‘ካልኦት ካባይ ይበልጹ፣ ካባይ ይበልሑ፣ ካባይ ይልብሙ…” ዝብል ኣዝዩ ግጉይ ርድኢት ኣብ ቅድሚት ይስራዕ። ‘በዚ ድማ ሓጐስካን ብልጽግናኻን ኣብ ክንዲ ካብ ውሽጥኻ ካብኦም ትደልዮ።’ ትብል እታ መጽሓፍ።

ጐረቤትካ፣ ዓርክኻ ዋላ’ውን ሓውኻ፣ ሽሕ ግዜ ካባኻ ይለብም፣ ሽሕ ግዜ ካባኻ ይፍለጥ፣ ኣብ ቤትካ መጺኡ ከመሓድረካ ትደሊ ዲኻ? ከማኽረካን ካብ ጽቡቕ ተመኩሮኡ ክትውከስን ግና ሰናይ ነገር’ዩ። ወዲ-ሰብ ድማ ብተፈጥሮኡ፣ ነብሱ እንተ ኽኢሉ ፍሉይ ዕግበት’ዩ ዝስምዖ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነታት ድማ ካብቲ ምስ ተሓገዘ ወይ ምስ ተደገፈ ዝረኽቦ ባህታ፣ እቲ ብጽፍሩ ዘምጽኦ እዩ ዝያዳ ርውየት ዝፈጥረሉ።

ኣብ ገዛእ ርእስኻ ምምርኳስ ግና ኪንዮ ዕግበት ዝኸይድ ቍም-ነገር እዩ ዘሎዎ። ንሱ ኸኣ ውሽጣዊ ዓቕምኻ ንኽትፍትሽን ንኸተበራብርን ዝሕግዝ ዓቢ ሓይሊ ስለ ዝኾነ እዩ። ‘ሂወተይ ባዕለይ እየ ከመሓይሻ ዝግብኣኒ’ ዝብል ልባዊ ውሳነ እንተ ኣሕሊፍካ፣ ንነብስኻ ብኹሉ መዳያ ንኽትፍትሻ እዩ ዘኽእለካ። ምኽንያቱ፣ ድሮ ‘ንነብሰይ ልዕለይ ዝግደሰላ ሰብ የለን’ ኢልካ ስለ ዘለኻ፣ ምሉእ ሓላፍነት ነብስኻ ክትስከም ትቕሰብ ኢኻ። እዚ ሓላፍነት’ዚ ቀሊል ስለ ዘይኰነ ድማ፣ ነብስኻ ብኹለንተናኣ ብቕዕትን ተወዳዳሪትን ክትከውን ከም ዘሎዋ ክትኣምን ኢኻ። ከምኡ ንኽትከውን ድማ፣ ኩለንተናዊ ለውጢ ክተምጽእ ክትግደድ እያ። ምኽንያቱ፣ ሽግር እንተ መጸ ክትብድሆ ዘሎዋ ንሳ እታ ነብስኻ እያ። ራህዋ ትምነ እንተ’ላ’ውን ካብኣን ናብኣን እዩ።

ኣብ መወዳእታ እምበኣር፣ እዚ ኹሉ ክንብሎ ዝጸናሕና ንኹሉ ሰብ ዘገድስ እኳ እንተዀነ፣ ንመንእሰይ ግና ሕልፊ ኹሉ የድልዮ። ካብኡ ናብኡ ኸኣ ንኸምዚ ኸማና ብዙሕ ዝጽበየና ዘሎ መንእሰያት!… ከቢድ ጾር ኣብ እንግድዓና ዘሎ መንእሰያት!

***

ኤርምያስ ሰሎሞን

45 total views, 1 views today

(Visited 9 times, 1 visits today)

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *