ልኡላውነትን ኣፍሪቃን፡ ካብ ኣኼባ በርሊን ክሳብ ሕጂ

ሃገር ብኣርባዕተ ኣዕኑድ ትቐውም። ንሳቶም ድማ ልኡላውነት፣ ህዝቢ፣ መንግስትን ስርዓተ ሕግን ዘጠቓለሉ ኮይኖም፣ ሃገር፣ ስርዓተ ምምሕዳራን ክብርታታን ንምቛም ብምድራኽ፣ ሓደ ካብኣቶም ዝጎደላ ድማ ‘ውድቕቲ ሃገር’ ተባሂላ ትጥቀስ። እዞም ብቐደም ተኸተል ንኽትሰርዖም ዘሸግሩ ረቛሒታት፣ ሓደ ካብ’ቲ ካልእ ብልጫ ክህልዎ ባህርያዊ  ወድዓውነት ስልዝህልዎ፣ ቅድሚ ልኡላውነት ዝስራዕ ኣይህሉን።

ልኡላውነት ማለት ንሓንቲ ሃገር ካብ ካልእ ሃገር ዝፈሊ ደረቕን ‘ኣብ ገለ ግና ልሱሉስ’ መጋረዲ ኮይኑ፣ ሕብረተ-ሰባት ባህርያውን ሰብ ሰርሖን እጀተኦም ንኸነጽሩ ዝድርኽ ኣገዳሲ ማሕበረ-ፖሎቲካዊ ረቛሒ ኢዩ። ኣብ ካርታ ተነጺሩን ተደብቲሩን ድማ ንማሕበራዊ ግጭታት ብፍትሒ ንኽንዳንዮም ይሕግዝ።

ልኡላውነት ዘይብሉ ሕብረተ-ሰብ ልክዕ ከምቲ ገዛ ዘይብሉ ሰብ ተቖጺሩ፣ እሞ ድማ ‘ገዛ ዘይብሉ ልቢ የብሉን’ ‘ውን ስለዝተባህለ፣  እፎይታ ክረክብ፡ ጎይታ ጸጋታቱ ክኸውንን ኣማእዛኒ መጻኢታቱን ዋርድያ ክብርታቱን ንምዃን ዝበቅዕ ኣይኮነን።

ኣብ ኣፍሪቃ ሕቶ ልኡላውነት ካብቶም ኣዛረብቲ ማሕበራውያን ዛዕባታት ምዃኑ ኩሉ ዝርደኦ ሓቂ ኢዩ። ዶባት ዝመበገሲኡ ግጭታት ድማ ንመዋእላት ደም ኣፍሪቃውያን ከዛሪ ክሳብ  ለይተ ሎሚ ንዕዘቦ ኣሎና።

ኣፍሪቃ ግና ንምንታይ ሕልፈ ካሎኦት  ኣህጉራት ኣብ ታኼላ ዶባዊ ግጭታት ንኽትሽመም ተደሪኻ?

መጀመርያ እቲ ዝዓበየ ጠንቂ ኣብ 1884 ዝተኻየደ ሃጸያዊ ኣኼባ በርሊንን ውጽኢቱን ክኸውን እንከሎ፣ ንዑኡ ተኸቲሉ ብወገን ገዛእቲ በቲ ሓደ ሸነኽ፣ ብወገን ሊሂቃንን ሕብረተ-ሰባትን ‘ዛ ኣህጉር ዝተራዕመ ናይ ጎይታን ጊላን ዝምድናታትን ናብ መጋብርያነትን ሓዲሰ-መግዛእታዊ ስርዓትን ዝድርኹ ዝንቡዓት ዶባዊ ኣመላኻኽታታትን ምዝርዛር ይከኣል።

ኣኼባ በርሊን ናይ 1884ን ምፍራታት ኣፍሪቃን(scramble for Africa) በቶም ኣብ’ቲ እዋን ዓንተራትን መለኽትን ዓለም ዝነበሩ ሓይልታት ዝተወደበ ኣኼባ ኮይኑ፣ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ከም ጉዚ ኣውደኣመት ንምምቓላን ጸጋታታ ንምምንጫትን ዝተወደበ መግዛእታዊ ሽርሒ ኢዩ። ብዘይ ተሳትፎ ወላ ሓደ ኣፍሪቃዊ፣ ኤውሮጳውያን ሃጸያውያን ሓይልታት ንቋንቋ፣ ባህሊ፣ መንነት፣ ሃይማኖትን መሬትን ህዝብታት ኣፍሪቃ ዝበታትን ተብግሶ ብምውሳድ፣ እረ ኣብ ገለ ከባብስ ነቶም ንዓመታት ዓኺኾም ዝጸንሕዎ ኣፍሪቃዊ ስልጣነታትን ማሕበራዊ-ክብርታትን  ‘ብHer Majesty the Queen፣ King Leopoldን’ ካሎኦትን ዝተከአን ንመግዛእታዊ ዶባት ዘቖመን ኣኼባ በርሊን፣ ኪኖ ከም ሓደ ዓቢ ታሪኻዊ በደል ምውሳዱ ክሳብ ሎሚ ኣኸቲልዎ ዘሎ ዕንወት ብምግምጋም ንኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ ተርታ ምዕባለ ብጩግራፍ መከራ ድሕሪ-ድሕሪኣ ንኽትቅጥቀጥ ዝደረኸ ታሪኻዊ ጌጋ ኢዩ ተባሂሉ ክድምደም ይከኣል። ሃገራት ኣፍሪቃ ብመሬተይ-መሬትካ፣ ብሄራዊ ጎንጽታት፣ ጸቢብነትንን ዘይምትእምማንን ንኽሕመሳ፣ እቶም ገዛእቲ ሓይልታት ድማ ብኣካልን ኢደ-ዙራዊ ተዋሰኦን ከምድልዮም ንኽምዝምዙ ዝተጠጀአ መግዛእታዊ መደብ ወይ ድማ Project ‘ውን ‘ዩ። ኣብ ኣፍሪቃዊ መድረኻት ድማ ንልዕሊ ሓደ ዘመን ዕድላት ኣፍሪቃውያን ከባኽን ተዓዚብናዮ ኢና።

ነጻ ናይ ካብን ናብን ምንቅስቓስ፣ ንግድን ወፍርን ተበግሶታት ካብ ዝፈሽለሉ ታሪኻዊ ምኽንያት እምበኣር በዚ ኩርናዕ ክጥመት ኣለዎ።

ኣብ ከባቢ 1900 ልዕሊ ሸውዓተ ኤውሮጳያን ሓይልታት ማለት ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ዓዲ-እንግሊዝ፣ ስጳኛ፣ ፖርቱጋል፣ በልጅምን ኢጣልያን ንኣፍሪቃ ብኣርዑተ ግዝኣት ቆሪነን ጸጋታታ ክብሕተኦን ንሕብረተ-ሰባዊ ክብራ ክብትነኦን እንከለዋ፣ እቲ ምዝመዛ ‘ውን ብድሕሪ ናጽነት ሃገራት ኣፍሪቃ ብስም ሓዲሰ-መግዛእቲ ኣብ ዝቐጸለሉ፣ እቲ ታሪኽን ዑደት ክሳብ ሕጂ ‘ውን እንተኾነ በዞም ናይ እዋንና ዓርሞሽሽ ሓይልታት (ኣሜርካን፣ ቻይናን ካሎኦትን) ክድገም ንዕዘቦ ምህላውና ምድግጋሙ ዘይኮነ፣ ናትና ኣፍሪቃውያን ኣመላኻኽታ ብዛዕባ ‘ዚ ጉዳይ  ብጣዕሚ የተሓሳስብ። ምኽንያቱ፣ ኣብራኽን ሕቖን ኣፍሪቃ ኣብ ኣኼባ በርሊን ኢዩ ዳግማይ ከምዘይትስእ ገርካ ተሓምሺሹ እንዳተባህለ እንከሎ፣ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዳግም ሽግራታ ንኽብእሱ ንውህደትን ሓድነትን ዝዘርጉ ናይ መጋበርያነት ተብግሶ ብወገን ገለ ኣፍሪቃውያን ሃገራትን ሰብ ፍሉይ ረብሓን ክውሰዱ ክትዕዘብ እንከለኻ ምስ ዕጫኻ ተሓናነቕ ይመጸካ።

ድሕሪ ናይ ናጽነት ዓመታት (1960ታት)፣ ገዛእቲ ሓይልታት ረብሓታቶም ንምውሓስ ረቀቕቲ ስልትታት እንክጥቀሙ፣ ነዚ ዝከላኸሉ ኮራኹር መግዛእትን ንዖም ዝድግፍ ሃጸየዊ ስርዓትን ንኽተኽሉ ዝተወፈይሉ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ጓሕጊሕካዮ ዘይጽንቀቕ ጸጋታት ኣፍሪቃን እቲ ካብ ንኸተዕርዮ ዝያዳ ንኽትፍንጥሖ ዝቐርብ ብጭኮናን መግዛእትን ዝተበታተነ ማሕበረ-ባህላዊ ክብርታት ህዝቢ ኣፍሪቃ ስለዘተባብዖም ኢዩ። ስለዚ ድማ ከም ቀጥታውያን ተዋሳእቲ ኣብ ናይ ውሳነ መዋቕራት፣ ንዝደለይዎም መንግስታት ክሕብሕቡ ንዘይድልዎም ድማ ክዓልዉን ተቓውሞ ክውድቡን ብስዉር ተንኮላዊ ኣጀንዳ ክንጠፉ ንዕዘቦም። ብወገን ገዛእትን ናይ ምኽዳም ባህሊ ዘለዎም ጎረባብትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ናይ መኸተን ኣብነታውነትን ኒሑ ንምስባር ንኣስታት ሓደ ዘመን ዝተኻየደ ታሪኻዊ በደል ድማ በዚ ኩርናዕ ክንጥምቶ ባህርያዊ ኢዩ።

እዛ ናይ ሎሚ ኣፍሪቃ እምበኣርከስ ንሓደ ዕላማ ጥራይ ኢያ ተፈጢራ፣ ንሱ ድማ ንዘይዓግብ ሸውሃት ገዛእቲ ንምዕጋብን ንምግልጋልን።

እቲ ዝዓበየ ብድሆ ህዝብታት ኣፍሪቃ ድማ ነዚ ክውን ጽውያ ብግብሪ ምብዳህ ኢዩ። ናይ መጀመርታ መራሒ ጋና ኣሕመድ ሴኮ ተረ  ኣብ ‘ቲ ኣብ ታሕሳስ 1958 ዝተኻየደ ናይ መጀምርታ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ “ካብ ሃብቲ ኣብ ጊላነት፡ ድኽነት ኣብ ናጽነት ይሕሸና’ ክብል እንከሎ ጽምኣት  ሓርነት ብዘይ ኩለንተናዊ ናጽነት ክውን ከኸውን ከምዘይከኣል ንምግንዛብ ዝተባህለ ኣባሃህላ ኢዩ።  ምኽንያቱ፣ ፖሎቲካዊ ናጽነት ብዘይ ቁጠባዊ ናጽነት ምንም ዋጋ ስለዘይህልዎ።

ሃገራት ኣፍሪቃ እምበኣር ነዚ ኣማቲ ኣማላኻኽታ ክሳብ ክንደይ ሪዐምነኦ ምግምጋም ኣገዳሲ ኢዩ።  ወዲ ኮንጎ ፓትሪክ ሎምምባ ኣብ 1960 ክትንትን እንከሎ፣ ‘እዚ ናይ ኮንጎ ናጽነት ወላ ‘ኳ ደኣ ምስ በልጂም ብምስምማዕ ዝተረኽበ እንተመሰለ፣ ዝኾነ ተወላዲ ኮንጎ ሓርነቱ ብማዓልታዊ ቃልሱን ደሙን ዝተጎናጸፎን ንመጻኢ ‘ውን ከውሕሶ ዝግበኦ ምዃኑን ክግንዘቦ ይግባእ’ ዝበሎ፣ ነቲ ቀጺሉ ግዳይ ናይ ወጻኢ መቕተልቲ ዝገበሮ ጸረ መግዛእቲ መርገጺታቱ ሪኢና ገዛእቲ ሓይልታት ንዕላመኦም ክሳብ ክንደይ ከምዝተወፈዩን ኣህዛብ ኣፍሪቃ ድማ ገለ ኣብነታት ገዲፍካ ክሳብ ክንደይ ከምዝዘንግዑን ክንርዳእ ንኽእል። ምኽንያቱ፣ ኣፍሪቃ ቁሩብ ምዕባለታት ገዲፍካ ልክዕ ከም ‘ቲ ኣብ 60ታት ዝነበርቶ ስለዘላ።

ልሙምባን ብጾቱን ‘እቲ ዝፈጠረ ብቐሊሉ ከዕኑ ከምዝኽእል’ ዝተገንዘቡ ኣይመስሉን እንክንብል፣ ሃገራቶምን ልዑለነተንን ውጺኢት ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ምዃነንን ምዝካር ኣገዳሲ ኢዩ።

ስለዚ እቲ ኣጋባብ ቃልሲ ብኻልእ መንገዲ ክኸውን ክኽእል ኣለዎ።

ሽግራት ኣፍሪቃ ‘ኣኼባ በርሊን’ ካብ ኮነ እቲ መፍትሒ ድማ ኣብ ኣኼባ በርሊን ብምምላስ ክንእልሾ የድሊ። ንሱ ድማ ኣፍሪቃ ጎይታ ዕድላታን ጸጋታታን ንኽትከውን ዝድርኹ ሓደስቲ መንገድታት ምድላው ኢዩ። ኪኖ እቲ መገባርያ ወጻእተኛታት ዝኾነ ዶብ ናብ ኩለንተናዊ ቁጠባዊን ባህላውን ውህደት ዓሊምካ ብምስራሕ እቲ ጉዕዞ ክጅመር ይከኣል። 15 ዝኾና ሃገራት ኤውሮጳ ነቲ መድረኽ ዓብይቲ ውግኣት ዓለም ዝነበረ ፖሎቲካዊ ሂወተን  ብመንገዲ ዞባዊ ውህደት ክቐብራን ዓሚቕ ምዕባለ ሓቢረን ክጓናጸፋን ምርኣይ ከም ዓቢ ትምህርቲ ተወሲዱ፣ እዘን 15 ሃገራት ካልኦት ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዝርከባ 10 ድኻታት ሃገራት ተኻፈልቲ ምዕባለአን ንምግባር ዓሊመን ክሰርሓን ክዕወታሉን ምዕዛብ፣ ዕሽሽ ክበሃል ዘይግበኦ ንሕና ኣፍሪቃውያን ክንመሃረሉ ዝግበኣና ዓቢ ተሞክሮ ኢዩ።

ካሜረናዊ ምሁር ኣቶ ‘ኣቺለ መበምበ’ ንጉዳይ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን (‘ኣቐዲሙ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ’ ዝበሃል ዝነበረ) ብድሆታቱን ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ትንተና፣ ‘እቲ ንኣፍሪቃ ናይ ምምዝማዝን ምዕማጽን ሃጸያዊ ኣማላኻኽታታት እንከይተለወጠ፣ ኣህጉር ኣፍሪቃ ካብ ዘላቶ ምዕይ ንኽትብል ዝከኣላ ኣይኮነን። እቲ መፍትሒ ድማ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ብእኩብ ንሓዲሰ መግዛእቲ ዝብድህን ንፍትሕን ስልጣነን ዝድርኽን   ሓደ ‘ሓዲሽ ስምምዕ’ ወይ ድማ ‘New Deal’ ኣብ ምፍራምን ንኩለንተናዊ ውህደት ዓሊምካ ኣብ ምስራሕን’ ይርከብ’ ዝበሎ ከም መበገሲ ሓሳብ ክውሰድ ይከኣል። እዚ ስምምዕ ድማ ነቲ ንሃገራትን መንግስታትን ኣፍሪቃ ብተናጸል ወዲቡ ኣብ ሕድሕድ ዘተፋንን ውዲት ገዛእቲ መኪቱ፣ ማዕጾ ምዝመዛ ይዓጹ ጥራይ ዘይኮነ፣ ሃገራት ብድሆታተንን ዕድላተንን ሓቢረን ንኽዝተያሉ ስለዝድርኽ ኣድማዕነቱ ህጹጽ ይገብሮ።

ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝውደብ ‘ራኢ 2063’ ወይ ድማ ‘Viosion 2063’ እምበኣር ነዚ ዓቢ ዕላማ የጠቓልል። ሃገራት ኣፍሪቃ ካብተን ኣብ 60ታት ምስኣተን ሓቢረን ናጽነተን ዝረኸባ ሃገራት ኤስያ ንድሕሪት ዝጎተተን ቀንዲ ምኽንያት፣ እቲ ናይ ፖሎቲካ ናጽነተን ብቑጠባ ስለዘይተደገፈ  ኢዩ። ስለዚ ምስጢር ኩለነተናዊ ሓርነተን ኣብ ቁጠባዊ ሓርነትን ሓባራዊ ኣህጉራኣዊ ምድግጋፍን ይርከብ። ኣፍሪቃዊ ሕብረት እምበኣር፣ ምስ’ቲ ኩሉ ድኽመታቱ፣ ነዚ ራኢ ክውን ኣብ ምግባር ኣብ ክልተ መተከላት ጸቒጡ ክሰርሕ የድሊ፡ ምስ ታሪኽ ተዓሪቕካ ኣፍሪቃውያን ኣንነቶም ኩርዓቶምን ዝዕቅብሉ ተብግሶታት ምንዳፍን፣ ናብ ቁጠባዊ ሉኡላውንት ዓሊምካ ምጽዓትን።

ሩዋንዳዊ መራሒ ኣቶ ፖል ካጋመ ኣብ’ ጽንብል ዳግመ ፕረስደንትነቱ ካብ ዝሃቦ ሓሳብ፣ ‘ሽግራት ኣፍሪቃ እቲ ንነፍሲ ወከፍ ኣፍሪቃዊ ካበየ ቦታ ኣፍሪቃ ከም ዊንታኡ ንኽንቃሳቐስ ዝድርኽ ሓባራዊ ኣፍሪቃዊ ፓስፖርት ዕላዊ እንከይገበርካ ክፍታሕ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣፍሪቃዊ ነጻ ናይ ንግዲ መድረኻት ምምዕምባል ድማ ነቶም ጋረድቲን ፈላለይትን መናድቕ ንኽንብድሆም ዝድርኽ፣ ኣብ ውሽጥና ኪኖ ዶባት ዝዓለመ መፍትሒታት እንረኽበሉ ናብ  ኣህጉርኣዊ ውህደት ዝድርኽ መንጠሪ ባይታ ስለዝኾነና ይጽነሓለይ ከይበልና ክንጸዕረሉ ይግባእ’ ዝበሎ ሓደ መርኣያ ናይ’ቲ ብወገን ኣፍሪቃውያን ሊሂቃንን መራሕትን ዝድፈኣሉ ዘሎ ኪኖ ዶባት ናይ ምሕሳብ ኣማላኻኽታ ዝእንፍት ኢዩ።

ሓዲስ ኣህጉራዊ መድረኻት ንሕቶን ሽግራትን ኣፍሪቃ ብኸመይ ይጥምቶ? ኣብ መንጎ እቲ ዝጸንሐ ወቕተ መግዛእትን ሕጅን እንታይ ፍልልያት ንዕዘብ?  ሓደስቲ ኣህጉራውያን ሓይልታት ናብ ኣፍሪቃ ውጥም ቅልቅል ዘብሎም ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት እንታይ ኢዩ?  ብኣሜርካን ቻይናን፣ ጀርመንን ቱርክን፣ ፈረንሳን እንግሊዝን፣ ሃገራት ኸልጅን ሩስያን እንዳነሃረ ዝኸይድ ዘሎ ምትእትታዋት ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ብምንታይ ይምኽነ?

ስለዚ፣ ነዞም ኩሉም ሓይልታት እተእንግድ ዘላ ኣፍሪቃ፣ ሕጂ ውን እንተኾነ ነቲ ንኣስታት 130 ዓመታት ዝደሃኻ ኣኼባ በርሊን እንደገና ንኸይሕደስ ክትጎርሓሉ ክትክእል ኣለዋ። ምኽንያቱ ኣህጉር ኣፍሪቃ መካነ ኣራግጽ ወጻእተኛታት ሓይልታት ኣብ ዝኾነትሉ፣ በቲ ሓደ ወገን ብሰንኪ ኣብ ሞንጎ ‘ዞም ሓይልታት ብዝፍጠር ስሰዐ ዝመንቀሊኡ ጎጃጃሊ ስርርዕ፣ በቲ ካልእ ድማ ብጠንቂ እቲ ኣፍሪዩ ከምዘያፍረየ፣ ወኒኑ ከምዘይወነነ ብዱላ ድኽነት ክግረፍ ዝጸንሐ ህዝቢ ኣፍሪቃን ጥርዚ ዝበጽሐ ዓቕሊ ጽበቱን ዝውለድ ጸቕጥታትን፣ መጻኢ ኣፍሪቃ ክብጅርግ ምዃኑ ኣብ ባይታ ዘሎ ወድዓዊ ጭብጥታት ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ።

ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ እምበኣርከስ ካብ ሕጂ ንደሓር እንታይ የድሊ ኣብ ዝበሃለሉ፣ ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ኣኼባ በርሊን ዝተበደለቶ ኣብ ሎሚ ኮይና ኣብ ሕቶ ‘እጀታይ እጀትካ’ ክትምለስ ዘይኮነት፣ ታሪኽ ‘ውን ስለዘየፍቅድ፣ ንማሕበራዊ ክብርታታትን ጸጋታትን ዝዕቅብ፣ ንመትረባት ምዝመዛ ዝዓጹ ኩለንተናዊ ውህደት ምስ እትገብር ጥራይ ‘ዩ። እዚ ንኽኸውን ግና 1, ምህላው ኪኖ ዶባት ሓሲቦም ብኣብነት ዝመርሑን ዘማእዝኑን ተዓጻጸፍቲ መራሕቲ፣ 2, ምህላው ‘ግዜ ንድሕሪት ከም ዘይምለስ ተረዲኡ ኣብ ዕውሉም ኩነታት ንዞባውነትን ኣህጉራኣውነትን ዝደፍእ ህዝባዊ ንቕሓት 3, ምርቃቕ ብኪኢላታት ዝንደፍ ክሳብ ‘ታ ዝደቐቐት ኣፍሪቃዊት ሕቶ ክምልስ ዝበቅዕ ስርዓተ-ውጥንን፣ ከሙኡ ድማ 4, ምህላው ተዓጻጽፍን ሓያልን ኣፍሪቃዊ ውዳበን ብትካል ዝስነ ጥርናፈታትን ከም መበገሲ ክውሰዱ ይኽእሉ።

ሕጂ ‘ውን እቲ ኣፍሪቃዊ ምኽንያት ዘይብሉ ኣፍሪቃዊ ጸገማት፣ ኣፍሪቃዊ ልብሲ ዝለበሰ ሃጸያዊ ሽግር ምዃኑ ብምግንዛብ ንተሞኽነይትን መዝመዝትን ኣብ ውሽጥና ብእንፈጥሮ ሓድነት ክንምክቶም ሳቦያ ንበል። እንተዘይኮይኑ ግና፣ ገዛእትና ‘ሕጂ ‘ውን እንተኾነ ወርትግ ንምውራድና ኣብ ምሽብሻብ ምህላዎም ምዝኽኻር ኣገዳሲ ኢዩ።

ኣማኑኤል ዘካርያስ

79 total views, 6 views today

(Visited 31 times, 1 visits today)

Eri-Youth

The owner of this website is the Eritrean union of youth and students.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *