መደባት ማእቶት ልምዓት መሬት፡ መሰረት ዘላቒ ዕብየት!

ሃማመተኤ መንእሰያት ኣብ ልምዓት ኣከባቢ ዘለዎም ንቕሓት ክዓቢን ኣብ ምዕቃቡን ምክንኻኑን ግቡእ ኣበርክቶኦም ንኽገብሩን ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ክሰርሓሉ ጸኒሑ እዩ። ናይ ሎምዘበን ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት፡ ሰፊሕ ናይ ምዝላይን ምግራብን መደባት ማእቶት ኣጣሚሩ ይበዓል ምህላዉ፡ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ፍሉይ ይገብሮ። እዚ ሰፊሕ ናይ ምዝላይን ምግራብን ማእቶታዊ መደብ፡ ኣብ ምውሓስ ዘላቒ ዕብየት ሃገር ዓብዪ እጃም ክህልዎ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ብኣጋጣሚ ፈስቲቫል ብፍሉይ ውዳበ ዝካየድ ዘሎ ማእቶታዊ መደብ እምበኣር፡ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝሰፍሐን ዝወርጸጸን ኮይኑ፡ ስሩዕ መደባት ተሰሪዕሉ ቀጻልነቱ ከም ዝውሕስ ንምግባር ማሕበር እጅገኡ ሰብሲቡ ተዳልይሉ ኣሎ።

ንኣተገባብርኡ ዝምልከት ብኽልተ ገጻት ማለት ኣብ ነብሲወከፍ ንኡስ ዞባ ካብ ገዛኦም እናተመላለሱ ዝሰርሕዎን ኣብ እዋን ክራማት ብመልክዕ ምዕስካር ዝካየድ ካብ ተመሃሮ፡ መንእሰያት ሰራሕተኛታትን ካብ ደገ ዝመጽኡ መንእሰያትን ዝሳተፍዎ መደብ ኮይኑ ክስረሓሉ እዩ። ሓፈሻዊ ዝተዓመ ስራሕን ገስጋሱን ዝምልከት ኣብ ዝቕጽል ሕታም መጽሔት መንእሰይ ክወጽእ እዩ። ንሕጂ ስለምንታይ እዩ ማሕበር ንማእቶታዊ መደብ ብልዑል ተገዳስነት ክሰርሓሉ ተበጊሱ ዘሎ፡ ኣብ ዘላቒ ዕብየት ሃገርከ እንታይ እጃም ክህልዎ ይኽእል ኣብ ዝብል ዛዕባ ኣተኵርና ኣሎና።

መሬት፡ ዋላ’ኳ ሓባራዊ ሃብቲ ዓለም ይዅን፡ ሰባት ብልኡላዊ ዶባት ከፋፊሎም ስለ ዘመሓድሩዎ፡ ነፍሲወከፍ ሃገር ወይ ሕብረተሰብ ዝኽተሉዎ ምሕደራን ክንክንን መሬት ይፈላለ እዩ።

ገለ ሃገራት፡ ዕድሎት ጸጋ መሬተን ብተዛማዲ ርቡሕን እኹል ዝናብ ዝረክብን ክኸውን ከሎ፡ ካልኦት ድማ ብኣንጻሩ ይኸውን። ብፍላይ ኣብዚ ክሊማ ዓለም ብቐጻሊ ዝለዋወጠሉ ዘሎ ዘመን፡ ሃገራት ንሓድሕደን እናተደጋገፋ እምበር፡ ብተናጸል ውሕስነት ርጉእ መሬት ከረጋግጻ ከም ዘይክእላ ተረጋጊጹ እዩ።

እተፈላለየ ዝጠንቁ ምድካይ መሬት (Land degradation)፡ ብደረጃ ዓለም ዓቢ ብድሆ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ኣቝጺሩ እዩ። ብመሰረት ጸብጻባት ውዕል ሕቡራት ሃገራት ንምምካት ምድረ-በዳነት (United Nations Convention to Combat Desertification)፡ ብሰንኪ ምድካይ መሬትን ምስፍሕፋሕ ምድረበዳነትን፡ 1.9 ቢልዮን ሄክታር መሬት ከምኡ’ውን 1.5 ቢልዮን ህዝቢ ብኣሉታ ተጸልዩ ኣሎ። ዓመታዊ 12 ሚልዮን ሄክታር መሬት፡ ብሰንኪ ምድረበዳነት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ይኸውን ኣሎ። 50 ሚእታዊት ካብ መሬት ሕርሻ ዓለምና ድማ ብማእከላይ ደረጃ ወይ ብኸቢድ ይደኪ ኣሎ።

ኤርትራ’ውን ኣብቲ ብቐጻሊ ደርቂ ዝጽሎን ሓደጋ ምድረበዳነት ዘንጸላልዎን ከባቢ ዓለምና እተደኰነት ሃገር ከም ምዃና መጠን፡ ካብተን ኣብ ክንክንን ምሕደራን መሬት እምብዛ ክግደሳ ዝግብአን ሃገራት ዓለም ክትከውን ግድን እዩ።

ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕርሻ ዝምርኰስ መነባብሮ ስለ ዝመርሕ፡ ክንክንን ግቡእ ኣጠቓቕማ መሬትን ዓንዲ ሕርሻዊ ምዕባለን ምርግጋጽ ውሕስነት ዘሎዎ መኣዛዊ መግብን ምዃኑ ርዱእ’ዩ። በዚ’ዩ ድማ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንመሬት ማእከል ኩሉ ፖሊሲኡ ብምግባር፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስን ድኽነት ንምጥፋእን ዝሰርሕ ዘሎ።

ኣብ ሃገርና፡ ምዕሩይ ኣጠቓቕማ መሬት ንምዕዋት ንኹሉ ሕብረተሰብ ብምጉስጓስ ንምስራጹ ይስርሓሉ ኣሎ። እዚ ስትራተጂ’ዚ፡ ኣዝዩ ርጉጽን ውጽኢታውን ኣወዳድባ ምዃኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ብደረጃ ዓለምን ኣብ ምምካት ምድካይ መሬት፡ ደርቅን ምድረበዳነትን ብግብሪ ዝተመስከረሉ እዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ’ዩ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ምግራብን፡ ካብ ቀዳሞት ስትራተጂ ኮይኑ ዝተሰርዐ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ናይ መስከረም ሓፈሻዊ 2015 ጉባኤኡ፡ 17 ዘላቒ ሸቶታት ልምዓት/ምዕባለን (Sustainable Development Goals) 169 ዒላማታትን (targets) ክሳብ 2030 ኣብ ተግባር ክውዕል ወሲኑ። ካብዘን 17 ሸቶታት፡ እታ መበል 15 ሸቶ፡ ንህይወት ኣብ መሬት እትምልከት እያ። እዚ ዝድለ ዘሎ ስራሓትን እቲ ንሕና እንኽተሎ ዘሎና መገድን ተማሳሳልን ተማላላእን ስለዝኾነ፡ ኤርትራ ነቲ መደብ ሓንጎፋይ ኢላ ብምቕባል ክትሰርሓሉ ጀሚራ። እዚ ሸቶ’ዚ ‘ምድካይ መሬት ኣልቦ’ ‘Land Degradation Neutrality (LDN) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ምድካይ መሬት፡ ሓደገኛነቱን ሳዕቤናቱን ንስድራቤትን ኮማትን ጥራይ ዘይኰነ፡ ንሰፊሕ ሕብረተሰብ ከይተረፈ፡ ሰላምን ርግኣትን ዝኸልእ ዓቢ ጉዳይ እዩ። እዚ ስለዝኾነ፡ መሬትና ካብ ምድካይ መሬት ምፍዋስን ሓመድን ማይን ምዕቃብን ቀዳምነት ናይ ቀዳምነታትና ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

***

እዚ ኹሉ ክንጠቕሶ ዝጸናሕና ዝርዝራዊ ሓቅታት፡ ንሓፈሻዊ ኣፍልጦ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንሕና መንእሰያት እንመርሖን እንትግብሮን ማእቶታዊ ንጥፈታት፡ ኣገዳስነቱ ማዕረ ክንደይ ዓቢ ምዃኑን ብሓላፍነት ድማ ክንትግብሮ ከም ዝግብኣና ንምግንዛብ ኢና።

ቍጠባዊ ጸገም፡ ቀንዲ ብድሆ ዓለም ምዃኑ ርዱእ’ዩ። ሃገራት ድማ ዘሎወን ተዛማዲ ብልጫታት ብምምዝማዝ፡ ቍጠባዊ ዕብየተን ከረጋግጻ ሓያል ጻዕሪ የካይዳ። ሃገርና ኤርትራ ድማ ብሓያል ተሳትፎ ኮም፡ ብቐንዱ ድማ ብተሳትፎ መንእሰያት፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ልምዓታዊ ማእቶታዊ ንጥፈታት ተጸሚዳ ትርከብ። ምህናጽ ከዘንቲ ማያት፡ ምፍዋስ ማይ-ኩዖታት ብመገዲ ምግራብ፡ ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ምቛም ሕዛእትታትን ልዕሊ ዝዀነ ኻልእ ኣድህቦ ተዋሂቡዎም ይርከብ።

ዛጊት ተግቢርናዮም ዘሎና ዓበይቲ ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት ውጽኢቶም ተስፋ ዝህብ፡ ናይ ምትግባር ዓቕምና ድማ ዘመስከሩን እዮም። ብፍላይ ተኸዚኖም ዘለዉ ማያት፡ ኣንጺፎምዎ ዘለዉ ባይታ እምብዛ ዓቢ እዩ። ንዕኦም ኣብ ቀጥታዊ ልምዓታዊ መደባት ንምውዓሎምን ተራኦም ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ንምዕዛዝን ግና እቲ ዝዓበየ ተራ ናይ መንእሰያት እዩ። ብኸመይ?

እዞም ብዘመናዊ ኣገባብ ተሃኒጾም ዘለዉ ዲጋታት፡ ብዘመናዊ ኣገባብ ኣብ መዓላ እንተ ውዒሎም ጥራይ እዮም ጭቡጥ ውጽኢት ክህቡና። ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ድማ ልዕሊ ዝዀነ ኻልእ ኣካል፡ ንመንእሰይ ይቐርቦ። ካብ ምትካል ወይ ምዝርጋሕ ዘመናዊ ዕደላ ማይ ንሕርሻን ዝስተ ማይን ኣትሒዝካ፡ ምድልዳል መሬት፡ ‘ኩለንተናዊ’ ንጥፈታት ዘመናዊ ማሕረስ፡ ምእካብ ምህርቲ፡ ምኽዛንን ምምስራሕን መግቢ ወዘተ. ‘ወሸለ ዝሰርሖ ረኺቡ’ ዘብል ዕድላት ሽቕለት ተፈጢሩ ኣሎ።

ኩሉ’ዚ ዝጠቐስናዮ ንጥፈታት ግና በቲ ንዘመናት ክንክተሎ ዝጸናሕና ያታዊ ኣገባባት ዘይኰነ፡ ቴክኖሎጂ ዝሰረቱ ዘመናዊ ኣገባብ እንተ ተኸቲሉ ጥራይ’ዩ ግቡእ ውጽኢት ክህበና። ስለዚ፡ መንእሰያት ኣብ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ጥራይ ዘይኰነ ተጨቓጪቖም ክምህዙን ክስንዑን ዘሎዎም፡ ንሃገርና ሕርሻዊ ምህዞታትን ሰንዓታትን ኣመና ከም ዘገድሳ ተረዲኦም፡ ኣብዚ ዓውዲ ብንጥፈት ክዋስኡ ምዝኽኻር እዋናዊ ጻውዒት እዩ።

ኣገዳስነት ካልኦት ዓውድታት ኣብ ቦታኡ እናሃለወ፡ ቀዳምነት መንግስትን ህዝብን ኤርትራ፡ ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መኣዛዊ መግቢ ስለዘሎ፡ መንእሰያት ኣብዚ ዓውዲ ዘሎዎም ኣፍልጦ ከበርኹ ግቡእ እዩ። ሃ.ማ.መ.ተ.ኤ. ይኹን ካልኦት ምስ መንእሰያት ቅርበት ዘሎዎም ትካላት፡ መንእሰያት ንማእቶታዊ ንጥፈታት ኪንዮ ወቕታዊ ምትካል ገረብን ምስራሕ ዛላታትን ዝኸይድ ምዃኑ ከማእዝኑዎም ጽቡቕ እዩ።

ምኽንያቱ፡ ሃገራዊ ልምዓታዊ ቅኒትን ንጥፈታት መንእሰያትን ሰሚሩ ክጐዓዝ እንተዀይኑ፡ መንእሰያት፡ ኪንዮ ኣብ ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት ዑደት ምክያድን ኣብ ኣዝዩ ውሱን ዕምሮም ማእቶታዊ ንጥፈታት ምክያድን፡ ንጡፍ ኣበርክቶ ክህሉዎም ይግባእ።

ኩሉ ዓይነት ሞያ ኣገልጋሊ ልምዓታዊ ንጥፈታት ክኸውን ከም ዝኽእል ብምግንዛብ፡ መንእሰያት ኣብዚ ንጥፈታት ዘሎና ሃጓፋት ብምግንዛብ፡ ንዕኡ ንምሽፋን ብዘሎዎም ሞያታትን ዝንባለታትን ክጽዕቱ ይግባእ።

“መንእሰይ፡ ጸዓት ዘላቒ ዕብየት!” ዝብል ቴማ ፈስቲቫል፡ ምስ ዓለማዊ ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ (Globoal Sustainable Development Goals)፡ ኣተኣሳሲርና እንተ ርኢናዮ፡ እተን ቀዳሞት ሸቶታት፡ ምጥፋእ ጥሜትን ድኽነትን እየን ዝብላ። ሃገርና ድማ ልዕሊ’ዘን ሸቶታት ዝስራዕ ቀዳምነት ስለ ዘይብላ፡ መንእሰያት፡ ነዘን ሸቶታት እዚአን ከይተግበርካ፡ ናብ ካልእ ምስጋር እዋናዊ ከም ዘይኰነ ተረዲኦም፡ ብሓቂ ጸዓት ዘላቒ ዕብየት ኰይኖም ክሰርሑ ምዝኽኻሮም ኣገዳሲ እዩ።

ልምዓት መሬት፡ መሰረት ዘላቒ ዕብየት፥ መንእሰይ ድማ ጸዓት ናይዚ ዕብየት!

39 total views, 1 views today

(Visited 9 times, 1 visits today)

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *