ሳይበርን ሓደጋታቱን ተዘትይሉ

ኣዳራሽ ጁኔር ከም መቐጸልታ ክልተ ሰሙናዊ መደባ ብ 20 ምያዝያ 2018 ኣብ ሳይበርን ሓደጋታቱን ዘተኮረኣስተምህሮ ኣእንጊዳ ኣምስያ። እዚ ኣገዳሲ ኣስተምህሮ ኣብ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት 2018 ኣብ ሳዋ`ውን ብውዕዉዕ ተሳትፎ ተኻይዱ ነይሩ። ነዚ“ሳይበርን ሓደጋታቱን” ዝብል ኣርእስቲ፣ ኣስተምህሮ ዝሃበ ኣቶ ተኽለዝጊ ገብረትንሳኤ(ስኪጆ) ኪኢላ ቴክኖለጂ ሓበሬታ ኣብ ሓይልታት ፖሊስን ጸጥታን’ዩ። ኣቶ ተኽለዝጊ ትሕዝቶ ኣስተምህርኡ ትርጉም ሳይበር ብምግላጽ’ዩ ፈሊምዎ። “ሳይበር” ማለት ይብል ኣቶ ተኽለዝጊ “ ኮምፕዩተርን ምስ ኮምፕዩተር ተኣሳሲሮም ዝሰርሑንመሳርሒታት ዝሓቖፈ ኣድማስ ኢዩ። ሳይበር ዋላ’ውን ኣብ ኢንተርነት ዘይተጸንበራ ኮምፕዩተራት የጠቓልል። ዝዓበየ ክፋል ናይ ሳይበር ግን ምስ ኢንተርነት ዝተኣሳሰር’ዩ” ብምባል ንትርጉም ሳይበር  ኣብሪሂዎ።

ብመሰረት ምግለጺ ኣቶ ተኽለዝጊ፣ኢንተርነት ኣብ 1960ታት ከም ምርምራዊ ፕሮጀክት ካብ ዝጀምር ኣትሒዙ፣ ንዓለምና ናብ ሓንቲ ቁሸት ቀይርዋ ኣሎ። ኣብ’ዚ እዋንዚ ኢንተርነትልዕሊ 2.5 ቢልዮን ሰባት ኣቑሑ ዝዕድጉሉን፡ ምስ ናይ ሕክምና ኪኢላታት ዘማኸሩሉን፣ ኣብ ፖለቲካ  ክሳብ ዕልዋ ስልጣን ንምልዕዓል ዝወዳደብሉ፣ ኣብ ማሕበራዊ ሂወት ድማ ድምጺ፣ደረቕ፣ ተንቀሳቃሲን ስእሊ ንምቅይያር ዝጠቅም ሓደ ክፋል ናይ ኔትዎርክ’ዩ።ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ነፍሰ-ወከፍ ደቒቅ፣ ብገምጋም ልዕሊ 3 ሚልዮን ናይ ጎግል ምድላይ (Search) ይካየድ።  ብዝተፈላለያ መርበባት ሓበሬታ መዓልታዊ ኣስታት 11 ሚልዮን ሰባት ቀጥታዊ መልእኽቲ ይሳደዱ። ካብዚኦም 700,000 ዝኣኽሉ ሰባት  መዓልታዊ ብመገዲ ፈይስ ቡክ መልእኽትታት ዝቀያየሩ’ዮም።ብጀካ እዚ ጥቕምታት’ዚ ግን ብመገዲ መርበባት ኮምፑተር ዝፍጸም ገበናት ንመንግስታት ይኹን ውልቀሰባት ሃሳዪን ኣቐንዛዊን እንዳኾነ መጺኡ ኣሎ። ንኢንተርነት ሓደገኛ ዝገብሮ ኣብ ቅልጣፈን ምቅይያር ሓበሬታን ጥራይ ምበር ብዛዕባ ጸጥታን ሓቀኛ መንነት ተጠቀምትን ብዙሕ  ግምት ከይሃበ ስለዝማዕበለ’ዩ። ስለ’ዚ ዕላማ ናይ’ቲ ብኣቶ ተኽለዝጊ ዝተኻየደ ዘተ ኣብ ኢንተርነትን ካብ ኢንተርነት ወጻኢ ዘለዋ ኮምፕዩተራትን ዝህሉሓደጋታትን ክግበር ብዛዕባ ዝግብኦ ጥንቃቐን ዘድሃበ’ዩ ነይሩ።

ብመሰረት ኣቶ ተኽለዝጊ ዝሃቦ ሓበሬታ ንኢንተርነት ተኣፋፊ ዝገብርዎ ሓሙሽተ ኣፍደገታት ካብ ርሑቕ ቦታ ዝውሰድ ቅልጡፍ ስጉምቲ፡ኣብ ኣድማስ ኢንተርነት ዘሎ ይምዑርይነት ዋጋታትን ኣኽእሎን፡ ሕቡእነት፡ ዶብ ኣልቦነትን ትሕዝቶ ናይ ምፍላይ ጸገም ብመንጽር ቴሌፎንን ፖስታን (ብ0ን 1ን ስለዝጸሓፍ) ክኾኑ ከለዉ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት፣ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ከም ኲናት፣ ሸቐጥ ንብረት፣ ሽበራዊ ተግባራትን፣ ስለያን ክካየድ እንተኾይኑ፡ ናይ ግድን ብኣካል ምቅርራብ የድልዮ ነይሩ። ድሕሪ ግዜ ግን እዚ ኣድላይነት ምቅርራብ እናተዳኸመ ከይዱ። ኣብ ዘመነ cyber ምስ መጸእካ ከኣ፡  ስጉምታት ካብ ዘገርም ርሕቀት ብማዕረ ቅልጣፈ ብርሃን እዮም ዝፍጸሙ።

እዚ ተኣፋፍነት ናይ ኢንተርነት ሓሙሽተ ውሁባት ሓደጋታት ኢንተርነት ፈጢሩ ኣሎ።ገለ ካብኣቶምኣብ ኢንተርነት ካብ ዝርኣዩቀንዲ ሓደጋታት ስርቂ ገንዘብን ሰነድን’ዮ። ብፍላይ ምስ ምምጻእ ኤለክትሮኒካዊ ገንዘብ ከም ናይ ክረዲት ካርድ ዝኣመሰለ፣ ውዲታት(Scam)፣ምትላል(fraud)  እናዛየደ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ከም ፖሊስን ጸጥታን ዝኣመሰሉሓለውቲ ሕጊ፣ብኢንተርነት ንዝፍጸሙ ገበናት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከእትውዎ ይፍቱኑዮም። ይኹን ምበር ውጽኢታውነቱ ኣመና ድሩት’ዩ። ሓደ ካብ’ቲ ናይ ኢንተርነት ገበናት ንምቁጽጻርኣጸጋሚ ዝገበሮኸኣ ገበን ዝተፈጸመሉ ሃገርን ገበነኛ ዘለዎ ሃገርን ክልተ ጫፋት ናይ ዓለምና ክኸውን ስለዝኽእል ኢዩ።ካብኡ ብዘይፍለ ንመንግስታትን ንግዳውያን ትካላትን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ውዱብ ገበን እናረቐቐ ይኻይድ ምህላዉ ካልእ ኢንተርነት ዝወለዶሻቑሎት’ዩ።RBN (Russian Bussiness Network) ተባሂሉ ዝፍልጥ ንገበነኛታት ናይ ኢንተርነት እገልጉሎት ዝቕርብ (ISP)ንግዳዊ ዋኒን ሓደ ኣብነት’ዩ።ንገበኘኛታትስም ናይ ዶመይን፡ ሰርቨራትን ሰርሰርቲ ሶፍትወየራትን የቕርብ።ገበነኛታት ከይተፈልጡ በዚ መርበብዚ ተጠቒሞም ገበን ስለዝፍጽሙ፡ ንዘይተፈላጥነቶም ንምግላጽ “ጥይት ዘየሕልፍ” ኢሎም ይጽውዕዎ ነይሮም። ኣብ 2008 ግን ብመንግስቲ ሩስያ ብዝተገብረሉ  ጽዑቕ ምክትታልን ጸቕጥንኣገልጉሎቱ ደው ከምዘብል ተጌሩ።

ብኢንተርነት ተጠቒምካ፡ ቁጠባዊ ስለያ ብምክያድ ሓበሬታ ምስራቕ ካልእ ጸገም’ዩ። ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መቀያየሪ ኣቕሑትተፍሪ ናይ ኣመሪካ ትካል፡ ብናይ ቻይና ትካል ዝተገብረ፡ ስርቂ ናይ ዲዛይን ሓደ ኣብነት እዩ። ዲዛይን  ኣቕሓ ናይታ ትካል፡ ብኢንተርነት ተሰሪቑ። ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ኣዋርሕእቲ ዲዛይንናብ ውዱእ ኣቕሓ ተቐይሩ ኣብ ዕዳጋታት ዓለም ብዝሓሰረ ዋጋ ክሽየጥ ተራእዩ። እታ ናይ ኣመሪካ ትካል ከኣ ብሰሪ ዘጋጠማ ክሳራ ካብ ንግዲ ዓለም ወጺኣ። ብዘይካ’ዚ ቁጠባዊ ሃስያ፣ ኢንተርነት ኣብ ምልዕዓል ፖለቲካዊ ናዕብታት ውን ይውዕል ኣሎ።ናይ ሓጺር እዋን ኣብነት ድማ እቲ ኣብ ግብጺ ብፓልቶክ ዝጀመረ ምውድዳብ ዜጋታት ግብጽን ዘኸቶሎ ምውራድ ፕረስደንት ሑስኒ ምባረክ ካብ ስልጣንን’ዩ። ነዚ ብኢንተርነት ዝግበር ገበናት ንምቁጽጻር መንግስታት ካብ ርሑቕ ቦታ ኮምፑተር ንኮምፑተር ንምትሕልላው ዘኽእል ሶፍት ዌር ብቐጻሊ ምስ ኣማዕበሉ እዮም።

ብመሰረት መግለጺ ኣቶ ተኽለዝጊ ኣብ ዘበነ ሳይበር ግን ሓደጋታት ካብ ኢንተርነት ጥራይ ኣይኮኑን ዝመጹና። ምስ መርበብ ኢንተርነት ዘይተራኸባ ኮምፑተራት ውን ሓደጋ ክመጸን ይኽእል’ዩ።  ኣቶ ተኽለዝጊ  ነዚ ከብርህ ከሎ “ ብዙሓት ሰባት ኮምፑዩተርና ምስ ኢንተርነት እንተዘይለጊባ ወይ ውን ምስ ኢንተርነት ኣብ እትላገበሉ እዋን ናይ ስራሕ ፋይላት እንተዘይከፊትና ዘምጽኦ ሽግር የሎን ይብሉ ኢዮም። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ግን ብመሰረቱ ክውንነታዊ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ካብ ኢንተርነት ወጻኢ መጥቃዕትታት ኮምፕዩተር ክመጸና ስለዝኽእል ”  ብምባል ኣብሪሂዎ። ብሓፈሽኡካብ ኢንተርነት ወጻኢ ዝህልዉ ሓደጋታት ሳይበር ኣብ ክልተ ከፋፊልካክርኣዩ ይኽእሉ። ናይ softwareን ናይ Hardware ኸኣ ይባሃሉ።

እቲ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ናይ ሶፍት ዌር ብኽልተ መንገዲ ክመጸና ይኽእል። ንሱ ድማ ቀዳማይ ኮምፕዩተርና ኣብ እዋን ዕድጊ ተጻዒናቶ ካብ ዝመጸት ሶፍትዌር’ዩ።እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ኮምፕዩተር ናብ ኮምፕዩተር ብእነሰጋግሮም ፍላሻትን ሜሞሪ ካርድታትን ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣብ ኩሉ ናይ ሶፍትዌር መጥቃዕትታት እቶም ከም መሳርሒ ዘገልግሉ ብልምዲ ንኹሎም “ቫይረስ” ኢልና ንጽውዖም’ዮም።ኣብ ጸጥታ ኢንተርነት ኣተኪሩ ዝሰርሕ: ስይማንተክ (Symantec) ዝባህል ትካል ኣብ 2011 ጥራይ ልዕሊ 400 ሚልዮን ሓደስቲ ተንኮል ዘለዎም ሶፍትዌራት ከለልይ ኪኢሉ’ዩ፡፡ መብዛሕትኦም ግን ብቀሊሉ ተለልዮም፡ ኣንጻሮም ሶፍትዌር ብምምሃዝ ከም ዘይጓድኡ ኮይኖም’ዮም። ስለ’ዚ ይብል ኣቶ ተኽልዝጊ“ ብመልክዕ ቫይረሳት ዝስደዱ፡ ማልዌራት፡ስፓይዌር፣ ትሮጃን ሆርስስን ተባሂሎም ዝፍለጡ ሶፍትዌራትዮም ንኸቢድ ሓደጋ ዘቃልዑና ” ብምባል የብርሆ።

ብመሰረት መግለጺ ኣቶ ተኽለዝጊ ኣብ ዘበነ ሳይበር ግን ሓደጋታት ካብ ኢንተረት ጥራይ ኣይኮኑን ዝመጹና።  ምስ መርበብ ኢንተርነት ዘይተራኸባ ኮምፑተራት ውን ሓደጋ ክመጸን ይኽእል’ዩ።  ኣቶ ተኽለዝጊ  ነዚ ከብርህ ከሎ “ ብዙሓት ሰባት ኮምፑዩተርና ምስ ኢንተርነት እንተዘይለጊባ ወይ ውን ምስ ኢንተርነት ኣብ እትላገበሉ እዋን ናይ ስራሕ ፋይላት እንተዘይከፊትና ዘምጽኦ ሽግር የሎን ይብሉ ኢዮም። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ግን ብመሰረቱ ክውንነታዊ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ካብ ኢንተርነት ወጻኢ መጥቃዕትታት ኮምፕዩተር ክመጸና ይክእል’ዩ ”  ብምባል ኣብነታት ሂቡ ኣብሪሂዎ። ብሓፈሽኡ ካብ ኢንተርነት ወጻኢ ዝህልዉ

ሓደጋታት ሳይበር ኣብ ክልተ ከፋፊልካ ክርኣዩ ይኽእሉ። ናይ softwareን ናይ Hardware ኸኣ ይባሃሉ።እቲ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ናይ ሶፍት ዌር ብኽልተ መንገዲ ክመጸና ይኽእል። ንሱ ድማ ቀዳማይ ኮምፕዩተርና ኣብ እዋን ዕድጊ ተጻዒናቶ ካብ ዝመጸት software። እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ኮምፕዩተር ናብ ኮምፕዩተር ብእነሰጋግሮም ፍላሻትን ሜሞሪ ካርድታትን ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣብ ኩሉ ናይ ሶፍትዌር መጥቃዕትታት እቶም ከም መሳርሒ ዘገልግሉ ብልምዲ ንኹሎም “ቫይረስ” ኢልና ንጽውዖም’ዮም።  ከም ሓቂ ግን ይብል ኣቶ ተኽልዝጊ “ ንመርበባት ኮምፕዩተርና ዘዕንዉዎ ማልዌራት (malwares) ናይ ፋይላት ኤክስተንሽን ኣለልዮም ብምእካብ ናብ ሰራሕቶም ሓበሬታ ዘሕልፉ ትሮጃን ሆርስ (trojan horse)፡ናይ ኮምፕዩተርና ዓይነት ሶፍትዌርን ፓስዎርድን እንታይ ይመስል ኣጽኒዕም ዝሰዱ (spywares)፣ ናይ ላፕቶፕና ወይ ውን ሞባይላትና ማይክሮፎንን ዌብ ካሜራን ብዘይ ኣፍልጦና ከምዝኽፈቱ ብምግባር ሰራሒኦም ኣብ ዙርያና ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ብቐሊሉ ዝከታተለሉ መንገዲ ዝፈጥሩ(logical bomb viruses)  ወዘተ. . .  ክጥቀሱ ይኽእሉ” ብምባል ዝርዝራዊ መብርሂ ሂብሉ።.እዞም ሶፍትዌራት እዚኣቶም ኩሉ ግዜ ብዘይ ኣፍልጦ ናይ ተጠቃማይ ናብ ኮምፕዩተርና ዝኣትዉ ኮይኖም፡ ኣብ ውሽጢ ኮምፕዩተር ምስኣተዉ ከከም ዓይነቶምን ስርሖምን መጥቃዕትታት ዝጅምሩ’ዮም። ብኻልእ ኣበሃህላ ምንግስታውያን ይኹና ብሕታውያን ትካላት ሃገርና‘ሒዝካ ክእቶ የብሉን ወይ ምጥቃም ኩልኩል’ዩ’ ዝብልኦ መምርሒ ብጉብእ ምኽባር ከም መንእሰያት ክንውንኖ ዘለና ዓቢ ጸጥታዊ ንቕሓት ናይ ሳይበር’ዩ።

“ ክሳብ ቀረባ እዋን ብዙሓት ክኢላታት ሳዕቤን ግርጭት ኢንተርነት ኣብ ናይ ኢንተርነት ኣድማስ ጥራይ ከም ዝሕጸር እዮም ዝኣምኑ ነይሮም።ኣብ 2010 ኣብ ኢራን ኣብ ናይ ኒኩለር ማእከል ዘጋጠመ ሓደጋ ናይ ስታክስነት ዝተባህለ ቫይረስ ግን ሓደጋ ናይ ኮምፕዩተር ቫይረሳት ኪኖ ኣድማስ ሳይበር ኣብ ሂወት ደቂ ሰባት ዓቢ ዕንወት ከምዘኸትል’ዩ ንዓለም ምሂርዋ” ዝበለ ኣቶ ተኽለዝጊ ። እቲ ናይ ኢራን ናይ ኒኩለር ማእከል ኢንተርነት ዘይነበሮዩ። ግና እቲ ቫይረስ፡ መጀመርታ ኣብ ኢንተርነትዩ ተፈንዩ። ብድሕርዚ ናብ windows operating system እተጻዕናኮምፒዩተራት ሰጊሩ። ብድሕርዚ  እቲ ቫይረስ ነቲ ማሽናት ዝቆጻጸር SCADA ዝብሃል ናይ ጀርመን ትካል “ስይመንስ” ዝሰርሖ መቆጻጸሪን መአከቢ ሓበሬታን ሶፍትዌር ሲስተም  ብምጥቃዕ ብግቡእ ዘይተጻረየ ኒክለራዊ ጸዓት ክፈሪ ጀሚሩ። እዚ ማለት ብሰንኪ ዘይግቡእ ስርሓት ናይዚ ትካል ዝመጽእ ላሕኲ ኣብ ሂወት ደቂሰባት ዘውርዶ ሃስያ ንምግማቱ ኣየጸግምን።

ኣብ ዘመነ ሳይበር ግን ብሰፍትዌራት ኣብ ስራሕ ብዝፍጠሩ ቫይረስ ጥራይ ኣይኮነን ሓደጋ ክመጽእ ዝኽእል።  ምስ  መሳሪሒታት ኮምፑተር (ሃርድ ዌር) ተተሓሒዞም ዝመጹ ናውቲ መሰጋገርቲ ሓበሬታ (Bugging Devices) እውን ተገጢሞም ይመጹ’ዮም።  ካብቶም ብዙሓት ካፓሲተራትን ትርንዚስተራትን ኣየናይ እዩ እቲ ሓደጋ ከተለልዮ ኣጸጋሚ’ዩ። ንኣብነት ኣቶ ተኽለዝጊ ከም መወከሲ ካብ ዝተጠቕመሎም መጽሓፍቲንሓንቲ ካብ ዝጽሓፈ  ፖል ዝተባህለ ኣሜሪካዊ ነዚ ዓይነት ሓደጋ’ዚ “እቲ ሰይጣን ኣብ ናውቲ ኮምፕዩተር ዘሎ (The devil in the chips)”  ክብል ገሊጽዎ ኣሎ። ስለዚ ጸጥታዊ ስግኣት ኣብ ሶፍትዌር ጥራይ ዘይኮነ ኣብቶም ንገዝኦም ንብረታት ከም፣- routers, switches, operating system ከምኡ’ውን peripherals ኮይኑ ኣሎ።  እዚ እዩ ድማ ኣብ መዳይ ሳይበር ሴኩሪቲ (cyber security ) ኣዝዩ ኣሻቃሊ ኮይኑ ዘሎ። ስለ’ዚ መንግስታውያን ይኹና ብሕታውያን ትካላት ሃገርና ኣብ እዋን ዕድጊ ኮምፑተራት ሓገዝቲ ንብረታትን ዝግባእ ጥንቃቐ ከምዘድልየን ዘዘኻኽር’ዩ።

እዞም ኣብ ላዕሊ ክንርእዮም ዝጸናሕና ሓደጋታት ሳይበር ምሉእ ብምሉእ ክንቆጻጸሮም ኣሸጋሪኳ እንተኾነ ሓደገኝነቶም ከነጉድል ግን ቅድሚ ብዛዕባ ክኢላዊ ዓቕሚ ሰብና ምምዕባልን መከላኸሊ ቴክኖሎጂታትን ክንዛረበሉ ዝግበኣና ኣብ ኣካይዳናን ኣጠቓቕማናን ከነምጽኦ ዝግበኣና ናይ ባህሪ ለውጢ ምዃኑ ኣቶ ተኽለዝጊ ኣብ መደምደምትኡ ኣስሚርሉ።  ገለ ካብቲ ክንገብሮ ዘሎና ናይ ባህሪ ለውጥታት ሓደግኝነት ቫይረስ ንምንካይ ኢንተርነት ክንጥቀም ከለናስእሊ ህቡባት ሰባት፡ ሰሓብቲ መወዓዊዒታት ወዘተ ዘለዎ ‘ሊንክ’ ዘይምጥዋቕ።ናይ  ተጠቃምነት ብሕትውናና ንምሕላውን  ሚስጢራውነት ንሰርሓሉ ትካላት ኣብ ሓደጋ ንዘይምውዳቕን  ንጥቀመሉ  “ፓስ ወርድ”  ተኻታተልቲ ቁጽርታት፣   ዕለተ ልደትካ፣  ወይ ኣድራሻኻ  ክኸውን የብሉን። ምኽንያቱ ብቐሊሉ ክፍለጡ ስለዝኽእሉ ኮዳትና ንውሕ ዝበሉን ሕልኽላኻትን ክኾኑ፡ከም ፈይስቡክ ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ሚድያ ክንጥቀም ከለና ድማ  ኢሜይል መጀመርታ ክንከፍት ከለና  ፕሮፋይልካ መን ክርኢዮ ኣለዎ ዝብል ሕቶ ይጸንሓካ’ዩ። ንኹሉ ክፉት( public) ፣  friends only, friends of friends ዝብል ምርጫታት ኣሎ። እቲ ዝሓሸ ምርጫ ድማ friends only ዝብል ኢዩ።  ናይ ስራሕ ኮምፕዩተራት ናይ ውልቂ ፍላሻት ዘይምእታው፡ ኣብ ተኣፋፊ ቦታ ክትህሉ ከለኻ ናይ ላፕቶፕካ ወይ ቴሌፎንካ ካሜራ ብብርሃን ዘየሕልፍ ፕላስተር ምሽፋን ብዘይ ኣፍልጦኻ ንዝግበር ምግዓዝ ዳታት ክከላኸለካ  ስለ ዝኽእል። ብቐንዱ ድማ ካብ ደረጃ መንግስቲ ክሳብ ደረጃ ኣሃዱ ዝወርድ ሓያል ናይ ቴክኖለጂ ሓበሬታ ፖሊሲ ( IT Policy) ክህሉ ወሳኒ’ዩ ኢሉ።

ብድሕሪ’ዚ ተሳተፍቲ ዓቕምን ክእለትን መንእሰያትና ኣብ ምንካይ ሓደጋታት ሳይበር ክንጥቀመሉ ተወሳኺ ሓሳብን ካልእ መብርሂ ዘድልዮም ሕቶታትን ብምቕራብ ናይ’ቲ ምሸት ኣስተምህሮ ተዛዚሙ።

ክፍለ በላይ

360 total views, 1 views today

(Visited 102 times, 1 visits today)

Eri-Youth

The owner of this website is the Eritrean union of youth and students.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *