መንእሰይ ጸዓት ዘላቒ ዕብየት!

ናይ ሎሚ ዓመት ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ኤርትራ፡ “መንእሰይ፡ ጸዓት ዘላቒ ዕብየት” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቴማ፡ ንወሳኒ ግደ መንእሰያት ኣብ ኩሉ መዳያት ብዘዘኻኽርን ዘነቓቕሕን ዝተፈላለየ መሰናድኦታት፡ ከም ወትሩ ኣብታ ማእከል ስልጠናታት፡ መተኣኻኸቢት ቅርዓት መንእሰያት ዝኾነት ሳዋ ክካየድ እዩ።

“መንእሰይ፡ ጸዓት ዘላቒ ዕብየት” ዝብል ሓረግ፡ ዕምቈት ትርጉሙ፡ ኣመና ሰፊሕ እዩ። ከምዝፍለጥ ዝኾነ ወለዶ፡ ኣብ ዝኾነ መድረኽ ነናቱ ብድሆታትን ተልእኾታትን ኣለውዎ። ናይ ዝኾነ ወለዶ መድረኻዊ ተልእኾ ክፍጽሙ ሓላፍነት ዝስከሙ ኸኣ ወትሩ እቶም ኣብ ውዑይ ዕድመ ዝርከቡ መንእሰያት እዮም። መንእሰይ እምበኣር፡ ኣብ ግዜኡ ዝጸንሕዎ ብድሆታት ገጢሙ፡ ብጻዕሩ ብልሑን መሃዝነቱን ተልእኾ ሕብረተሰብ ኣብ ምዕራፉ ኬብጽሕ ትጽቢት ዝግብረሉ ቀንዲ ጸዓት ናይ ሕብረተሰብ እዩ።

ሕብረተሰብ ምንጪ ጸዓቱ ኣእምሮ፡ ጉልበትን ወኒን መንእሰያቱ እዩ። ሕብረተሰብ መጻኢኡ እንታይ ክመስል ይኽእል፡ ጸዓት መንእሰያት ኣብ ምንታይ ይውዕል እዩ ዝውስኖ። ብሓጺሩ ዕድል ህዝቢን ሃገርን ኣብ እንግድዓ መንእሰይ እዩ። ክንዲ ዝኾነ ነዚ ረዚን ሓላፍነት’ዚ ብዝግባእ ተረዲኡን ኣስተማቒሩን፡ መራሒ ግብርን ሓሳብን ኮይኑ፡ ብሓባራዊ ዕላማ ተጠሚሩ፡ መሪሕ ግደ ዝጻወት ንቑሕን ብቑዕን መንእሰይ ምህላው ወሳኒ እዩ። መንእሰይ ሓላፍነቱ ከተግብር፡ ኣብ መድረኹ ዘሎ ተልእኾ ሕብረተሰቡ ብብቕዓት ክፍጽም እንተኾይኑ ከኣ፡ ልዑል ስነሓሳባዊ ብቕዓትን ውዳበን፡ ሓያል ወኒ ርእስኻ ምኽኣልን ባህጊ ምዕባለን፡ ኣድማዒ ሞያን ፍልጠትን፡ ብሉጽ ክብርታት ዝውንን፡ ክኸውን የድሊ።

 

ስነ-ሓሳባዊ ብቕዓትን ውዳበን

 

ምንጪን መሰረትን ምዕባለ ሓሳብ ወይ ንቕሓት እዩ። መንእሰይ ናይ ዝኾነ ወለዶ፡ ኣብ ግዜኡ ንዘሎ ባዕላዊን ወድዓዊን ኵነታት ብልክዕ ዝግንዘብ፡ ብደረጃ ዓለም ዘሎ ዝተፈላለየ ኣምራዊ መጻወድያታት ፈንጺጉ፡ ብሓርነት ዝሓስብ ክኸውን ይግባእ። ህሉውን መጻኢን ወለዶ ዝሕበነሉን ብኽብሪ ዝዝክሮን ታሪኽ ክሰርሕ ዝኽእል ከምዚ ዓይነት ንቕሓት ሃልዩዎ፡ ንሕብረተሰቡ ዝሓይሽ ናይ ገዛእ ርእሱ ስነ-ሓሳብ ዝኽተልን ዘተግብርን መንእሰይ ጥራይ እዩ። ቀዳሞት መንእሰያት ኤርትራ፡ ንመግዛእታዊ ኵነተ-ኣእምሮ ክርዕምዎ ስለዘይመረጹ፡ ናጽነት ንምርካብ ኣብ ጣሻን በረኻን ሰፊሮም፡ ነዊሕን መሪርን ገድሊ ሰጊሮም ኣብ ዕላማኦም በጺሖም።

ታሪኽ ፖለቲካዊን ዕጥቃዊን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፡ ልዑል ስነ-ሓሳባዊ ብቕዓት ናይ ዝዓጠቑ ሃገራውያን መንእሰያት ታሪኽ እዩ። እዞም መንእሰያት’ዚኣቶም፡ ሃገራውነት መሰረቱ እቶም ንባህሊ ሕብረተሰቦም ዘቘሙ ክብርታት ምዃኖም ብምግንዛብ፡ ንኽብርታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዓንዲ ማእከል ውሽጣዊ ሓይሎም ገይሮም፡ ኩሉ ውልቃዊ ነገራዊን መንፈሳዊን ባህግታት ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ቀቲሎም፡ ብኣካልን መንፈስን ሳላ ዝተበጀው’ዩ እቲ ዓለም ኣይከኣልን ዝበለቶ ገድሊ ንናጽነት ተኻኢሉ። ኣብ ንኡስ ዕድመኻ፡ ውልቃዊ ራእዪን ዕላማን ዕሽሽ ኢልካ፡ ምእንቲ ባህጊን ዕላማን ሕብረተሰብ ምውፋይ፡ ሃገራዊ መንእሰይ ጥራይ ክበጽሖ ዝኽእል ዝለዓለ ደረጃ ንቕሓትን ስነሓሳባዊ ብቕዓትን እዩ። ከምዚ ዓይነት ንቕሓት ዘለዎ መንእሰይ ድማ እዩ፡ ኣብ ግዜኡ ዝገጥሞ ብድሆታት ስዒሩ መድረኻዊ ተልእኾኡ ብብቕዓት ክፍጽም ዝኽእል።

ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ እውን እንተኾነ መንእሰይ ኤርትራ፡ ባህጊን ራእይን ሕብረተሰቡ ኣብ ምዕራፉ ዘብጽሕ ናጻ ፖለቲካዊ መስመር እናተኸተለ፡ ነቶም ርእሲ ኹሎም ሃገራዊ ሃብትናን ንያትናን ዝስርዑ ክብርታት ሕብረተሰብና ንምጅላሕ፡ ብስውርን ረቂቕን ሜላ፡ ካብ በበይኑ ኩርናዓት ዝስንደው ናይ ሓሳብ መርዚታት ወጊድ ኢሉ፡ ንኣስዳዕቲ ኣበሃህላታት ግዲ ከይሃበ፡ ብልዑል ጥምረትን ወዳበን መጻኢ ዕድልና ዝኹልዑ መደባት ልምዓት ኣብ ምስልሳል’ዩ ዝርከብ። እዚ መርኣያ ስነሓሳባዊ ብቕዓቱን ንቕሓቱን እዩ። ከምቲ መንእሰይ ወለዶ ገድሊ፡ ዓንዲ ማእከል ሓርነታዊ ተጋድሎና ኮይኑ ናጽነት ብምምጻእ፡ ሕልሚ ወለዶታት ዘግሃደ፡ ናይዚ መድረኽ’ዚ መንእሰይ እውን ብዙሕ ዝዓይነቱ ግዳማዊ ተጻብኦታትን ሽርሒታትን እናመከተ፡ ንዘላቒ ዕብየት ሃገሩ ብዘይግብዝና እእምሮኣዊን ጉልበታዊን ጸዓቱ የፍስስ ኣሎ። እዚ ውፉይን ማእቶታዊን መንእሰይ፡ ጸዓት ዘላቒ ዕብየት ምዃኑ ዛጊት ዝፈጸሞም ተግባራቱ ምስክር እዮም። ብጥቕልሉ ኤርትራ እትኽተሎ ስነ-ሓሳብ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ናብ ተጨባጢ ውጽኢት ዝቕይሮ ዘሎ፡ ናይ መንእሰያታ ንቕሓትን ውፉይ ስራሕን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ብእኩብ ዝሓስብ፡ ውልቃዊ ረብሓ፡ ሓባራዊ ረብሓ ብምቕዳም ከምዝመጽእ ዝኣምንን ምእንቲ ሓባራዊ ዕላማ ዝውፈን መንእሰይ ምርካብ እምበኣር ንሕብረተሰብ ዓቢ ጸጋ እዩ። ተወፋይነት ዝሓላገቱ መንእሰይ ኤርትራ፡ ብርግጽ ጸዓት ዘላቒ ዕብየት እዩ።

 

ወኒ ርእሰ ምርኰሳ

 

ፖለቲካዊ ናጽነት ድርዑን ዋሕሱን ቁጠባዊ ሓርነት እዩ። ቁጠባዊ ሓርነት ድማ፡ እንትርፎ ብመትከል ርእሰ-ምርኮሳ ብኻልእ ዘይጭበጥ ጽፍሒ ናይ ናጽነት እዩ። ከምዝፍለጥ ናይ ዓብለልቲ ሓይልታት ስነ-ሓሳብን ድሌትን፡ እተን ዘይማዕበላ ሃገራት፡ ካብ መባእታዊ ቁጠባ ከይወጻ፡ ብቐጻሊ ምንጪ ጥረ-ነገራት ኮይነን ክነብራ እዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ድማ እልቢ ዘይብሉ ኣልማሲ ሽርሒታት ምስ ተዋደደ እዩ። እቲ ዕውት መንእሰይ፡ ነዚ ብዙሕ ዝመልክዓቱ ሽርሒታትን ኣደናገሪ ጸወታታትን ብንቕሓት ሰጊሩ፡ ምስጢር ምዕባለ ዝኾኑ ክብርታት ክውንን ዝኽኣለ እዩ። ዝዓበየ ካብዚ ክብርታት’ዚ ብነብስኻ ናይ ምሕዳር ወይ ርእስኻ ናይ ምኽኣልን ምምዕባልን ልዑል ድሌትን ወኒን እዩ።

ናይዚ መድረኽ’ዚ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ በዚ ንቕሓትን ወኒን’ዚ ኣብቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ሓራ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን መስመር ረጊጹ፡ ሃገር ብነብሳ ንኽትሓድር ብኹሉ መዳያት ይረባረብ ኣሎ። ብግብሪ ይርአ ከምዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ወሳኒ ግደ መንእሰይ ዘይንጸባረቐሉ ናይ ልምዓት ስርሓት የልቦን። ካብ መግዛእቲ ዝተወርሰ ማሕበረ-ቁጠባዊ በሰላታት ሃገር ብምሕዋይ፡ ንዘላቒ ቁጠባዊ ዕብየት ድልዱል መሰረት ኣብ ምንጻፍ ብዙሕ ሰጒሙ ዘሎ መንእሰይ ኤርትራ፡ እቲ ቀንዲ ምንጪ ጸዓት ልምዓትን ርእስኻ ምኽኣልን ምዃኑ ብግብሪ ኣመስኪሩ እዩ። ዓስቢ ኣበርክቶኡ ራህዋ ሕብረተሰቡ ምዃኑ ኣሚኑ፡ ልዕሊ ንቡር ክውፈ ጸኒሑ ኣሎ። ምህርቲ ናይ ሎሚ ዕዮኡ፡ መጻእቲ ወለዶታት ዝበለጸ ህይወት ዘስተማቕሩላ ብነብሳ እትሓድር ብልጽግቲ ኤርትራ ከም እትኸውን ተገንዚቡ፡ ልዑል ሓቦን ኒሕን ተቐኒቱ ብዘሰላስሎም ዘሎ ዓበይቲ ዕዮታት ከኣ፡ ትስፉው መጻኢ ሕብረተሰብ ኤርትራ ደሚቑ ኣብ ዝረኣየሉ ደረጃ ምብጻሕ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቀንዲ ምስጢር ምዕባለን ብልጽግናን ስራሕን ንዓቕምኻ ብዕጽፍታት ዘራብሕ ዲሲፕሊንን ውዳበን እዩ። ዲሲፕሊንን ልዑል ውዳበን ሒዝካ ርእስኻ ንምኽኣል እተካይዶ ጻዕሪ፡ ፍልጠት፡ ሞያን ተሞኲሮን ኣቕሲሙ፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ብቕዓት ዘብጽሕ መገዲ እዩ። መንእሰያት ኤርትራ፡ ነዚ ክልቲኡ ጸጋታት’ዚ ክጭብጡ ብምኽኣሎም እምበኣር፡ ነቲ ቀንዲ መርሖ ዘላቒ ዕብየት ድሮ ወኒኖሞ ኣለው ክበሃል ይከኣል።

 

ፍልጠት፡ ሞያን ተክኖሎጂን

 

ፍልጠትን ሞያን ኣዝዮም ኣገደስቲ ረቛሒታት ዕብየት እዮም። ምኽንያቱ ናይ ኩሉ ምዕባለታት መሰረት ፍልጠት ወዲ-ሰብ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ምንጪን ፈጣሪን ኩሉ ዓይነት ጸጋታት ሰብ እዩ። ሞያን ፍልጠትን ዝዓጠቐ ሰብ ድማ ዝያዳ ኣፍራዪ፡ ቅልጡፍን ኣድማዒን እዩ። ደረጃ ኣፍራይነትን ቅልጣፈን ሕብረተሰብ ብመጠን ፍልጠቱን ዝጥቀሞ ናውቲ ማእቶትን ዝዓጥቖ ቴክኖሎጂን ይፈላለ እዩ። ክንዲ ዝኾነ ንመንእሰያት ሞያን ፍልጠትን ምዕጣቕ ሓደ ካብ ዓበይቲ ዕማማት ህዝቢን ሃገርን ክኸውን ግቡእ እዩ። መንግስቲ ነዚ ሓቂ’ዚ ብምግንዛብ፡ ንመንእሰያት ብኣእምሮን ኣካልን ናይ ምዂስኳስ ሓላፍነት ተሰኪሙ ገዚፍ ወፍሪ ክገብር ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት ኣስታት 500,000 መንእሰያት ብማእከል ስልጠናታት ሳዋ ሓሊፎም፡ ኣካዳሚያዊ ወተሃደራዊን ሞያዊን ፍልጠት ክቐስሙ ምኽኣሎም ጥራይ ዕብየት ናይቲ መንእሰያት ንምምልማል ክግበር ዝጸንሐ ወፍሪ ዘመልክት እዩ። ካብ ኰለጃትን ኣብያተ ትምህርቲ ስነ-ኪነትን ድማ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቚጸሩ መንእሰያት ብዝተፈላለየ ሞያን ዓውደ-ፍልጠትን ተመሪቖም ናብ ስራሕ ዓለም ይጽምበሩ ኣለው።

ኣቐዲሙ ከምእተጠቕሰ፡ ስትራተጂ ቁጠባዊ ዕብየት ኤርትራ፡ ብቐንዱ ኣብ ርእሰ ምኽኣል ዝምርኰስ እዩ። ኣብ ገዛእ ዓቕምኻን ክእለትካን ዝምስረት ድልዱል ቁጠባ ንምህናጽ ከኣ፡ ኣብ ዜጋታት ሓያል ናይ ዓያይነት መንፈስን ናይ ስራሕ ዲሲፕሊንን ምዂስኳስ ጥራይ ዘይኮነ፡ መንእሰያት ብዘመናዊ ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ብምስልጣን ብቕዓት ኣፍራይነቶም ክብ ምባል የድሊ። ካብዚ ኣመለኻኽታ’ዚ ብምብጋስ፡ መንግስቲ፡ መንእሰያት ዘመናዊ ቴክኖሎጂን ክእለትን ዓጢቖም ዝያዳ ኣድማዕነትን ኣፍረይቲን ኪኾኑ፡ ምዕቡል ቴክኖሎጂን ዝተራቐቐ ማሺነሪታትን ንምትእትታው ኣዝዩ ገዚፍ ወፍሪ ክገብር፡ ንዕኡ ዘንቀሳቕሱ ብዙሓት መንእሰያት ከሰልጥን ጸኒሑ ኣሎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ጻዕሪ’ዚ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገር ዝትግበሩ ዘለው ፕሮጀክትታት ልምዓት ብሓንጎልን ጉልበትን ሞያን መንእሰያትና እዮም ዝትግበሩ ዘለው። ነተን ብደረጃ ዓለም ዘመናውያን ዝበሃላ ማሽነሪታት ኣብ ሓጺር ግዜ መሊኾም ዘስርሕወን ዘለው መንእሰያትና እዮም። ነዚ ብውሽጣዊ ዓቕምና እነሰላስሎ ዘለና ፕሮጀክትታት ልምዓት ንምትግባር፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ኩባንያታትን ናይ ደገ ክኢላታትን እንተንምርኮስ፡ ክሓተና ዝኽእል ወጻኢታት ንምግማቱ ኣየጸግምን። ሳላ ብልሕን ዓቕሚን ተወፋይነትን መንእሰያትና ግን ብገዛእ ዓቕምና እንሕበነሉ ስራሕ ዓሚምና። ክእለት ኣብ ምውናን ድማ ብዙሕ ስጒምና ኣለና። ከም ውጽኢቱ፡ ኤርትራ ወናኒት ከበድቲ ናይ ልምዓት ማሺነሪታትን ንዕኡ ከስርሑ ምሉእ ብቕዓት ዘለዎም መንእሰያትን ኮይና ኣላ። ኤርትራዊ መንእሰይ ብርግጽ ጸዓት ንዘላቒ ዕብየት!

 

ባህልን ክብርታትን

 

መንእሰይ ናይ ዝኾነ መድረኽ፡ ታሪኽ ከማእዝን ፍሉይ ሓላፍነት ዝተሰከመ ቀጸላ ሕብረተሰብ እዩ። መንእሰይ ወለዶ፡ ሓላፍነት ህዝብን ሃገርን ኣብ ማእገሩ ጸይሩ መድረኻዊ ተልእኾኡ ብብቕዓት ክፍጽም እንተኾይኑ ድማ፡ ንክብርታት ሕብረተሰቡ ክፈልጦ፡ ክሕበነሉን ብሶላ ናይ ህይወቱ ገይሩ ክወስዶን ይግባእ። ናይ ምዕባለ ሸውሃቱ ከርዊ ዝቃለስ ሕብረተሰብ፡ ንመንእሰያቱ ዘመናዊ ፍልጠትን ሞያን ከዕጥቕ ኣዝዩ ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ ንክብርታት ማእከል ዘይገበረ ህንጸት ኣእምሮ ግን ኣብ ቅድሚ ዓለማዊ ተጻብኦን ውዲትን ጸኒዕካ ደው ክትብል ዘኽእለካ ኣይኮነን።

ታሪኽ መንእሰያት ኤርትራ፡ ታሪኽ ቃልሲ ንፖለቲካዊ ናጽነት ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ታሪኽ ምዕቃብ ባህላዊ ውርሻታትን መንነትን እዩ። ገዛእትን ዘራያቶምን ኤርትራዊ መንነት ንምሕካኽ ዝኣለምዎ ሸርሒ፡ ብሓድነት ህዝብና ኣውራ ድማ በቲ ንዕላማታት ከፋፋሊ ፖሊሲ ዘፍሸለን ተቓሊሱ ዘዐወተን መንእሰይ ወለዶ በርዒኑ ተሪፉ እዩ። የግዳስ ሕጂ እውን እንተኾነ ንመንእሰይ ኤርትራ፡ ብዝተወደበ ዘመተታት ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ኣስዲዖም ሸብረኽ ከብልዎ ዝሃልኩ ኣይተሳእኑን።

ኤርትራውያን፡ ዋሕስ ናይ ትማሊ፡ ናይ ሎሚን ናይ ሓዋሩን መኸተናን ቃልስናን ክብርታትና እዮም። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብቲ ፈውሲ ማሕላ እኳ ኣጆኻ ዝብሎ ከይረኸበ ናጽነት ክደሊ ዘሕለፎ ጽንኩር እዋን፡ እንኮ ዋሕሱን ዝተኣማመነሉን ጸጋ ክብርታቱ እዩ ነይሩ። መሬቱ ብዳግማይ ወራር ምስ ተደፍረ’ውን ንክብርታቱ ዓጢቑ’ዩ ሃገሩ ካብ ጎበጣ ኣድሒኑ ልኡላውነቱ ክዕቅብ ዝኸኣለ። ክብርታትና፡ ንኤርትራዊ ሓባራዊ ስነ-ኣእምሮ ዝሃንጹ ስውራት ኣጽዋርና እዮም። ተጻብኦታት ንምከተሎም፡ ፈታኒ እዋን ንሰግረሎም፡ ሸርሕታት ነፍሽለሎም፡ ንስራሕን ዕብየትን ንግልገለሎም ጸዓትና እዮም።

ናይዚ መድረኽ’ዚ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ብቑዕ ወራሲ ክብርታት ምዃኑ ኣብ ምክልኻል ሃገርን ኣብ ዕዮ ልምዓትን ብጭቡጥ ኣመስኪሩ እዩ። ኣሰር ናይቶም ንሰማዒኡ ዘደንጹ ቅያን ጅግንነትን ፈጺሞም፡ መሬት ሕድሪ ዘውረስዎ ኣያታቱ ተኸቲሉ፡ ሃገራዊ ልኡላውነቱ ከየድፈረ ጸጊቡ ዝሓድረላ መሬት ክፈጥር ለይትን ቀትርን ብትግሃት ይሰርሕ ኣሎ። ድሮ እኳ መጻእቲ ወለዶታት ዝሕበኑሉን ነቶም ጽባሕ ‘ኣሰርካ ኣበይ ኣሎ?’ ኢሎም ዝሓትዎ ንኣሽቱ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ኣፍ ኣውጺኡ ዝምልሰሎም ልምዓታዊ ዕዮታት ኣሳሊጡ ይርከብ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ክብርታት እምበኣር፡ ናጽነት ንምምጻእ ኣብ ዝተፈጸመ ቅያን ጅግንነትን ተኣምር ሰሪሑ፡ ናብ ወለዶ ልምዓት ብምስጋር ገና ተኣምር ይሰርሕ ኣሎ። መንእሰያት ታሪኽ ሃገሮምን ህዝቦምን ክፈልጡን ብቑዓት ወረስቲ ክብርታት ክኾኑን እንከለው፡ እቲ መኽሰብ ንሃገርን ህዝቢን ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምዃኑ ከኣ ብግብሪ ንርእዮ ኣለና። ብርግጽ ድማ፡ ታሪኽ ህዝቡን ሃገሩን ዝፈልጥ፡ ክብርታት ወለዱ ዝወረሰ፡ ብመንነቱ ዝሕበን መንእሰይ ጥራይ’ዩ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ታሪኽ ክሰርሕ ዝኽእል። ዕድመ ነቲ ክብርታት ቀዳሞት ወሪሱ ንዘላቒ ዕብየት ጸዓቱ ብዘይግብዝና ዝውፊ ዘሎ – ኤርትራዊ መንእሰይ!

 

286 total views, 4 views today

(Visited 27 times, 1 visits today)

Eri-Youth

The owner of this website is the Eritrean union of youth and students.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *